ድለ

ኢየሱስ ከም አዕሩኽቱ ይሕብሕበና ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና ክንነብር ከኣ ይዕድመና! ር.ሊ.ጳ

‘ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። . . . ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም’ (ዮሓ 15,9-17)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ውዒልኩም!

ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ዝቀረበልና ወንጌል ዮሓ 15,9-17 ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም ሓቀኛ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ጨናፍሩ ምዃና ምስ ገለጸ እቶም አብኡ ጸኒዖም ብሕብረት ምሳኡ ዝነብሩ ዓቢ ፍረ ከምዝፈርዩ እዚ ፍረ እዚ ከኣ ፍቅሪ ምዃኑ ኣግሂዱ ይነግር። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምሳሌ ዝተጠቅሞ ከኣ ነታ ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ለበዋ እንደገና ይደግማ። ኣብዚ ግን ኣብ ፍቅሩ ክንጸንዕ እዩ ዝላቦ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና እንተነበርና ኣባና ዘለዎ ሓጐስ ምሉእ ይኸውን ከምኡ እውን ሓጐስና ኣብኡ ምሉእ ይኸውን። ስለዚኸስ ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕና ክነብር የድሊ።

እዚ ንሓጐስ ኢየሱስ ምሉእ ዝገብር ንሓጐስና እውን ምሉእ ዝገብር ፍቅሪ እዚስ ኣየንናይ ፍቅሪ ኮን ይኸውን! ኢልና እንተ ሓተትና እቲ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ንዘለዓለም ዝነብር መበቆላዊ ፍቅሪ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ዝብሎ እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ። እዚ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦ ከም ወሓዚ ማይ እዩ ካብ ኣቦ ናብ ወልድ ብኣኡ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ፍጥረታቱ ኩሎም ዝበጽሕ። ነዚ ከኣ ኣብ ፍቅዲ 9 ‘ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነ ኸኣ ንኣኹም ኣፍቀርኩኹም` ይብለና። እዚ እግዚአብሔር ኣቦ ንኣኡ ዘፍቅረሉ ፍቅሪ እዚ ገዛእ ርእሱ ስለና ከምዘወፊ ይገብሮ። ንጹሕ ፍቅሪ ምንም ረብሓ ዘይደሊ ፍቅሪ ብነጻ ዝዕደል ፍቅርኸስ እዚ እዩ። ክንገዝኦ ኣይንኽእልን ኢና ብነጻ እዩ ዝዕደል። ኢየሱስ ነዚ ፍቅሪ እዚ ይዕድለና እሞ ኣዕሩኽተይ ኢኹም ኢሉ ከም ኣዕሩኽቱ በዚ ፍቅሪ ኣዢ ይሕብሕበና። እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ከኣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ከም እንፈልጥ ይገብረና። ቀጺሉ ኣሕዋቱ ኰና ነቲ ንድሕነት ዓለም ዝተዋህቦ ተልእኮ ከም እንሳተፍ ይገብረና።

ቀጺልና ኣብ ልብና እትቅጀል ሕቶ ከመይ ከመይ ገቢርና ኢና ኣብዚ ፍቅሪ እዚ ጸኒዕና እንነብር! እትብል እያ። ነዚ ኢየሱስ ባዕሉ ይምልሸልና ኣብ ፍቅዲ 10 ‘ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም’ ይብለና። ትእዛዛቱ ኣየኖት ኢና እንተበልና ነተን 10 ትእዛዛት ብሓንቲ ጠሚሩ ‘ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩም ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ትእዛዘይ እዩ’ ይብለና። ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ምፍቃር እንክብል ቅድሚ ዝኣገረ ንኣገልግሎት ኣገልግሎት ብኣገልግሎቱ ከኣ ንኣገልግሎት ኣሕዋት ምውፋይ የድሊ። ንሱ ኣእጋር ኣርድእቱ ብምሕጻብ ነዚ እዩ ዝገበረ። እዚ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ካብቲ ከቢቡካ ዘሎ ሰብኣዊ ውሕስነታት ተፈሊኻ ካብ ጣዕሚ ዓለም ርሒቅካ ልብኻ ንካልኦት ክትከፍት ንኣገልግሎት ስንድው ክትከውን የድሊ። ምናዳ ኸኣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንዘድልዮም ድኻታትን ጽጉማትን ከተቀድም የድሊ። ከም ዘሎኻዮ ምስ ዘሎካ ዘበለ ኩሉ ክትውፈ የድሊ። ንካልኦት ብቃላት ዘይኮነ ብግብሪ ምፍቃርከስ እዚ እዩ።

ከም ኢየሱስ ምፍቃር ማለት ነቲ ብካልኦት ዝቀርበና ፍቅሪ እምቢ ክንብል ኣሎና። ከም ኣብነት ፍቅሪ ንዋይ ክንፍትነና እንከሎ ኣይፋል ኣነ ንኢየሱስ እየ ዘፍቅር ክንብል ግዲ እዩ ከመይ ንገንዘብ ዘፍቅር ንኢየሱስ ክፍቅር ኣይክእልን እዩ። ፍቅሪ ዓወት ፍቅሪ ሥልጣን ፍቅሪ ከንቱነት ክፍትኑና እንከለው ኣይፋል ክንብል ኣሎና። ከመይ እዚ ፍቅር እዚ መደናጋሪ ኰይኑ ካብ ፍቅሪ ጐይታ የርሕቀና እሞ ንኣይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ኰና ንፉጋትን ዕቡያትን ከም እንኸውን ይገብረና። ኣነነትን ትዕቢትን ንፍገትን  ናብ ዕንወት ፍቅሪ ይመርሓ ንካልኦት ከምእንምዝምዝን ነቲ እንፈቅሮ ኢና እንብሎ ሰብ ምኽንያት ስቃይን ይኾና። በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፈ ፍቅሪ ከመይ ኢሉ ናብ ዓመጽ ከምዝሰጋገር እንክሓስብ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ እየን ብስም ፍቅሪ ዕለት ዕለት ግዳይ ዓመጽን ግፍዕን ዝኾና። እዚ ፍቅሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኢየሱስ ገሩ ዘፍቀረና ምፍቃር ማለት ኣብ ጐድንኻ ንዘሎ ዋጋ ምሃቡ ምፍቅሩ ምግልጋሉ ነጻነቱ ምሕላው ከምዘለዎ ምፍቃሩ እምበር ከምቲ ንሕና እንደልዮ ገርና ክነፍቅር ኣይኮነን። ፍቅሪ ነጻ ህያብ ስለዝኾነ ንማንም ሰብ ከም ዘለዎ ክነፍቅሮ ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ዝሓተና ኣብ ፍቅሩ ጸኒዕና ክነብር ብፍቅሩ ክነብር እምበር ኣብ ሓሳባትና ደሪቅና ኣብ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ክንተርፍ ኣይኮነን። ኣብ ኣምልኾ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ኣብ ቅድሚ መስትያት እዩ ዝነብር ተመላሊሱ ገጹ ክርኢ ይደሊ። ጐይታኸስ ካብዚ ክንወጽእ ንካልኦት ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ካብ ዝብል ፈተና ክንወጽእ ይዕድመና ኣሎ። ንካልኦትሲ ኣይተቆጻጸሮም ኣገልግሎም ደኣ! ሓቀኛ ፍቅርስ ንካልኦት ልብኻ ምኽፋትን ስለኣዕሩኽትኻ ገዛእ ርእስኻ ምውፍይን እዩ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! እዚ ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕካ ምንባር ኣበይ ኮን የብጽሓና! ኢልና እንተሓተትና ነዚ እውን ኢየሱስ ኣብ ፍቅዲ 11 ይምልሸልና ‘ሓጐሰይ ኣባኹም ይነብር ሓጐስኩም ከኣ ምሉእ ይኸውን’ ይብልና። እዚ ሓጐስ እዚ እቲ ኣብ ጐይታ ዘሎ ሓጐስ ኰይኑ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ምሉእ ውህደት እዩ። ነዚ ከኣ እዩ ኣባኡ ክህሉ ዝምነ ምሳኡ ምሉእ ውህደት ክህልወና። ሽሕ’ኳ ዘይንእመን እንተኾና እግዚአብሔር ግን ከምዘፍቅረና ምፍላጥን ብእምነት ንፈተና ሕይወት ምግጣምን ነዚ ሓጐስ እዚ ሂቡ ካብ ዝኾነ ቅልውላው ናብ ዝሓሸ ዓወት ከም እንወጽእ ይገብረና። እዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ፍሉይ መለለዪ ምልክት ሓቀኛ ክርስትያን ስለዝኾነ ሓቀኛ መሰኻኽር ብምዃን ጸኒዕና ክንነብሮ ንኽእል። ሓቀኛ ክርስትያን ብምንም ተኣምር ሕዙን ኣይኮነ ከመይ ወትሩ እዛ ሓጐስ እዚኣ ኣብቲ ሕሱም ግዜ እውን ከይተረፈ ኣብ ልቡ ኣላ።

ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ጸኒዕና ንምንባርን ኣብ ፍቅሪ ኩሎም ክንዓብን በዚ ከኣ ሓጐስ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንምምስካር ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 May 2021, 13:10

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >