ፍራንቸስኮ፥ ቍጠባ ንሕዝቢ እዩ፥ ብዘይ ሕጊ ግና ምጽንጻን እዩ ዝኸውን

ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም እውን ኣብ መንጐ ፖለቲካን ቍጠባን ዘተ ክህሉን ፖለቲካዊ ቍጠባን ኣብ ኣገልግሎት ሕይወት ክውዕልን ኣለዎ ከምዝበልዎን ከምኡ እውን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ “መንግስታት ንቍጠባ ጊላ ዘይኮነ ቍጠባ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ክኸውን ዝድርኽ ኣገባብ ቍጠባ ከተኣታትዉ እዩ ዝግባእ”

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ማሕበር ናይ ወርሒ ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ.  ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዘርገሖን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት እቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ሰበ ስልጣናት ቍጠባ ነቶም ኣዚዮም ተነቐፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ንምዕቃብን ንምክልኻልን ምስ መንግስታት ብምትሕብባር ክዓዩ ንጸልይ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ስራሕ ዝፈጥር ጭቡጥ ኤኮኖሚ ኣብ ቅልውላው ብምዃኑ” ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ክስጐጉ ቍጠባዊ ዕዳጋታት ግና ከምዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምእንርእዮ ይኽዕበት እምበር ቅልውላው ዝተንከፎ ኣይመስልን”፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝሓረይዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ዓቢይ ቍጠባ ዓለም ካብ ናይ መብዛሕቲኡ ሕዝቢ ሕይወት ኣዚዩ ርሑቕ ይመስል ዝብል ሃሓሳብ ዘንበርሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ በቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ከምእተዘርገሔን፥ ቅዱስነቶም እቲ ቍጠባዊ ዓለም ካብ ምጽንጻን ተኣልዩ ንጭቡጥ ናይ ዜጋታት ሕይወት ግምት ዝህብ ክኸውን እንክላበዉ፥

ቍጠባ እንተድኣ ስርዓት ዘይተገበረሉ ብናይ ገንዘብ ፖለቲካ ዝምራሕ ተጻናጻኒ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፡ እዚ ኸኣ ሓደገይና እዩ፡ ድኻታት ተዓደይቲ መታን ከይኮኑ ቍጠባዊ ምጽንጻን - ግምታዊ ሓሳብ ቀጥዕን ስርዓትን ይገበረሉ፡ ምጽንጻን ዝብል ቃል ከስመርሉ እደሊ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሓደ’ኳ ዘይጥንጥን ኤኮኖሚ የድሊ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንወርሃ ግንቦት ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ለውጢ ከርክብ ዝኽእል መገዲ የመላኽቱ፡ ገንዘብ ንሰባት ንምግልጋልን ሓባራዊ ቤት ንምክንኻንን ዝሕግዝ መጋበርያ እዩ፥ ፍትሓውን ኵሉ ሓቋፍን ዘላቕን ንሓደ’ኳ ድሕሪት ዘይጥንጥን” ክኸውን ተማሕጺኖም፥

እዚ ሓሳብ’ዚ ንተግብሮ! ምእንቲ’ዚ ናይ ቍጠባ ኣመሓደርቲ ናይ ገንዘብ ዕዳጋ ንኽቆጻጸሩን ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ዜጋታት ንምክልኻል ምስ መንግስታት ክተሓባበሩ መታን ንጸልይ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ናይ ር.ሊ.ጳ. ለበዋን

ኣብ መላእ ዓለም ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽሰት ሓደ ዓመት ኣብ ዘቝጽረሉ ዘሎ እዋን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሳዕቤኑ ኣብ ኤኮኖምን ቁጠባን እውን ከይተረፈ ይርአይ ኣሎ፥ ኣብ ናይ ዓለም ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍርያት ዝስዓቦ ምንቍልቋል ካብቲ ኣብ ኣዋን ምዝዛም ካልኣይ ውግዕ ዓለም ካብ ዝተረእየ ኣዚዩ ዝኸፍኤን ብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንሓዋሩ ድዩ ንግዚኡ እውን ይኹን ብዘይ ስራሕ ዘትረፈን፡ መንግስታት እውን ነዚ ከቢድ ሓደጋ እዚ ንምብዳህ ዝገደደ ጒድኣት ምእንቲ ከየጋጥም ቢሊያናት ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ኤኮኖሚ ክዋፍሩ ተራእዩ እዩ።

ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤትን ናብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነዚ ሓሳብ እዚ ቅድም ኣቢሎም ከምዘዘኻኸሩን ኣስዒቦም እውን፥ “ብዙሓት ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዝርከቡ ካብ ቍጠባዊ ዓለም እተገሉ ኮይኖም ኣለዉ - ቢሎም - እዚ ኸኣ ዕዳጋታት በቲ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ብዝዓለመ መምርሕታት ክምራሕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዘመላኽተና። እዚ ንገዛእ ርእሱ ምጽንጻን ቍጠባ ንቍጠባ ጥራሕ ካብ ምዃን ተኣልዩ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንማሕበራዊ ሸቶታት ዝዓዪ ክኸውን ይግብኦ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም እውን ኣብ መንጐ ፖለቲካን ቍጠባን ዘተ ክህሉን ፖለቲካዊ ቍጠባን ኣብ ኣገልግሎት ሕይወት ክውዕልን ኣለዎ ከምዝበልዎን ከምኡ እውን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ “መንግስታት ንቍጠባ ጊላ ዘይኮነ ቍጠባ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ክኸውን ዝድርኽ ኣገባብ ቍጠባ ከተኣታትዉ እዩ ዝግባእ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ደጊሞም ኣብቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንወርሓ ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘቓልሕዎ የመላኽት።

ኣብ ፎርኖስ፥ ኣገባብ ቍጠባ ምክንኻን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ንወርሒ ግንቦት ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ነቲ እንነብሮ ዘሎና እዋናዊ ቅልውላውን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎን እናገደደ ዝኸይ ዘሎ ኢማዕርነት ግምት ዝሃበ ከምዝኾነ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ወርሒ ግንቦት ናይ ጸሎት ሓሳብ እንከቕርቡ ኣብሪሆም፥ እቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስቲ ኣብቲ ዓለም ንምፍዋስ ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ከምዘዘኻኽሩን ናብቲ ማዕረን ዘላቕን ዝኾነ ንዅሉ ዝሓቑፍ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሕይወት ንኸነብል ይምዕዱ። እቲ ዝበዝሐ ሃብቲ ዓለም ብውሑዳት ክውነን ዘስዕቦ ጸገም ንጽሩ ምዃኑ እውን የብርሁ ቢሎም፥ ነዚ ሓሳብ እዚ ብመንጽር ወንጌል ናይ ጸሎት ሓሳብ ገርና ምስ ኣገባብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኣገባብ ሕይወት ክህልወና ንጽልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

05 May 2021, 13:43