ር.ሊ.ጳ. ንምእመናን ምያንማር መሰኻኽር ወንጌል ሕይወት ክሳብ ንሓደጋ ምቕላዕ

ኣብቲ ምእንቲ ሰላም ኣብ ምያንማር ሓሳብ ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝቐረበ ጸሎት ምህለላ፥ ኣብቲ ምእመናን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣብ መሰረት እቲ ሓባራዊ ሰናይን ሓቀይናን ሰብኣውን ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን ስርዓታት ተመርኵሶም ተስፈይና መጻኢ ንኽሓንጹ

ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዜጋታት ምያንማር ተቐማጦ ሮማ ዘሳተፈ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሃገረ ምያንማር ሓሳብ ገይሮም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቲ ንናይ ጽልእን ምክፍፋልን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምሩኻት ከይኮንና ሕውነት ብማሕበራውን ፖለቲካውን ምርጫታት ከይተረፈ ንኽንሓንጽን ኣብታ ጸልማት ናይ ስቓይ ለይቲ ንናይ ኢየሱስ ሓቂ እሙናት ክንከውን ከምዘሎና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝፈጸሞ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሕዝቢ ምያንማር ዘስዓቦ ዘሎ ስቓይ ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናብ መሰውዒ መንበረ ታቦት ንምቕራብ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ምእመናን ቢርማንያውያን ዘሳተፈ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እግዚኣብሔር ነቲ ስቓይ ናብ ሰላም ክቕይሮ “ጐይታ ወትሩ ኣውያት ሕዝቡ ይሰምዕ” እንክብሉ ከምዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቀዳማይን ካልኣይን ምንባብ ብቋንቋ ቢርማንያም ወንጌል ብቋንቋ ጣልያንይና ከምእተነበ ኣፍሊጡ፡

እቲ ዘዕንው ጐጃሊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይኣትው

ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምርጫታት ተዋሰእቲ ምዃን

ነቶም ብፍርሕን ብስቓይን ምልኵታት ዝኾኑ ዘለዎ ምእመናን ሕይወቶም ምእንቲ ወንጌል ከወፍዩን እምትን ሓድነትን ሓቅን ክዕቅቡ ተማሕጺኖም፡ ኢየሱስ ካብ ደቀመዛሙርቱን ካብ ዓለምን ክሰናበት እንከሎ ምእንቲ እቶም ናቱ ዝኾኑ ሓቂ ክዕቅቡ ከምዝጸለየን፡ ሓቂ ምዕቃብ ማለት ንሓሳባት ምጥባቕ ማለት ዘይኮነ “ሓለውቲ ሰረት እምነት ምዃን ማለት እዩ፡ ሓቂ ክርስቶስ እዩ፡ ስለዚህ ንኽርስቶስ ምዕቃብን ምስኡ ምዃንን ማለት እዩ፡ ናይዚ መምዘኒ ኸኣ ዓለም ዘይስዕብን ንወንጌል ምስ ሰብኣዊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘይምጥማር ዝብል እዩ፡ ንሓቂ ምሕላው ማለት ኣብ ኩሉ ኵነታት ሕይወት ነብያት ምዃን ማለት እዩ”፡ ኣንጻር ውሕዚ ምኻድ ኣብ ዘድልየሉ እዋን እውን እንተኾነ ኣንጻር ውሕዚ ብምኻድ ወንጌል ምምስካር ማለት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድነት ካብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዝጅምር

ሓድነት ካብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዝጅምር

ምግምማዕ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ማሕበርሰብን ሕዝብታትን ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ይርአይ፡ ኣክንዲ ንጥቕሚ ኵሉ ብሕታዊ ረብሓ ምድላይን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምፍራድን ንሓድነት ዝጻረር ተግባር እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ “ንእሽቶ ግጭታት መንቀሊ ዓበይቲ ግጭታት እዩ ዝኸውን” ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ “ሃገርኩም” ዝርአይ ዘሎ ኵነት ነዚ ይመስል፡ “ናይ ወገነይን ወገንካን ረብሓታትን መኽሰብን ስልጣንን ምድላይ ወትሩ ግጭትን ምክፍፋልን እዩ ዘስዕብ”፡ ምፍልላይ ካብ ዲያብሎስ ክመጽእ እንከሎ ኢየሱስ ግን ሓድነት ካብ ኣብኡ ክወሃብ ዝጸለየሉ ክብሪ እዩ፡ ነኣሽቱ ግርጭት ናብቲ ዓቢይ ግርጭት ዝድርኽ እዩ፡ . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዝነኣሰ መገዲ እውን ይኹን ሓናጺ ሕውነት ብምዃን ዓመጽ ኣክንዲ ዘጓሃህር ነቲ ዝተሰብረ ዳግም ንምሕናጽ ዝዓዪ ይኹን፡ ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን እውን ነዚ ሕንጸት’ዚ ዝተጸዋዕና ኢና ዘተን ምክብባርን ንሓውና ናይ ምንባይን ሓላፍነት ኣሎና።”

እቲ ዘዕንው ጐጃሊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይኣትው

“ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ጐጃሊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክኣትው ኣይንፍቀድ፥ እዚ ገማማዒ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንኻልኦት ዘዕድይ ውልቃውነት ማእከል ምግባር ዝብል ኣተሓሳስባ ክውገድ ኣለዎ፡ እዚ ስድራ ቤትን ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ ንኣና እውን ዘጥፍእ ተግባር እዩ፡ እሞ ነወግዶ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ማእከል እቲ ናይ ሞት ኣጽዋር ናይ ክርስቲያን እንኰ ኣጽዋር ጸሎት እዩ

ኣብ ቅድሚ እቲ እከይ ኵሉ፡ ኵሉ ከይጠፍእን ብኣኡ ከይንጸንት እውን ከምቲ ኢየሱስ የዕንቱ ናብ ሰማየ ሰማያት ሓፍ ኣቢሉ ከምዝጸለዮ ክንጽልይ እዩ ዝግብኣና፥

እምነትካ ምሕላው ኪበሃል እንከሎ ኣብ ምድሪ ውግእን ዓመጽ ናይ ንጹሓን ደም ክፈስስ እንከሎ የዕንትኻ ናብ ሰማየ ሰማያት ሓፍ ኣቢልካ ምጽላይ ማለት እዩ፡ ነቲ ናይ ጽእልን ሕነ ምፍዳይን ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምሩኻት ክንከውን ዘይኮነ ናብቲ ኣብ መንጐና ሕውነት ክህሉን ኣሕዋት ክንከውን ዝጽውዓና ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ምጥማት ማለት እዩ!

ጸሎት ካብ ጸገም መምለጢ ዘይኮነ “በንጻሩ ኣብ ማእከል እቲ ሞት ዝዘርእ ኣጽዋር ፍቕርን ተስፋን ክንሕሉ እንጥቀመሉ እንኮ ኣጽዋር እዩ”፡ ስቓይና እውን ናብ እግዚእብሔር ከነእቕርብ እንከሎና ንገዛእ ርእሱ ጸሎት እዩ፡ “ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣምላኽ ካብ ካልኦት ጸሎታት ፈልዩ ዝሰምዖ ጸሎት ካብ ዝቖሰለ ልቢ ዝቐርብ ስለ ዝኾነ እዩ፡ እግዚኣብሔር ናይ ሕዝቡ ገዓር ይሰምዕ ንብዓቱ እውን ይደርዝ” ዝበሉ ቅዱስነቶም - ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ ንደቂ ደቀን “ብኣምላኽ ምቝጣዕ እውን ጸሎት ኪኸውን ይኽእል እዩ” ዝበልኦ እዝክር፡ ስለዚ ኢየሱስ ሎሚ እውን እንተዀነ “ካብቲ መንፈስ ክፋእ ምእንቲ ክሕልወና ካብ ሓይሊ እከይ ምእንቲ ኬናግፈና ናብ ኣቦ ይጽሊ፡ ምእንቲ ዅላትና ኸኣ ይማለድ” ከምዘሎ ኣይንረስዕ፡ ምእንቲ’ዚ ተስፋ ኣይነቕህም።

ተወላዲ በርማኒያ ካህን፥ ቅዱስ ኣቦና ስለ ምጽንናዕዅም ነመስግን

ኣብቲ ምእንቲ ሰላም ኣብ ምያንማር ሓሳብ ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝቐረበ ጸሎት ምህለላ፥ ኣብቲ ምእመናን ብፍላይ  ከኣ መንእሰያት ኣብ መሰረት እቲ ሓባራዊ  ሰናይን ሓቀይናን ሰብኣውን ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን ስርዓታት ተመርኵሶም ተስፈይና መጻኢ ንኽሓንጹ መታን ጸሎት ከምዝዓረገን ኣብ መዕጸዊ እቲ ቕዳሴ ኣባል ማሕበር ዶን ቦስኮ ተወላዲ ቢርማንያ ሓው ቦስኮ ሙንግ ሳውንግ ንቕዱስነቶም ስለ ምጽንናዖም ነምስግን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጠንጢኑና ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ንብዓትናን ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ዝተረኸብናሉ እዋን ብቃላት ቅዱስ ኣቦና ኢና ተጸናኒዕና” . . . ኣብ ምያንማር ሰላም ምእንቲ ክወርድ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ስለ ዘዕርግዎን ዘነቓቕሕዎን ጸሎት ነመስግን፡ ብፍላይ “ኣነ እውን ኣብ ጐደናታት ምያንማር ተምበርኪኸ ኣእዳወይ ዘርጊሔ እቲ ዓመጽ ደው ክብል እሓትት” ዝበልዎ ቃል እናቴ ኣን ኣብ ቅድሚ እቶም ንምእሰያት ዘሳድዱ ኣብ ዝነበሩ ኣባላትሓይሊ ጸጥታ ኣባላት ፊት  ተንበርኪኸን ናይ መእሰያት ሕይወት ካብ ሞት ከድሕናን ክማሕጸና እንከለዋ ዘርእይ ስእሊ ዘዘኻኽር እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ከምዝነበሩን . . . “ንብዓትናን ተስፋ ምቑራጽናን ዝዓነወ ሰላምናን መለኮታዊ መልሲ ይጽበይ፡ ኣዚ ምስ ጓሳና ዀይናን ብኣኦም ተመሪሕናን ኣብ ሮማ እንካይዶ ዘሎና መደብ ጸሎት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽና ከምዝዓዪ ዝግለጽ ብጋሰ እዩ፡ . . . ሰላም ተኻኣሊ እዩ፥ . . . እንኰ መገዲ እውን ንሱ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንምእመናን ምያንማር መሰኻኽር ወንጌል ሕይወት ክሳብ ንሓደጋ ምቕላዕ
19 May 2021, 08:24