ር.ሊ.ጳ. ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገልግሎት ተልእኾ ኣቚይሞም ር.ሊ.ጳ. ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገልግሎት ተልእኾ ኣቚይሞም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገልግሎት ተልእኾ ኣቚይሞም

ብፍላይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንእዋናዊ ዓለምን ከምኡ እውን ንዘሎ ጽልዋ ዓውሎማነትን ግምት ብምሃብ ክኸውን እንከሎ፡ ብምኽንያት ዝተቐበልዎ ምስጢር ጥምቀት ኣብ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዋስኡ ዝተጸውዑ

ዕለት 11 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Antiquum ministerium - ጥንታዊ ኣገልግሎት ተልእኾ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣገልግሎት ተልእኾ ኮይኑ ክቐውም ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉን እዚ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ኣስፍሆተ ወንጌል ግምት ብምሃብን ናብ ናይ ቀሳውስነትነት ፈተና ብዘይ ምባልን ክፍጸም ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ውሳኔ ሕጊ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብግጻዌ ስርዓተ ላቲን ቅዱስ ዮሓንስ ዘኣቪላ ካህንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ Antiquum ministerium - ጥንታዊ ኣገልግሎት ተልእኾ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣገልግሎት ተልእኾ ዘቕውም ሓድሽ ውሳኔ ከምዝደንገጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብፍላይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንእዋናዊ ዓለምን ከምኡ እውን ንዘሎ ጽልዋ ዓውሎማነትን ግምት ብምሃብ ክኸውን እንከሎ፡ ብምኽንያት ዝተቐበልዎ ምስጢር ጥምቀት ኣብ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዋስኡ ዝተጸውዑ ኣፍልጦ ብምሃብ እውን ኮይኑ፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ምስቲ እዋናዊ ሓድሽ ወለዶ ምርኻብ ዘለዎ ኣገዳስነት ግምት ብምሃብን ብስራት ወንጌል ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ለውጢ ክሰማማዕ ዝገብሩ ሜላታትን ናይ ምህዞ ናውትን ፈሊኻ ምፍላጥ ዘለዎ ልዑል ኣድላይነቱ ፍሉይ ኣተኵሮ ዝገበረ ውሳኔ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ኣገልግሎት ግን ከኣ ጥንታዊ መበቆል ዘለዎ

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት እዚ ካብቲ ብግዜ ሓድሽ ኪዳን ዝነበረ ኣዚዩ ጥንታዊ መበቆል ዘለዎን ከም ፋልማይ መበገሲ እውን ንኣብነት ወንጌል ሉቃስን መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስን ጋላትያን ምጥቃስ ይከኣል፡ እንተኾነ ብምሉእ ታሪኽ ወንጌላውነት ናይ ዝሓለፈ ክልተ ሺሕ ዓመታት - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣገልግሎት ተልእኾ መምሃራን ትምርተ ክርስቶስ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምንባሩ ብዓብዪ መርትዖ ይሕብር፡ እዚ ተልእኾ እዚ ኸኣ እምነት ንብሕታዊ ህላወ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግብኡ ደገፍ ምዃኑ የረጋግጽን ነዚ ዕላማ’ዚ እውን ሕይወቶም ከይተረፈ ኣሕሊፎም ክሳብ ምሃብ እውን ስንድዋት ገይርዎም እዩ፡ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንደሓር ሓላፍነት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ዓቢይን ከምኡ እውን ንናይ ማሕበረ-ሰብ ክርስቲያን ምዕባለ ዘለዎ ኣገዳስነት ግንዛበ እናረኸበ ክሰፍሕ ጀሚሩ እዩ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎምን ተባዓትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ምምሕልላፍን ምዕማቚን እምነት መተክእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ፈልዮም ዘመላኸቱ ኣእላፍ ዝኾኑ ብጹዓንን ቅዱሳትን ሰማእታትን ዝኾኑ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘለዉን እዚኣቶም ንመላእ ናይ ክርስትና መንፈሳውነት ታሪኽ ዘይነጽት ፈልፋሊ ዝኾነ ምንጪ እያቶም ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣

ብክርስቲያናዊ ስነ ምግባር ኣቢልካ ሕብረተሰብ ምልዋጥ

ኣቡን ኣብ ሰበኻኡ ቀዳማይ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ከምኾነን፡ ከምኡ እውን ኣባይቲ ስድራ - ወለዲ ንደቃቶም ብዛዕባ እምነት ክርስትና ኣብ ምትሕልላፍን ኣብ ሕንጸት እምነትን ዓቢይ ግደ ከምዘለዎም ብዘይምስሓት፡ ቅዱስነቶም ብዙሓት ነቶም ናይ እምነት ክርስትና ጽባቔን ሰናይን ሓቅን ክፈለጡ ንዝጽበዩ ንኸፍሉጡን ንምብጻሕ ዝተሓባበሩ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ዝዋስኡ ግብኡ ክብሪ ክወሃቦም ይምሕጸኑ። ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ሕይወት ብምስራጽ ሕብረተሰብ ንምልዋጥ ግደ ክህልዎም ዝኽእሉ ብቕዓት ዘለዎም ዓለማውያን ምእመናን ኣፍልጦ ምሃብ እውን ናይ ጓሶት ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ነቲ ውሳኔ ጠቑሱ የመላኽት።

ቀሲሳዊ ዝገብሩ ኣገባባት ምውጋድ

ናይ እምነት መስካርን መምህርን ቀዳማይ መምህር ትምህርተ ሃይማኖትን ናይ ስነ ምምሃር ሊቅን መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ካብ ፋልማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንቕዱሳት ምስጢርትን ንናይ ክርስቲያናዊ ተበግሶታት መሰጋግሮን ክሳብ ቀዋሚ ሕንጸት እምነት ኣብ ናይ ምትሕልላፍ መዳይ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምግልጋል ገዛእ ርእሱ ስንድው ክገብር ኣለዎ፡ እዚ ዅሉ ዝከኣል ብጸሎትን ብትምህርትን መጽናዕትን ከምኡ እውን ብቐጥታ ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ብምስታፍ ኮይኑ በዚ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር መንንነት ስኑይን ሓላፍነትን ዝዓሰሎ ሕይወት ከማዕብል ዝሕትት እዩ፡ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ንምዃን እትቕበሎ ናይ ኣገልግሎ ተልእኾ ብትኽኽል ናይ ነፍሲ  ወከፍ ምስጢረ ጥቅመት ናይ ዝተቐበለ ሓላፍነት እዩ፡ እዚ ክፍጸም ዘለዎ - ይብሉ  ቅዱስነቶም - ብዘይ ናይ ቀሲሳውነትን ቀሲሳውነት ብዘይ ምትእትታው ምሉእ ብምሉእ ብዓለማዊ ምእመናውነት መልክዕ ዝፍጸም እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ናይ ሊጡርጊያን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይቲ ተቕዋም ስርዓት ከቕርብ እዩ

ብዓለማዊ ምእመን ዝቐርብ ኣገልግሎት  ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ጸዋዕታ ዋጋ ዘለዎ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ ኣገልግሎት ክኸውን እንከሎ ካብ ጳጳስ እዚ ጸዋዕታ እዚ ዝጠልቦ ግቡእ ተገዳስነት ክረክብ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝምልከት ስርዓት ኣብ ቀረባ እዋን ብስርዓተ እምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓል ቅዱስ ማሕበር ከቕርብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝደንገግዎ ሕጊ፥ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ዓሚዩቕ እምነትን ሰብኣዊ ብስለትን ኣብ ሕይወት ማሕበረ ክርስቲያን ንጡፍ ሱታፌ ዘለዎምን ናይ ምንጋድን ልግስን ኣብ ሕይወት ማሕበራዊ ሕውነት ሱታፌ ዘለዎም ክኾኑን ብቅዱስ መጽሓፍን ብቲዮሎጊያ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብስነ ምምህርንናን ዝተሓነጹን ብዛዕባ ትምህርተ ክርስቶስ ተመክሮ ዘለዎን ምስ ካህናትን ዲያቆናትን ብተኣማንነት ሓቢሮም ዝዓዩን ብዉዕዉዕ መንፈስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተነቓቕሑ ክኾኑ ኣለዎም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ጽዋዒት የቕርቡ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ኣገልግሎት ተልእኾ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ክኡል ክኸውን ዝጠልቦ ዜድሊ ናይ ሕንጸት ኪደትን በዚ መሰረት ኣብዚ ተልእኾ እዚ ዝሳተፉ ዝኽተልዎ መምርሕን በቲ ዝተደንገገ ሕጊ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ዝኽተሎ ሕገ ቀኖና (ላቲናዊ ድዩ ምስራቓዊ) ብምኽባር ምስ እዚ ኣሳንዩ ከቕውም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 May 2021, 12:33