ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ምያንማር መርሕነት ኣካላት ናብ ጐደና ሰላም ከብሉ መታን ንጸልይ

ኣብዛ ወርሓ ማርያም እዚኣ፥ እታ ኣደ ሰማይ እቶም መራሕቲ ምያንማር ኣብ ናይ ምርኻብን ዕርቅን ሰላምን ጐዳና ንኸብሉ ተባዓት ኮይኖም ክርከቡ ልቢ ዅሎም መርሕቲ እታ ሃገር ትተንክፍ!

ዕለት 2 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም መስኮቶም ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ መንፍሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎት ንግስተ ሰማያት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ምያንማር ምእንቲ ሰላም ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ዘላ ጐስጓስን ዘኪሮምን ኣብ እስራኤል ጐቦ መሮን ዘጋጠመ ሓደጋን ኣብ ቨነዝወላ ብጽዕና ዓለማዊ ምእመን ዶክተር ኾሰ ግረጐርዮ ሀርናንደዝ ሲስነሮስን ማሕበረሰብ ኣደን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምእንቲ ሓድነትን ከምኡ እውን ዕለት 2 ግንቦት በዓለ ፋሲካ ንዘብዓላ ምስራቓውያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ብሩኽ በዓለ ፋሲካ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ግንቦት ንማርያም ብፍሉይ ዝወከፍ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርከባ ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ብሁባሬ እቲ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕ እግዚኣብሔር ካብዚ መዓት እዚ ኸናግፈና ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበረ ጸሎት መቑጸርያ ይዓርግ ከምዘሎን ቅዱስነቶም ዕለት 1 ግንቦት ካብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን ብዝመርሕዎ ጸሎት መቑጸሪያ ከምእተበገሰ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነዚ ብምሕሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚያ ንልበይ ቀረባ ዝኾነት ኣብ ቢርማንያ  እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሓ ግንቦት በቢ መዓልቱ ኣብ ዝቐርብ ጸሎት መቑጸርያ ሓንቲ ጸሎት ሰላም ለኪ ምእንቲ ምያምናር ዝቐርብ ክኸውን ዘቐረበቶ ጻውዒት መሰረት፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጸገምn መከራን እንክንርከብ ናብ ኣደና ከምእንጥምት፡ ኣብዛ ወርሓ ማርያም እዚኣ፥ እታ ኣደ ሰማይ እቶም መራሕቲ ምያንማር ኣብ ናይ ምርኻብን ዕርቅን ሰላምን ጐዳና ንኸብሉ ተባዓት ኮይኖም ክርከቡ ልቢ ዅሎም መርሕቲ እታ ሃገር ትተንክፍ!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ኣቶም ኣብ እስራኤል ጐቦ መሮን ኣደዳ ዝኾኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 30 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ እስራኤል ጉቦ መሮን 45 ዜጋታት ንሞትን ብዙሓት ንማህሰይቲ ዝዳረገ ሓደጋ ዘኪሮም “ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዝዀኑን ኣባይቲ ስድራኦምን እጽልይ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ብሩኽ ፋሲካ መልእኽቲ ንኦርቶዶክሳውያንን ምስራቓውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን

ቅዱስነቶም ነቶም ዕለት 2 ግንቦት 2021 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ናይ ዘብዓላ ኵለን ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ምስራቕ ዝርከባ ላቲናውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን እናሓሰቡ፥ “እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤ ብርሃኑን ሰላሙን ይጸግው፡ ኣብ ዘጸገም ኵነታት ዝነብሩ ማሕበረሰብ የጸናንዕ” ቢሎም -  ርሑስ በዓለ ፋሲካ ይግበረልኵም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብነት ብጹዕ ሀርናንደዝ ሲስነሮስ

ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 30 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቨነዝወላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሉ ሓኪም ኾሰ ግረጎርዮ ሀርናንደዝ ሲስነሮስ ዘኪሮም፥ እዚ ሓድሽ ብጹዕ’ዚ “ሓኪምን ብስነ ምርምርን እምነትን ዝተመልኤ፥ ኣብ ህሙማን ወጅሂ ክርስቶስ ዘለለየ፡ ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ብወንጌላዊ ፍቕሪ ረዳኤ ሁሙማን ብምዃን ዘገልገለ፡ ኣብነቱ ነቶም ብስጋን ነፍስን ዝሳቐዩ ንኽንከናኸን መታን ይደግፈና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምትብባዕ ንማሕበረ መተርን ሰላምታ ንምንስቓስ ሓድነትን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናት ዝኣልይን ካብዚ እከይ ተግባር`ዚን ምዝመዛን ሕጻናት ንምክልኽካል ዝዓዪ መተር እተሰምየ ማሕበር ጠቒሶም “ኣብ ዕዮታቱን ኣገልግሎቱን አተባብዕ” ቢሎም፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ብኪያራ ሉቢክ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ፖለቲካ ንሓድነት ኣባላት ጽቡቕ ዕድልን ሰናይ ኣገልግሎትን ኣብ መዳይ ፖለቲካ ተመንዮም ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 May 2021, 21:33