ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ንክትርድኦ ጽንኩር ንክትነብሮ መሠረታዊ ውህደት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት በዓለ ቅድስት ሥላሴ እተኽብረሉ ዕለት ብምንባሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 30 ግንቦት 2021 ዓም ምስቶም ድሕሪ ካልኣይ ለበዳ ኮቪድ 19 በብቊሩብ ንቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ እናመልኡ ዝመጹ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘እግዚአብሔር ውህደት እዩ። እዚ ሓድነት እዚ ንክርስትያን መሠረታዊ እዩ። እዚ ሓድነት እዚ ዝምባሌ ወይውን ሃረርታ ዘይኮነ ካብ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔርን ኣብ ልባት አመንቲ መንፈስ ቅዱስ ብምህላውን እዩ ዝውለድ’ እንክብሉ ንበዓለ ቅዳሴ ሥላሴ ዝምልከት ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ንዕለቱ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ ኩሉ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴን መንፈስ ቅዱስን ግልጸት እግዚአብሔርን ዝገልጽ ኰይኑ ብግልጺ ብዛዕባ ሠለስተ ኣካላት ቅድስት ሥላሴ ዝገልጽ ኣብ ማቴ 28.16 ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ከምቲ ነተን ናብ መቃብሩ ኣንጊሀን ዝኸዳ ሕያዎት ኣንስቲ ዝበሎ ብዓሠርተ ሓዲኦም ናብ እምባ ገሊላ ከዱ። ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ምስ ረኸብዎን ምስ ረአይዎን እቲ ፍርህን ረዓድን ገና ስለዘይወጸሎም ክጠራጠሩን ክወላወሉን እኳ እንተጀመሩ ብፍርሃት ከምዝሰገዱሉ ይገልጽ እሞ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናብኦም ቀሪቡ ድሕሪ ኣዘራሪብዎም ከምዚ ክብል ንጹር ትእዛዝ ከምዝሃቦም ይትርኽ።  ‘ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ’ እንበለ ከኣ ወትሩ ምሳኦም ከምዝኾነ የረጋግጸሎም። ከምኡ እውን እቲ ንሕና ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ከም ምሥማክ ናይ በዓሉ እንጥቀሞ ‘ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእስትንፋሰ ኣፉሁ ኩሉ ኀይሎሙ’ ዝብል መዝ.32 ይኹን ናይ ዕለቱ ካልአይ ንባብ ‘ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና’ ዝብል ካብ ሮሜ 8.16 ዝተወስደ ኩሉ ብዛዕባ እቶም ፈጠርትናን ሓለውትናን ዝኾኑ ቅድስት ሥላሴ ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ኣምላኽ ብምብጋስ ‘ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ምሥጢረ ኣሓዱ እግዚአብሔር እዩ። እዚ እንኮ እግዚአብሔር ኣብ ሠለስተ ኣክላት ኣሎ። ንሶም ከኣ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝበሃሉ ሠለስተ ኣካላት እዮም። እንተኾነ እግዚአብሔር ሓደ እዩ` እንክብሉ እምነትን ትምህርትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣነጺሮም።

“እግዚአብሔር አብ ኣምላኽ እዩ! እግዚአብሔር ወልድ አምላኽ እዩ! እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እውን አምላኽ እዩ! እንተኾነ ሠለስተ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሠለስተ ኣካላት እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ተገሊጹልና። ዝተገልጸልና መልኮታዊ ትምህርቲ ስለዝኾነ ከኣ ኢና ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ እንብሎ። ሎሚኸስ ነዚ ምሥጢር ኣዚ ክነብዕል ኢና ተጋቢእና ዘሎና። እዚ ምሥጢር እዚ ዓሚቚ እዩ። እዞም ሠለስተ ኣካላት እዚኦም እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝተፈልየ ኰይኖም በብአካሎም ዘሎው እዮም እምበር ከምቲ ሓደ ግጉይ ፍላስፋ ዝብለ ሠለስተ መግለጺ ናይ ሓደ ኣካል ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኣብ ኣሎ ነዚ ከኣ ከምቲ ጐይታ ዝመሃሮ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና’ ኢለ እልምኖ። ድሕነት ዝሃበኒ እግዚአብሔር ወልድ እውን ኣሎ። ዘጽድቀናን ኣብ ውሽጥናን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን ዝነብር እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እውን ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ንክንረኽቦ ኣብ ውሽጢ ልብና ይዛረብ እዚ ዝኾነሉ ከኣ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ማለት ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ‘እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ’ እንክብል ንዝገልጾ ምሥጢር ይሰዂዓልና። እግዚአብሔር አብ ፍቅሪ እዩ! እግዚአብሔር ወልድ እውን ፍቅሪ እዩ! እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እውን ፍቅሪ እዩ። እዚ ፍቅሪ ቅድሥት ሥላሴ ከኣ ምንጪ ሓድነት ኰይኑ ኣብ መንጐና ሓድነት ንክንነንግሥ ይሕግዘና ኢሎም።”

ሕይወት ቅድሥት ሥላሴን ኣብ መንጎና ክህሉ ዘለዎ ሓድነትን!

ቅዱስነቶም ኣብታ ቅዱስ ዮሓንስ ዝገለጸልና ‘እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ’ እትብል ምልስ ይብሉ እሞ ኣብ ፍቅሪ እሞ ከኣ ፍጹም ፍቅሪ እግዚአብሔር ምንም ዓይነት ጒድለትን ተነጽሎን ኣይርከብን ከመይ ፍቅሪ ፍቅሪ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ቅድሥት ሥላሴ እንክብል ፍጹም ውህደትን ሓድነትን ኣብ መንጎ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዩ። መሠረታዊ ትርጉም ፍቅሪ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ብፍጹም ንካልኦት ምውፋይ እዩ። እቲ ካብዚ ውህደትን ሓድነትን ቅድሥት ሥላሴ ዝምንጩ ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ኣብን ወልድን ዘሎ ፍጹም ውህደት መንፈስ ቅዱስ እዩ።  እዚ ክትርድኦ ቀሊል ኣይኮነን እታ እንኮ ክትግበር ትከኣል ነዛ ፍቅሪ እዚኣ ነዛ ውህደት እዚኣ ምንባራ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ነዛ ዓባይ ምሥጢር እዚኣ ይገልጸልና። ንእግዚአብሔር ኣቦ የርእየና። ከመይ ንኣኡ ዝረኣየ ንኣቦ ዝረኣየ እዩ። ንሱ እውነተኛ ሰብን እውነተኛ ኣምላኽን ብምዃን ሥጋ ለቢሱ ከማና ሰብ ኰይኑ ንእግዚብሔ አብ እንኮ ወዱን ቃሉን ምዃኑ አርእዩና ገሊጹልና። እቲ መጸናንዒናን ጠበቃናን ንክኸውን ናባ ዝሰደዶ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንኩሉ ብፍጹም ኣብ ልብና ከምዝሓድር ገበሮ። ነዚ ግልጸት እዚ ንዝተዓደሎም ሓዋርያቱ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ብምኻድ ንኩሎም ከጠምቁ ይልእኾም።

“ሎሚ እንዝክሮ ክብረ በዓልከስ ነዚ ዘደንቅ ምሥጢረ ፍቅርን ምሥጢረ ብርሃንን ዘመንጭወልና ምሥጢረ ቅዱስ ሥላሴ ክነስተንትን ይዕድመና። ኣብዚ ምድሪ እዚ ምንጪ ህላዌ ንሶም ስለዝኾኑ ከኣ ኣብ ጒዕዞና በቲ ፍቅሮም ክንምራሕ ንዕደም። ኣብ ስብከተ ወንጌልስ ይኹን ኣብ ካልእ ዝኾነ ተልእኮ ክርስትና እንክንዋፈር ካብዛ ኢየሱስ ንውህደትን ሓድነትን ቅድሥት ሥላሴ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ክንክተል ሓደራ ዝብለና ፈልከት ክንብል የብልናን። ኣብ መንጎ እዞም ብብዙሕ በበይኑ ባህርያት ዘሎኸስ እዛ ጽባቄን ጣዕምን ወንጌልን ስብከቱን እትገልጽ ሓድነት እዚኣ ክትንበርን ኣብ መንጎና ብዘሎ ስምምዕን ውህደትን ክትምስከርን ኣለዋ። ክርስትያን ንዘበለ ኩሉ ከኣ እዛ ሓድነት እዚኣ መሠረታዊትን ኣድላዪትን እያ ክብል እደፍር። ንቃል ዓለም ዝበሃል ኣይኮነን። ብሓቂ ክንበር ዘለዎ እዩ። ብዘይካኡ መሠረት የለ ትርጉም የለ! እዛ ሓድነት እዚኣ መሠረትን ትርጉምን እትኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔርን መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ኣቦን ካብ ጽድቂ ኢየሱስ ክርስቶስን ተስፋ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ልባትና ስለ እትውለድ እዩ ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምድጋሞም ‘እታ ንጽባቄ ሓድነትን ሥላሴን እግዚአብሔር ወትሩ ክተስተንትን ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ብመንፈስን ሓቅን አምልኽቲ እግዚአብሔርን ኣገልገልቲ ኣሕዋትን ንክንከውን ትደግፈና’ ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

31 May 2021, 13:12

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >