ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ንክትርድኦ ጽንኩር ንክትነብሮ መሠረታዊ ውህደት እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ንዕለቱ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ ኩሉ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴን መንፈስ ቅዱስን ግልጸት እግዚአብሔርን ዝገልጽ ኰይኑ ብግልጺ ብዛዕባ ሠለስተ ኣካላት ቅድስት ሥላሴ ዝገልጽ ኣብ ማቴ 28.16 ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ከምቲ ነተን ናብ መቃብሩ ኣንጊሀን ዝኸዳ ሕያዎት ኣንስቲ ዝበሎ ብዓሠርተ ሓዲኦም ናብ እምባ ገሊላ ከዱ። ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ምስ ረኸብዎን ምስ ረአይዎን እቲ ፍርህን ረዓድን ገና ስለዘይወጸሎም ክጠራጠሩን ክወላወሉን እኳ እንተጀመሩ ብፍርሃት ከምዝሰገዱሉ ይገልጽ እሞ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናብኦም ቀሪቡ ድሕሪ ኣዘራሪብዎም ከምዚ ክብል ንጹር ትእዛዝ ከምዝሃቦም ይትርኽ። ‘ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ’ እንበለ ከኣ ወትሩ ምሳኦም ከምዝኾነ የረጋግጸሎም። ከምኡ እውን እቲ ንሕና ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ከም ምሥማክ ናይ በዓሉ እንጥቀሞ ‘ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእስትንፋሰ ኣፉሁ ኩሉ ኀይሎሙ’ ዝብል መዝ.32 ይኹን ናይ ዕለቱ ካልአይ ንባብ ‘ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና’ ዝብል ካብ ሮሜ 8.16 ዝተወስደ ኩሉ ብዛዕባ እቶም ፈጠርትናን ሓለውትናን ዝኾኑ ቅድስት ሥላሴ ዝገልጽ ነበረ።
ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ኣምላኽ ብምብጋስ ‘ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ምሥጢረ ኣሓዱ እግዚአብሔር እዩ። እዚ እንኮ እግዚአብሔር ኣብ ሠለስተ ኣክላት ኣሎ። ንሶም ከኣ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝበሃሉ ሠለስተ ኣካላት እዮም። እንተኾነ እግዚአብሔር ሓደ እዩ` እንክብሉ እምነትን ትምህርትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣነጺሮም።
ሕይወት ቅድሥት ሥላሴን ኣብ መንጎና ክህሉ ዘለዎ ሓድነትን!
ቅዱስነቶም ኣብታ ቅዱስ ዮሓንስ ዝገለጸልና ‘እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ’ እትብል ምልስ ይብሉ እሞ ኣብ ፍቅሪ እሞ ከኣ ፍጹም ፍቅሪ እግዚአብሔር ምንም ዓይነት ጒድለትን ተነጽሎን ኣይርከብን ከመይ ፍቅሪ ፍቅሪ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ቅድሥት ሥላሴ እንክብል ፍጹም ውህደትን ሓድነትን ኣብ መንጎ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዩ። መሠረታዊ ትርጉም ፍቅሪ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ብፍጹም ንካልኦት ምውፋይ እዩ። እቲ ካብዚ ውህደትን ሓድነትን ቅድሥት ሥላሴ ዝምንጩ ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ኣብን ወልድን ዘሎ ፍጹም ውህደት መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ክትርድኦ ቀሊል ኣይኮነን እታ እንኮ ክትግበር ትከኣል ነዛ ፍቅሪ እዚኣ ነዛ ውህደት እዚኣ ምንባራ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ነዛ ዓባይ ምሥጢር እዚኣ ይገልጸልና። ንእግዚአብሔር ኣቦ የርእየና። ከመይ ንኣኡ ዝረኣየ ንኣቦ ዝረኣየ እዩ። ንሱ እውነተኛ ሰብን እውነተኛ ኣምላኽን ብምዃን ሥጋ ለቢሱ ከማና ሰብ ኰይኑ ንእግዚብሔ አብ እንኮ ወዱን ቃሉን ምዃኑ አርእዩና ገሊጹልና። እቲ መጸናንዒናን ጠበቃናን ንክኸውን ናባ ዝሰደዶ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንኩሉ ብፍጹም ኣብ ልብና ከምዝሓድር ገበሮ። ነዚ ግልጸት እዚ ንዝተዓደሎም ሓዋርያቱ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ብምኻድ ንኩሎም ከጠምቁ ይልእኾም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምድጋሞም ‘እታ ንጽባቄ ሓድነትን ሥላሴን እግዚአብሔር ወትሩ ክተስተንትን ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ብመንፈስን ሓቅን አምልኽቲ እግዚአብሔርን ኣገልገልቲ ኣሕዋትን ንክንከውን ትደግፈና’ ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።