ምስ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ እናተጠማመትካ ዝግበር ኣስተንትኖ መንገድኻ የብርሆ! ር.ሊ.ጳ

‘ኦ እግዚኣብሔር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። . . . ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ . . . እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። … ኦ እግዚኣብሔር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።’ (መዝ 8,2.4-6.10)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ እውን ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርናዮ ኣስተምህሮ ክንቅጽል ኢና ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ኣስተንትኖ ማለት ሰቂለ ሕልና ክንምልከት ምፈቶኹ። እቲ ገና ኣብ ምሉእ ሰቂለ ሕልና ዘይበጽሐ ባህርይ ዝምባሌ ኣስተንትኖ ወዲሰብ ከም ጨው ሕይወት ኰይኑ መቀረት ዝህብ ምናዳ ንዕለታዊ ሕይወቱ ዘስተማቅረሉ እዩ ክንብል ንኽእል። ኣብ ወጋሕታ ንእትበርቅ ፀሓይ እናተመልከትካ  ወይውን ኣብ ጸደይ ቈጽለን ዝመልሳ ኣታኽልቲ እንተመልከትካ ክተስተንትን ይከኣል። ከምኡ እውን ጥዑም ሙዚቃ ወይውን ዝዝምራ ኣዕዋፍ እናሰማዕካን እናተማቀርካን ወይውን ሓደ መጽሓፍ እናንበብካ ክተስተንትን ይከኣል። ብብዙሕ መንገዲ ክነስተንትን ንኽእል። ውጽኢት ሥነ ጥበብ ዝኾነ ጽቡቅ ሥራሕ ወይውን ገጽ ዝከማኻ ሰብ እናጠመትካ ከተስትን ይከኣል። ነፍሰኄር ካርዲና ማርያ ማርቲኒ ከም ኣቡን ናብ ሚላኖ ምስ ተላእኩ ቀዳመይቲ ሓዋርያዊት መልእኽቱ ‘ክፍሊ ኣስተንትኖ ሕይወት’ ብዝብል ኣርእስቲ ጽሒፎም ነበሩ። ከም ሓቁ ከኣ ኣብ ከም በዓል ሚላኖ ዚኣመሰሉ ዓበይትን ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦን ከተማ ማለት ኩሉ ኣፍኣዊ ዝኾነ ቃል ዓለም ዝመልኦ ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዕዳጋ ንምዕማር ኣብ ዝግበር ገልታዕታዕ ሕይወት ኣስተንትኖ ክዝንጋዕ ቀሊል እዩ። ኣስተንትኖ ቅድምያ ሂብካ እትሰርሖ ጉዳይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሃዲእካ ክትነብሮ ዘሎካ እዩ። ዘስተንትን ሰብ ምዃን የደሊ።

ኣስተንታኒ ንምዃን ኣዕይንቲ ኣይኮነን ዘድሊ እንታይ ደአ ልቢ ኮይኑ ብልቢ እዩ ዝፍጸም። ኣብዚኸስ ጸሎት ከም ናይ እምነት ሥራሕን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ኮይኑ ምስ እግዚአብሔር ንዘሎና ርክብ ከም ምስትንፋስ ኰይኑ ግደኡ የበርክት። ጸሎት ቅድሚ ዝኣገረ ንልብና የንጽሕ። ምስ እዚ ከኣ ጠመተናን ኣራኣእያንን የጽሪ እሞ ንኩነታት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ከም እንርእዮምን ከም እንግንዘቦምን ይገብረና። ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቊ.2715 ነዚ ብጸሎት ዝርከብ ለውጢ ልቢ ነታ ህብብቲ ጥቅሲ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያነይ ቆሞስ ኣር ብምጥቃስ ‘ሰቂለኅሊና፣ ኣብ ኢየሱስ ዘተኰረ ናይ እምነት ጠመተ እዩ። “ኣነ ነኣኡ እጥምት፤ ንሱ ድማ ነኣይ ይጥምት”፤ እዚ ብሂል’ዚ ሓደ መንም ናይ ኣርስ (ፈረንሳ) ተራ ምእመን፤ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ብዛዕባ ዚገብሮ ጸሎቱ ዘኪሩ፤ ነቲ ቅዱስ ቆሞሱ ዝነገሮ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ዚግበር ኣተኵሮ፤ በቲ ሓደ ርእሰ ምናኔ’ውን እዩ። ጠመተኡ ንልባትና የንጽሖ። ካብ ናይ ኢየሱስ ገጽን ኣተናን ዚወጽእ ብርሃን ንኣዕይንቲ-ልብና ኣብሪሁ፤ ንኹሉ ነገር ብብርሃን-ሓቁን፤ ንዅሎም ደቅሰብ ብዘለዎ ፍቕሩን ምሕረቱን፤ ክንጥምቶ የኽእለና። ሰቂለኅሊና ጠመተኡ ናብ ምሥጢራት ሕይወት-ክርስቶስ’ውን የዝውሮ እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ፤ ብዝበለጸ ንምፍቃሩን፤ ንምኽታሉን ዘኽእሎ “ውሽጣዊ(መንፈሳዊ)

ፍልጠት-ጐይታ” ይመሃር’ እንክብል ይገልጾ። ኩሉ ካብቲ ጠመተ ፍቅሪ ዝቅበል ልቢ እዩ ዝውለድ። በዚ ከምዚኸስ ነገራትን ኩነታትን እንክተስተንትን ብፍሉይ ኣዕይንቲ እዩ።

‘ኣነ ንኣኡ እጥምት ንሱ ኸኣ ንኣይ ይጥመት’! እቲ ዝኸውንከስ እዚ እዩ። ኣብቲ ዝለዓለ ቅርበትን ዕምቈትን እተስተማቅረሉ ፍቅሪ ዝመልኦ ኣስተንትኖ ሰቂለ ሕልና ብዝሒ ዘረባን ቃላትን ኣየገልግልን ጠመተ ጥራይ እኹል እዩ። ሕይወትና ብዝዓበየረ ፍቅሪ ተኸቢባ ከምዘላን ካብኡ ማንም ክፈልየና ዘይክእል እሙን ፍቅሪ ዓሲሉና ከምዘሎን እንተተሰቊሩና እኹል እዩ።

ናይዚ ጠመተ እዚ ዓቢ መምህርና ኢየሱስ እዩ። ኣብ ምሉእ ምድራዊ ሕይወቱ ካብቲ ወትሩ ዘይሰኣን ፈተነታት ካብ ምውዳቅን ምዕናውን ንምድሓንን ንጽባቄኡ ብንጽሕና ንምሕላውን እትሕግዞ ፍቅሪ ዝመልኦ ውህደት ምስ ኣቦኡ ንኽገብር ግዜስ ይኹን ቦታ ከምኡ እውን ጽሞና ፈጺሙ ኣይሰኣነን። እቲ ምሥጢርከስ ወትሩ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ምርኻብ ነበረ።

ንኣብነት ንኩነት ለውጢ ደብረ ታቦር ንመልከት። ወንጌላውያን ኩሎም ብዛዕባ እዚ ኣብ ተልእኮ ኢየሱስ ወሳኒ ዝኾነ ፍጻሜ ብሓደ ቃል ይዛረቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተቃውሞን ክሕደትን ምጭንናቅን ይዕብልል ነበረ። ካብ ተኸተልቱ እውን ብዙሓት ይርድእዎ ኣይነበሩን ገዲፎሞ እውን ይኸዱ ነበሩ። ዝገደደ ከኣ ሓደ ካብቶም እሙናት ዓሠርተ ክልተ ናይ ክሕደት ማእለማ ይፈትል ነበረ። ኢየሱስ ብጋህዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝጽበዮ ዘሎን ክቅበሎ ዘለዎን ስቃይን ሞትን ይዛረብ። ኣብዚ ግዜ ነበረ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ሒዙ ናብ እምባ ታቦር ዝድይብ። ማርቆስ ወንጌላዊ ነዚ ፍጻሜ እንከዘንቱ 9,2-3 ‘ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ ኢየሱስ ይዛራረቡ ነበሩ’ እንክብል ይገልጾ። ኣብዛ ሁመት እዚኣ ከኣ እዩ ኢየሱስ ብዙሓት ዘይርድእዎ ዝነበሩ። ስለዘይርድእዎ ጠንጢኖም ይኸዱ ነበሩ። ብዙሓት ይርድእዎ ኣይንበሩን። ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ዝፈሸለን ዝተደናገረን ክፉእ ክሓስብን ኣብ ዝጀመረሉ ንሱ ብመለኮታዊ ብርሃን ይደምቅ። እዛ ብርሃን እዚኣ ብርሃን ፍቅሪ ሰማያዊ ኣቦኡ ኰይን ንልቢ ወልደ እግዚአብሔር ይመልእ መላእ ሰውነቱ ከኣ ብብርሃን ከምዘንጸባርቅ ይገብር።

ገሊኦም መማህራን መንፈሳውነት ናይ ዝሓለፉ ዘመናት ንሰቂለ ሕልናዊ ኣስተንትኖ ምንም ከይሰራሕካ ዝንበር ኩነት ገሮም ብምውሳድ ምስ ሥራሕ ብምንጽጻር ነቶም ካብ ዓለም ብምህዳም ዝግበሩ ሕይወት ብሕትውናን ምናኔን ይንእንዱ እሞ ካብ ኩሉ ሃዲምካ ካብ ጸገማቱ እውን ብምህዳም ብምልኣት ንጸሎት ምውፋይ ኢሎም ይገልጽዎ ነበሩ። እንተኾነ ከም ሓቁ ኢየሱስ ብኣካሉን ኣብ ወንጌሉን ኣብ መንጎ ሥራሕን ኣስተንትኖን ምንም ተቃርኖ ኣየርኣየን። ኣብ ምሉእ ወንጌል ነዚ ተቃርኖ እዚ ኣይንረኽቦን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምናልባት ካብቶም ንዮፕላቶኒዝም ዝበሃል ፍልስፍና ዝኽተሉ ዝተኣታተወ ደኣ ይኸውን እምበር ንተግባርን ኣስተንትኖን ኣብ ክልተ ዝገምዕ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኣይኮነን።   

ኣብ ወንጌል እንረኽባ እንኮ ዓባይ ጸዋዕታ እያ ዘላ ንሳ ኸኣ ንክርስቶስ ብፍቅሪ መንገዲ ምስዓብ እያ። ዝለዓለ ጥርዝን ማእከል ኩሉን ከኣ እዚኣ እያ። በዚ ከምዚኸስ ፍቅርን ኣስተንትኖን ተመሳሰልቲ እየን ዳርጋ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ እየን ዝብለወን ዓብይቲ መማህራን ኣለው። ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ‘ንቤተክርስትያን ካብ ኩሉ እቲ ጠቃሚ እዩ ኢላ እትገብሮ ሥርሓት ደማሚርካ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ዝዓበየ ጥቅሚ ኣለዎ’ ይብል ነበረ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ኣነነትን ረኣዩለይን ስምዑለይን ዝበዝሖ ብዙሕ ተግባራት ሓንቲ ብትሕትና ዝነጽሐትን ጸሎት ይውለድ። ሽሕ’ኳ እዛ ጸሎት እዚኣ ብሱቊታ ትግበር እንተኾነት ሓደ ክርስትያን ክፍጽማ ዘለዋ ዓባይ ተኣምራት ግን ንሳ እያ። መንገዲ ጸሎት ኣስተንትኖ ሰቂለ ሕልናኸስ እዚኣ እያ። ጠመተ! ኣነ ንኣኡ እጥምት ንሱ ኸኣ ንኣይ ይጥምት! እዚ ብጸጥታ ምስ ኢየሱስ ብሱቅታ ዝግበር ዘተ ንቤተ ክርስትያን ዓቢ ሓገዝ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 May 2021, 01:26
ንኩሉ ኣንብብ >