ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ውልደት መጻኢ የሎን፡ ስድራ ቤት ከም ብሓድሽ ምስ ዝብገሱ ኵሉ ይስስን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ናይ ኢጣልያ መራሔ መንግስቲ ማርዮ ድራጊ ነቲ ጉባኤ ማሕበራት ኣባይቲ ስድራ ዘዳለዎ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ገምጋም ውልደት ሓባሪ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ብዘስምዕዎ መደረ ከምዘበገሱን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ደቀንስትዮ ንኽወልዳ ዘየተባብዕ ህልው ኵነታት ስራሕን ነፍስ ጹር እንተኾና ከኣ ከምዝጸነሳ ከይፍለጥ ከብደን ክሓብኣ ክግደዳ ዝግብር ኮይኑ ምርኣይ ዘሕፍር እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ስራሕ ዕድል ናይ ምፍጣር ብቕዓት ክጠፍእ እንከሎ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብሰንኪ ኣቲ ንዕብየት ቆልዑ ዝድግፍ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ዋሕዲ ውልደት ዘስዕብ ከምዝኾነ ዘብርሁ ቅዱስነቶም፡ ኣገዳስነት ሓድነት ገምጋም ውልደት ምምሕያሽን ንስድራ ቤት ምዕቃብን ከምኡ እውን ንውሉድ ወለዶ ዘላቒ ሓገዝ ምቕራብ ከምዘድሊ ከመላኽቱ እንከለዉ፡ ኣብዚ ዕለት 14 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ሃገረ ቫቲካን ጐደና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኵነታት ውልደት ኣብ ኢጣሊያ ብሰፊሕ ገምጋም ኣብ ዘቕረበ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መግንስቲ ማሪዮ ድራጊ ተረኺቦም፡ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ሕዝቢ ንምድህሳስ ዝዓለመ ዓውደ ጉባኤ ኣገዳስነቱ ኣመላኺቶም፡ ኣብ ኣባይቲ ስድራ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ክገሉሕ ገይርዎ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ስነ ሕዝቢ ሊቃውንትን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ከምእተሳተፉን ኢጣሊያ፥ ካብ ሕይወትን ሰብን ክትብገስ ከምዘለዋ እውን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምእተላበዉ ኣፍሊጡ።
መንእሰያትን ውልደትን
እቲ ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዚሒ መንእሰይ ኣብ ሕይወቱ ክሳብ ክልተ ቆልዑ ክወለዱ ቢሉ ዝኣምን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ሓደ እውን ክወልዱ ዘይኽእሉ ምዃኖም ዝኣምን እዩ፡ እዚ ጉዳይ እዚ እዩ እቲ ክቕየር ዘለዎ ፡ ኢጥልያ ካብ ሕይወትን ሰብኣውነትን እያ ዳግም ክትብገስ ዘለዋ፡ እታ ኣረጊት ክፍለ ዓለም ተባሂላ እትግለጽ ብምኽንያት እቲ ግርማዊ ታሪኻ ዘይኮነ ብምኽንያት እርጋና እዩ፡ እዚ እውን ዝተሓተ ቝጽሪ ሕርሲ ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ሓቢሮም፥
ወለዲ ኣብ መንጐ ቤትን ስራሕን እተኸፋፈሉ፥ ጽግዕተይና ሕገስ ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ምዃን
ህልው ኩነታት ኣባይቲ ስድራ እናሓሰቡ፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ስድራ ቤት - ወለዲ “ዝነብሩላ ቤቶም ቤት ዕዮን ቤት ትምህርትን ክትከውን ኣብ ምግባር ተገዲዶምን ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፍጽምዎ ዕዮ ኵሉ ብምፍጻም እውን መምሃራንን ናይ መርበብ ሓበሬታ ክኢላታትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቃውንቲ ክሳብ ምዃን ተገዲዶምን እቲ ደቃቶም ካብ ቤት ወጻኢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝረኽብዎ ኵሉ ኣብ ምቕራብ ተዋፊሮም ከም ተራ ሰብ ዝፍጽምዎ ናይ ስራሕ ግዜ ክብ ከምዝበለን ኣብዚ እውን ናይቶም ናይ ስድራ ቤት ናይ ሕይወት ጀላቡ ዝኾኑ ኣቦሓጐታትን እነሓጐታትን መስዋዕቲ ዝርሳዕ ኣይኮነን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ደቀንስትዮ ምእንቲ ስራሕ ክረኽባ ንኸይወልዳ ዘተባብዕ ዘሕዝን ኵነት
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘቕረብዎ ነዊሕ ኵነታት ስድራ ቤትን ወለድን ውልደትን ናይ ስራሕ ዓለምን ቁጠባ ብሓፈሻኡ መጻኢ ሕብረተሰብ ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘበለ ኣነባብራ ብዕምቆት ዝድህስስ ትንታነ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ካብ ስራሕ ከይስጐጋ ነፍሰ ጹር ምዃነን ከይፍለጣ ነፍሰ ጹር ምዃነን ክሓብኣ ዝርአይ ዘሎ ዘሕዝንን ዘጒህይን ጉዳይ እዩ፥ እተን ክሓፍራ ዘለወን እተን ነፍስ ጹር ዝኾነ ዘይኮነ ሕብረተሰብና እዩ ክሓፍር ዘለዎ” ምኽንያቱ “ሕይወት ዘይቕበል ሕብረትሰብ ምንባር እዩ ዘቋርጽ”፡ . . . ውልደት ዘተባብዕ ባህሊ ብዅለ መዳይ ምትብባዕ ከምዘድሊ ምዒዶም፥ “ስድራ ቤት ኣብዚ እዋን’ዚ ማእከል እንተ ዘይኮነ መጻኢ ኣይክህሉን እዩ፡ ስድራ ቤት እንተደኣ ከም ብሓድሽ ተበጊሱ ኵሉ ነገር እዩ ዝስስ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕይወት፥ ውህበት እዩ
ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቀዝሒ ውልደት ንምልቓቕ ዘኽእል መገዲ ቅዱስነቶም እንከብርሁ፥ ብፍላይ ውህበት ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም፥ ሕይወት ውህበት እዩ፥ ስለዚ ንገዛእ ርእሱ ሕይወት ክህብ ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን፡ ጸጋ እዩ፡ እትቕበሎ ህያብ ፍርያም ዝኸው ምስ እተመሓላልፎ እዩ፡ ። . . ስለዚህ ሕይወት ከም ህያብ መጠን እነመሓላልፎ ኣብ ውልደት እዩ፡ እቲ እርጋን ሕዝቢ ዘስዕብ ጉዳይ ኵሉ ብኣይ ይጅምር ኣባይ ከኣ ይዛዘም ዝብል ኣመለኻኽታ እዩ፡ እዚ እውን ኣብተን ኣዚየን ዝማዕበላ ሃገራት ዝርኣይ ዘሎ ዘሕዝን - ሓቂ እዩ፡ ሕይወት ናይ ምትሕልላፍ ትብዓት ዳግም ምርካብ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ሕድሕዳዊ ምትሕብባር ክህሉ ዝሓትት ጉዳይ እዩ፡ . . . ዕጹው ካብ ምዃን ክፉት ምዃን ዝተቐበልካዮ ኣብ ምክፋል እዩ ሃብታ ዘኽወን፡ . . . ናብ ሓድሽነት ክፉት ምዃን የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ዘላቕነት ወለዶ
እቲ ካልኣይ መፍትሕ እውን ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ቀዋሚ ምዃን ዝብል እዩ፡ ቀዋምነት ቝጠባን እደ ጥበባውን ከባብያውን ጉዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ “ወለዶ ዝምልከት እውን እዩ” . . . ናይ እንነብረሉ ዓለም ጭቡጥ ማሕበራውን ሰብኣውን ቁጠባውን ስእሊ እቲ ንሓድሽ ወለዶ እንህቦ እንታይ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ” . . . ንጽባሕ ብታህዋኽ ሒደት ምትዕርራይ ከምዘድሊ ገርና ነቲ ርሑቕ ዘይእምት ኣገባብ ምዕባለ ምስዓብ ካብ ዝብል ኣነባብራ ምልቓቕ የድሊ” . . . “እቲ ዝንገር ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ዋሕድ ውልደትን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ለውጢ ከም ዘድልን ሓላፍነት ክስምዓና ከምዘለዎ እዩ ዘማላኽት” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ እቲ እዚዩ ዘገድስ “ገጽ” ደኣ እምበር “ነጥቢ” ኣይኽውን
ቤት ትምህርቲ ኣብ ውልቀ ሰባት ዝፈስስ ኣተሓሳስባ ዘምርት ፋብሪካ ክኸውን የብሉን፡ ከምዚ እተድኣ ዘይኮነ ሰብኣዊ ዕብየትን ሰብኣዊ ርክብን እዩ ዝሃስይ፡ ብሓጺሩ ቤት ትምህርቲ “ነጥቢ” ጥራሕ ዘይኮነ “ወጅሂ” ብሱል ዝገብር ኣብ ጥበብ ዝሃንጽ “ተመሃሮ ምስቲ ዝለዓለ ኣገባብ - ክቡራት ዋጋታት ክራኸቡን ልብን ኣእምሮን ዝሕነጸሉ ስፍራ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንናይ ስፖርት ዓለም ጥራሕ ዝብል ኵነት ዝተቓልዑን ደጋዊ መልክዕን ከምኡ እውን ብኣካል ጥዑያትን ዝብል ኣረኣእያ ኣብ መንእሰያት ክሰርጽ ምግባር ዘይኮነ “መንእሰያት ሳላ እቲ ዓበይቲ ሕልምታት ንምስዓብ ትብዓት ዘለዎምን ምእንቲ ኻልኦት ገዛእ ርእሶም መስዋዕቲ ዝገብሩ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ሰናይ ንምግባር ትብዓት ዘለዎም ሰባት ክኾኑ ቢልና ክንሓስብ እዩ ዝግብኣና” ከምዚ እተዘይኮይኑ ኵለንተናዊ ዕብየት ኣይክህልዎምን እዩ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምዋቕራዊ ሓድነት
እቲ ሳልሳይ ቃል “ውዳበ ሓድነት” ዝብል ጠቒሶም፡ ነቲ ንስድራ ቤት ዝድግፍ መዋቕር ርግኣት ከም ዝህልዎ ዝገብርን ከምኡ እውን ገምጋም ሕርሲ ዝሕግዝ መምርሒ ቁጠባን ሓበሬታን ውልደት ዘተባብዕ ባህሊ ክህሉ ምግባርን ከምዘድልን ነዚ ከኣ “መዋቕራዊ ሓድነት” እንክብሉ ገሊጾም . . . ኣብ ዕብየት ሓባራዊ ጥቕሚ ተመርኲስካ ሰፊሕን ናብ መጻኢ ዚመርሕ ሜላ ስድራ ቤት” ክህሉ ምግባር የድሊ፡ . . . መንእሰይ ወለዶ ዝድግፍን ኣብ ሃገሩ ከንብሮ ዝኽእል ውሕስነት ምሃብ ወሳኒ እዩ፡ . . . እቲ ንጥቕሚ ሰባት ዜበላሹ ገንዘብን ስንድራ ቤትን ንውልቀ ሰባትን መስዋዕቲ ክገብር ዝፈታተን ውዲት ምቅላዕን ምውጋድን የድሊ” ምእንቲ’ዚ ነዚ ክፍጽም ዝኽእለና ሰናይ ፖለቲካ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዘይ ውልደት መጻኢ የሎን
ቅዱስነቶም ነቲ ዘስምዕዎ ነዊሕን ዓሚዩቕን መደረ፥ ነቶም ኣብ ሰብኣዊ ሕይወትን ኣብ መጻኢ ዚኣምኑ ሰባት ኵሎም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣብ ምድረ በዳ ምስ መዘወር ንፋስ ትቃለስ ከም ዘለኻ ኰይኑ ክስምዓካ እዩ፡ ግናኸ ጽቡቕ ሕልሚ ምሕላምን መጻኢ ምሕናጽን ሰናይ እዩ እሞ እዚ ማሕበር ኣባይቲ ስድራ ሕብረት ኣብ ዘካይዶ ጐስጓስ ክቕጽልን ከይሕለሉን ተላብዮም ውልደት እንተዘየሎ መጻኢ ኣይክህሉን እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።