ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዕለት 16 ግንቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሮማ ንምእመናን ምያንማር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዕለት 16 ግንቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሮማ ንምእመናን ምያንማር 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዕለት 16 ግንቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሮማ ንምእመናን ምያንማር

ቢሎም፥ሎሚ እውን ደጊመ ብዓቢይ ሓዘን እቲ ኣብ ምያንማር ንብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያትን ጽባሕ ንሃገሮም ተስፋ ከስንቑ ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ እዝክርን ዓመጽ የብቅዕ እብል! ኣነ እውን ኣእዳወይ ሓፍ ኣቢለ ዘተ ክሰፍን እላበው

ኣብ ምያንማር ዘሎ ውጥረት ብዘተን ብዕርቅን ፍታሕ ክረክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ለበዋን እዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚያ ንልበይ ቀረባ ዝኾነት ኣብ ቢርማንያ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሓ ግንቦት በቢ መዓልቱ ኣብ ዝቐርብ ጸሎት መቑጸርያ ሓንቲ ጸሎት ሰላም ለኪ ምእንቲ ምያምናር ዝቐርብ ክኸውን ዝቐረበ ሓሳብ መሰረት፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጸገምን መከራን እንክንርከብ ናብ ኣደና ከምእንጥምት፡ ኣብዛ ወርሓ ማርያም እዚኣ፥ እታ ኣደ ሰማይ እቶም መራሕቲ ምያንማር ኣብ ናይ ምርኻብን ዕርቅን ሰላምን ጐዳና ንኸብሉ ተባዓት ኮይኖም ክርከቡ ልቢ ዅሎም መርሕቲ እታ ሃገር ትተንክፍ! ከምዝበሉ ይዝከር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቤተ ጳጳስ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ዕለት 3 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ዕርገት ኣብ እተብዕለሉ ሰንበት፡ ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ምእመናን ምእያንማር ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.00 ከዕርጉ ምዃኖም ከምዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጢ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማርያማዊ ወርሓ ግንቦት መዓልታዊ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ብስምረት ዝቐርብ ጸሎት መቑጸርያ ሓንቲ ሰላም ለኪ ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ምያንማር ክቐርብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ዘቕረበቶ ሓሳብ መሰረት ኩሉ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሕበር ዕለት 2 ግንቦት ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓለፋ ንዘተ

ካብ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ምያንማር ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ መንግስቲ ዓልዩ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድየበላ ዕለት ኣትሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከይተሓለሉ ደጋጊሞም ዘተን ሓገራዊ ዕርቂ ኣብ ምያንማር ክነግስ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ሕዝቢ ምያንማር ነቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ኣብ ኣደባባያት ብቐጻሊ ዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕፋን ሓይሊ ጸጥታ ምያንማር ዝወሰዶ ዘይመዓራረይ ስጉምቲ ዘስዓቦ ዓመጽን ማህሰይትን ሞትን እውን ከምዘሰክፎምን ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ብሰላማዊ መገዲ ድምጹ ከስምዕን መጋበርያ ሰላም ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እንክብሉ እውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 17 መጋቢት ቅዱስነቶም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊስም ምስ ኣብቅዑ፥ “ኣብ ልዕሊ ዓፈና ዘተ ኣብ ልዕሊ ዘይምስምማዕ ስኒት ክወርድን ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ ሕዝቢ ምያንማር ኣስተንፍሶ ትግቡር ክገብሮ ዝኽእል ዘድሊ ሓገዝ ከቕርብ እምሕጸን” ቢሎም፥ሎሚ እውን ደጊመ ብዓቢይ ሓዘን እቲ ኣብ ምያንማር ንብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያትን ጽባሕ ንሃገሮም ተስፋ ከስንቑ ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ እዝክርን ዓመጽ የብቅዕ እብል! ኣነ እውን ኣእዳወይ ሓፍ ኣቢለ ዘተ ክሰፍን እላበው፡ ምፍሳስ ደም ዝፈትሖ ነገር የልቦን፡ ዘተ ይተዓወት! ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመርሉ የዘኻኽር።

መንእሰያት ምንያንማርን ኣብ ሰላማዊ መጻኢ ተስፋታቱን

ዕለት 3 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡሕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊስም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ምያንማር በቲ ተኽሲቱ ዘሎ ኣድማይ ግጭት ክሳብ ናይ ሰብ ሕይወት የጥፍእ ምህላዉ ዘሕዝን ዜና ይስማዕ ከምዘሎን እቶም ኣብቲ ጉዳይ ሓላፍነት ዘለዎም ሰበ ስልጣናት ኣብ ልዕሊ ጸቕጢ ዘተ ኣብ ልዕሊ ዘይምስምማዕ ስኒት ንኽዕብልል ኣቃልቦ ክገብሩ ጻውዒት አቕርብ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ናይ ሕዝቢ ምያንማር ኣስተንፍሶ ብዓመጽ መታን ከይተዓናቐፍ ኣብዚ መዳይ ክዓዪ እምሕጸን፡ ንመንእሰያት ደቃ እታ ፍቕርቲ ሃገር ጽልእን ኢፍትሓውነትን ንምርኻብን ዕርቅን ቦታ ዝሓድገሉ መጻኢ ዘማዕድው ተስፋ ክይንፈጐም እላበው፡ ኣብ መወዳእታ ደጊመ ከምቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዝተበገሰ ናብ ደሞክራሲ ዝግበር ጉዕዞ እቶም ዝተኣስሩ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናጻ ብምልቓቕ ብጭቡጥ ወስታ ዳግም ክቕጽል እላበው፡ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰንበት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን ንመላእ ዓለም ሓዋርያዊ ቡራኬ እንክህቡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንመንእሰያት ምያንማር ቅርበቶም ገሊጾም ብሰላማዊ መገዲ ድምጾም ብምስማዕ ጽልእ ብፍቕሪ ጥራሕ ዝእለይ ምዃኑ ብምምስካር ኣብ ህንጸት ደሞክራሲ ክተግሁን ሓደራ ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ጻውዒት ንሓደ ስኑይ ደሞክራሲያዊ ምሕበራዊ ሕይወት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ተነቃፊ ህሞትን ዕለት 1 ለካቲት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚትን መራሒትን ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ከምእተኣሰራን ብሓፈሻዉ እቲ ኣብታ ኣብ 2017 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱላ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፥ኣብዚ ስንኩፍ ህሞት’ዚ ንህዝቢ ምያንማር መንፈሳዊ ቅርበተይን ጸሎትይን ድጋፈይን እገልጽ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ንስኑይ ደሞክራውሲያዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ሓባር ረብሓ ብምግልጋል ንማሕበራዊ ፍትሕን ንሃገራዊ ምርግጋእን ብቕኑዕ ቅሩብነት ክዓዩ እጽልይ፡ ከምዝበሉን ዕለት 8 ለካቲት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ለበዳ ኮቪድ 19 ከይኣክል ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ፖሎቲካዊ ቅልውላው እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎን፥ ንኣብነት ኣብ ምያንማር ዝተኸስተ ዕልዋ መንግስቲ እዝክር፡ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ቅርበተይ ነቲ ዝሳቀ ሕዝቢ እገልጽ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ እዋናዊ ቅልውላው እቲ ኣብዘን ዝሓለፈ ዓመታት ንዝተበገሰ ዲሞክራስያዊ ጒዕዞ የሰናኽል ኣሎ። ነቶም ተኣሲሮም ዘለው ፖሎቲካውያን መራሕንቲ ናጻ ክልቐቑን ስለሰናይ እታ ሃገር ንዅሉ ዝውክል ዘተ ክብገስ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹን፡ የዘኻኽር።

04 May 2021, 16:04