ድለ

ኣብ ግዜ ጸሎት ንዘጋጥሙና ፈተናታት ንምልላይን ንምሽናፍን ብትብዓት ንቃለስ! ር.ሊ.ጳ

‘ስኽራንን ሕምብጣን ሓልዮት ናብራን ንልባትኩም ከየደንዘዞ እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብሃንደበት ከይትደፍነኩምሲ ተጠንቀቑ። ከመይሲ እታ መዓልቲ እቲኣስ ኣብ ልዕሊ መላእ ምድሪ ንዚነብሩ ዂሎም ከም መፈንጠራ ኃደጋ ኽትወድቆም እያ። ስለዚ ኻብቲ ዝመጽእ ነገራት ኩሉ ንክተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ንምቛም ከኣ ምእንቲ ኽትበቅዑን ወትሩ እናጸሌኹም ንቕሑ።’ (ሉቃ 21,34-36)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!          

ሎሚ ነቲ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ‘ኣብ ጸሎት ዘጋጥም ጸገማት’ እንክብል ዝገልጾ ክፍሊ ብምምልካት ነቲ ቀንዲ ጸገማት ንምልላይ ከመይ ገቢርካ ከምእተሸንፎምን ክንምልከት ኢና። ቁ.2729 ከምዘመልክቶ ንሓደ ዝጽሊ ሰብ ወትሩ ብቀዳምነት ዘጋጥሞ ልሙድ ጸገም ዝብሎ ምብትታን ሓሳብ እዩ። ጸሎት ምግባር ቀሊል ኣይኮነን። እንክንጽሊ ዘጋጥሙና ብዙሓት ጸገማት ኣለው። ነዚኦም ጸገማት እዚኦም ምፍላጦም ምፍላዮምን ምሽናፎምን የድሊ። ንዝጽሊ ሰብ ዘጋጥሞ ቀዳማይ ጸገምከስ ምብትታን ሓሳብ እዩ። ከም በዓል ደሓን ክትጽሊ ትጅምር እንተኾነ ኣእምሮኻ ይዘውር ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ይዘውር። እንተ ልብስ ይኹን ኣእምሮ ብኣካል ኣብኡ ኣለው እንተኾነ ኣእምሮና እንተስ ተረዲኡና እንተስ ከይተረደኣና ገዲፉና ይዕዘር። ጸሎት ወትሩ ምስ ምብትታን ሓሳብ ተቋሪኑ እዩ ዝነብር። ከም ሓቁ ከኣ ሓሳባት ወዲሰብ ኣብ ሓደ ሓሳብ ጥራይ ኣተኲሩ ነዊሕ እዋን ምጽናሕ የድክሞ እዩ። እዚ ቀጻሊ ህውተታ ሓሳባትን ሃለፍታን ንኩልና ዘጋጥምን ዘሻቅልን ኰይኑ ክሳብ ኣብ ግዜ ጸሎት ከም እንድቅስ ይገብረና። ነዚ ፈታኒ ዝንባሌ እዚ ዕድል ከይንህብ ኩልና ክንቃለስ ከምዘሎና ከኣ ኩልና ንረዳዳኣሉ ጉዳይ እዩ።   

እዚ ሓሳባትካ ኣብ ሓደ ኣተኲርካ ንከይትሠርሕ ኣብ መንጎ ንዝኣቱ ምብትታን ሓሳብ ክትኣሊ ምቅላስ ንጸሎት ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከት። እኹል ኣተኲሮ ገርካ ሓሳባትካ እንተዘይኣርኒብካ ክትጸንዕ ኣይከኣል ዝኾነ ሥራሕ ብጽቡቅ ክትፍጽም ኣይከኣልን። ዓበይቲ ኣትለታት እቲ ውድድር ሓያል ልምምድ ኣካላት ብምባር ጥራይ ከምዘይሽነፍ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ርእሲኡ ሥነ ሥርዓት ኣእምሮ እውን ከምዘድሊ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ እትገብሮ ክተተኲር ብኩለንትናኻ ንኣኡ ጥራይ ክትሓስብ የድሊ።

ምብትታን ሓሳብ ብዓንዲ ርእሱ ዓገብ የብሉን ግን ክትቈጻጸሮ የድሊ። ኣብ ውርሻ እምነትና ሓንቲ ዓባይ መዝገብ ኣላትና እንተኾነ ወትሩ ንዝንገዓ። እዛ መዝገብ እዚኣ ከኣ ኣብ ወንጌል ንረኽባ ጥንቃቄ ከኣ ትበሃል። ኢየሱስ ደጋጊሙ ‘ንቅሑ ጸልዩ’ ይብል። ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 2730 ‘ኣባና ንዘሎ፣ ወናንን ዓብላልን ኣንነት ንምጥፋእ ኣብ እንገብሮ ውግእ፤ ንቕሓትን ናይ ልቢ ርግኣትን የሓትት’ እንክብል ይጠቅሳ።  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ደጋጊሙ ክጥንቅቁ ክነቅሑ ነዚ በታ ንሱ ድሒሩ ወይ ቀዲሙ ክምለስ ምዃኑ ማለት ብምሳሌ ናይቲ ለይቲ ዝመጽእ መርዓዊ ወይውን ነዊሕ መገሻ ዝገበረ ሓላፊ ብምሕሳብ ክገብርዎ የዘኻኽሮም ነበረ። መኣስ ከምዝምለስ ንዕለቱ ንሰዓቱን ብዘይ ምፍላጥናኸስ ኩለን ደቃይቅ መነባብሮና ክቡራትን ኣድለይትን እየን ማንም ካብአን ብምብትታን ሓሳብ ብከንቱ ክትባኽን የብላን። ኣብ ዘይተጸበናላ ቅጽበት ድምጺ ጐይታና ኣብ ኣእዛና ክድውል እዩ። ኣብታ ዕለት እዚኣ ተጊሆም ዝጸንዑ ብፁዓን እዮም። እዚኦም ከኣ ኣብቲ ዘድሊ ነገራት ኣተኲሮም ዝጸንሑ እዮም። እዚኦም ንዝኾነ ኣብ ሓንጎሎም ዚመጽእ ሓሳባት ከአንግዱ ንየው ነጀው ዝብሉ ኣይኮኑን እንታይ ደኣ በታ ቅንዕቲ መንገዲ እናተመላለሱ ሠናይ ነገር እናገበሩን ንዝተዋህቦም ዕዮ ገዛ ብጽቡቅ ክፍጽሙን ዝርከቡ እዮም። ዝንጋዔ ወይውን ምብትታን ሓሳብ እንብሎኸስ እዚ እዩ! በቃ ኣእምሮና ይህውተት ንየው ነጀ ኰለል ይብል። ቅድስት ተረዛ ነዚ ኣብ ግዜ ጸሎት ሸንኰለል ዘብል ህውታተ እዚ ‘ጽልልቲ ገዛ’ ኢላ ትሰምዮ ነበረት። እዚ ከኣ ከምቲ ሓንቲ ጽልልቲ ገዛ ረጊኣ ኰፍ ዘይትብል ሸንኰለል እትብል እዩ። ስለዚ ሓሳባትና ብምእርናብን ኣብቲ እንገብሮ ጸሎት ብምትኳርን ደው ክነብላ ክንቆጻጸራ የድሊ።

ካልእ መንፈሳዊ ድርቀት ዝበሃል ጸገም እውን ኣሎ። ነዚ እውን ክንምልከቶ የድሊ። ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ. 2731 ነዚ ጸገም እዚ ‘ካልእ ጸገም፤ ብፍላይ ነቶም ብቅንዕና ኪጽልዩ ዚደልዩ ዘጋጥሞም ኵነት መንፈሳዊ ድርቀት እዩ። ልቢ ካብ ኣምላኽ ምስረሓቐ’ሞ፣ ሓሳባት፣ ዝኽርታት፣ መንፈሳዊ’ውን ይኹን ስምዒታት ዘየስተማቕረሉ ሃለዋት ምስኮነ፣ ሽዑ ኣብ’ቲ ሰቂለኅሊናዊ ጸሎት ድርቀት ይስመዓካ’ እንክብል ይግልጾ። እዚ መንፈሳዊ ድርቀት እንብሎ ጸገም ንዕለተ ዓርቢ ስቅለት ንለይትን ምሉእ መዓልቲ ቀዳም ስዑርን የዘኻኽርና። ኣብቲ ግዜቲ ኢየሱስ የለን። ኣብ ውሽጢ መቃብር እዩ። ኢየሱስ መይቱ እዩ በይንና ኢና። መበቆል መንፈሳዊ ድርቀትከስ እዚኣ እያ። እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ምክንያታት መንፈሳዊ ድርቀት ኣየኖት ከምዝኾነ ኣዳዕዲዕና ኣይንፈልጥን ኢና። ምናልባት ካብ ውሽጥና ካባና ክኸውን ይኽእል እንተኾነ ካብቲ ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ሕይወት ሓድሓደ ነገራት ክኸውን ዘፍቅድ ኣምላኽ እውን ከፍቅድ ይኽእል እዩ። ኣብ ንቡር ኩነታት ሓንሳእ ሓንሳእ ሕማም ርእሲ ወይውን ሕማም ጸላም ከብዲ ከምዝግባእ ካብ ምጽላይ ከድክመና ይኽእል። ብዙሕ ግዜ ግን እቲ ምኽንያት ጽቡቅ ገቢርና ኣይንፈልጦን ኢና። መማህራን መንፈሳውነት ንተመኲሮ እምነት እንክገልጹ ብምጽንናዕን ዘፍርህ ጽምዋን ዝተፈራረቀ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ፍዂስ ኢሉካ ተበርሁካ እንክትጽሊ ካልእ ግዝያት ከኣ ጽዕንዕን ኢሉካ ብዓቢ ተጋድሎ እትጽልየሉ ግዝያት ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ብዙሕ ግዜ ዓርኪ መሓዛ ኣብ መንገዲ ጐፍ እንብለና ከመይ ኣሎኻ/ኺ ኢልና ንሓትት። ሎሚ ጽዕንዕን ኢሉኒ ኣሎ ዝብል እውን ንረክብ። ኣብ ሕይወት ብዙሕ ግዜ ክብደት ስለዘሎ ኣይብርሃናን ምጽንናዕ ኣይስመዓናን ኣይክእሎን እየ ክሳብ ምባል ንበጽሕ። እዚ ዕለታት እዚ ሓጀብረዋይ ሕብሪ ዝሓዘ ኰይኑ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወት የጋጥም እዩ። እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ግን ሓጀብረዋይ ልቢ ምሓዝ እዩ። እዚ ክብደት እዚ ክሳብ ልቢ ወሪዱ ኣብ ልቢ ክጸዓዓን ምስ ጀመረ እዩ እቲ ጸገም። ንልቢ የሕምሞ እሞ ሰባት ምስ ሓጀብረዋይ ልቢ ከምዝነብሩ ይገብር። እዚ ብጣዕሚ ዘሕፍርህ እዩ። ከመይ ፈጺምካ ክትጽሊ ኣይከኣልን ምጽንናዕ ክትረክብ ኣይከኣል። ልቢ እንተሓሚሙ ጸገም እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ምስ ሓጀብረዋይ ዝኾነ ሕሙም ልቢ ንመንፈሳዊ ድርቀት ክትቃለሶ ፈጺምካ ኣይከኣልን። ብርሃን ጐይታ ንክኣትዎ ልቢ ክፉትን ብሩህን ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ትጽበዮ ግዜ እንተዘይኣተወ እውን ኪኣቱ ስለዝኾነ ብተስፋ ምጽባይ የድሊ እምበር ኣብ ሓጀብረዋይ ልቢ ክትዕጾ የብልካን።

ደሓር ስዒባ እትመጽእ ፍልይ ዝበለት ጸገም ከኣ ኣላ ትህኪት ወይውን ስንፍና መንፈስ ትበሃል። እዛ ፈተና ካልእ ጒድለት ወይውን ሕማቅ ኣመል ኰይና ዓባይ ፈተና ተጻይ ጸሎት ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ እንክንርእያ ዓቢይ ፈተና ተጻይ ሕይወት ክርስትና እውን እያ። ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ቊ. 2733 ‘ትዝኅርትን ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ግምትን መንገዲ ዚኸፍተሉ ካልእ ፈተና፣ ትህኪትን ስንፍና-መንፈስን እዩ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ዘይተሠርዔ መንፈሳዊ ሕይወት፤ ጥንቃቐን ንቕሓትን ዝጐደሎ ኣከያይዳን፤ ካብ ናይ ልቢ ሸለልትነትን ከምዚመጽእ፤ ናይ’ቶም መንፈሳውያን ደረስቲ ርድኢት እዩ። “መንፈስ ድልው እዩ፤ ሥጋ ግን ድኹም እዩ”፤ እቲ ዕቤት (ሥልጣን) ከምዝለዓለ መጠን፣ እቲ ውድቀት ከኣ ዝበርትዔ እዩ። ንያት ምዕራብ (ምድሃል) ዘሣቒ’ኳ እንተኾነ ብተጻዩ ከኣ ዓሻ ድፍረትን፤ ትዝኅርትን ኣሎ። እቶም ትሑታት፣ በቲ ጸበባታቶም ኣይሰናበዱን’ዮም፥ ናብ ዝበለጸ ተስፋ ይመርሖም፤ ብጽንዓት ንኺቕጽሉ ይሕግዞም’ እንክብል ይገልጾ። ካብቶም ሸውዓተ ኣርእስቲ ሓጢኣ እንብሎም ክፉእ ልማዳት ሓንቲ እያ። ዘይኮነ ምኽኒት ብምፍጣር ናብ ሞት ነፍሲ ክትበጽሓና ስለ እትኽእል ጥንቃቄ የድሊ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሓንሳእ ክብርሃካ ሓንሳእ ተጻዓዒኑካ ኪዓርበካ ዝግበር ጒዕዞ ሕይወትከስ እንታይ ምግባር የድሊ! ቢልና እንተሓተትና ወትሩ ንቅድሚ ንምግስጋስ ከም ብሓዲስ እናተማሃርካ ምንባር እዩ መልሱ። ሓቀኛ ግስጋሴ መንፈሳዊ ሕይወት ራእያት ኣብ ምብዛሕ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ ጽንኩር ግዝያት ጸኒዕካ ምንባር እዩ። ኣነ ከኣ ገስግስ! ጒዕዞኻ ቀጽል!ምስ እትደክም ሓንሳእ ኣዕርፍ እሞ እንደገና ጒዕዞኻ ቀጽል ነዚ ከኣ ብጽንዓት ግበሮ እብለካ። እታ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ፍጽምቲ ታሕጓስ ዝብላ ንዘክር እዚ ከኣ ናይ ሓደ ሓው መንፈዓት ዝምዘኖ ካብ ሰማይ ብዝዘንም ዕድላት ዘይኮነ ኣብ ጒዕዞ ብምጽናዕ ነዚ ከኣ ኣብቲ ነቲ ጒዕዞ ክትጅምር እንከሎኻ ዝነበረ መቐረት ኩሉ ኣብ ዝተጸንቀቀሉ ሁመት ኩሎም ክኽሕዱኻ ከዋርዱኻ እንከለው እውን ከይተረፈ ክኸውን ኣለዎ። ኩሎም ቅዱሳን በታ ቅዱስ ዳዊት ድነሞት ሞት ዝብላ ናይ ንብዓት ቆላ ዝሓለፉ እዮም። ስለዚኸስ ታሪኽ ሕይወቶምን ዜና መዋዕላቶምን እንክነንብብ ጸብጻብ ዕለታዊ ጸሎቶም እንክምዝግቡ መቐረት ዘይብሉ ዕለት ኣሕሊፈ ዝብል እንተረኸብና ኣይንተዓንቀፍ። ክንመሃሮ ዘሎናስ ‘ንስኻውንዶ ጐይታይን ኣምላኸይን ኣባኻ እምነት ከይሕድር ኩሉ እትገብር ትመስል! እንተ ኣነ ጸሎተይ ክቅጽል እየ’ ክሳብ ምባል ምጽናዕ እዩ። አመንቲ ንቀንደል ጸሎት ፈጺሞም ኣየቅህምዋን እዮም። እታ ጸሎት ሓንሳእ ሓንሳእ ንናይ እዮብ ጻድቅ ክትመሳሰል ይከኣል። እዮብ ጻድቅ ምስ ተሓለለ እግዚአብሔር ብዘይፍትሒ ከምዝፈረዶ እሞ ከምዘይቅበሎን ፍትሒ ከውጽኣሉ ከምዝኸስስን ይመስል። እንተኾነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብእምነት ተቃውሞኻ ምግላጽ እውን ብዙሕ ግዜ ከም ጸሎት እዩ ወይውን ሓንቲ ሽማግለ ኣደ ትብሎ ከምዝነበረት ‘ምስ እግዚአብሔር ምቊያቊ እውን ጸሎት እዩ ኣባቴ!’ እዩ ነገሩ ከመይ ብዙሕ ግዜ ሓደ ውሉድ ተጻይ ኣቦኡ ይቊጣዕ ከመይ ኣቦኡ ምዃኑ ብምትእምማን ይቊጣዕ።

ንሕና እውን እንተኾነ ሽሕ’ኳ ካብ እዮብ ብዙሕ ብዝተሓተ መንገዲ ጻድቃንን ዕጉሳትን እንተኾና ኣብ መወዳእታ ኣብ ፍጻሜ እዚ ጸገማት እዝን ንሰማይ ዘዕረግናዮ መልሲ ዘይረኽበ ብዙሕ ስለምንታይ! ዝብል ሕቶታን እግዚአብሔር ክምልሸልና እዩ። ነዛ ስለምንታይ! ትብል ጸሎት ኣይንረሰዓያ። ሕጻናት ንነገራት ምርዳእ ምስ ሰኣኑ ዘቅርብዋ ሕቶ እያ ሊቃውንቲ ሥነ ኣእምሮ ከኣ ነዚ ዕድመ እዚ ‘ዕድመ ስለምንታይ’ ይብልዋ ከመይ ሕጻናት ንኣቦኦም ‘እንተኾነ ኣቦ እዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ከምዚ ኰይኑ ክብሉ ጸጸኒሖም ጠቊ ዘብሉሉ ዕድመ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ነስተውዕል ሕጻናት ስለምንታይ ኢሎም ይሓቱ እምበር መልሲ ኣቦኦም ኣይጽበዩን እዮም። ከመይ እቲ ኣቦ ክምልስ ምስ ጀመረ ድሮ እቲ ሕጻን ናብ ካልእ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ይሰግር። እዚ ዝገብረሉ ከኣ ኣተና ኣቡኡ ንምስሓብ እዩ። ንሕና እውን ምስ እግዚአብሔር ዝተቈጣዕና እንክንመስል ከምኡ እዩ ‘ስለምንታይ’ ክንብል ንጅምር። ልቢ ሰማያዊ ኣቦና ናባና ከቅልብ ኣብ ሕስረትና ኣብ ጸገምና ኣብ ሕይወትና ክኸውን ንዕድም። ኣጆኹም ንእግዚአብሔር ‘ስለምንታይ’ ኢልኩም ንምጽላይ ትብዑ። ምኽንያቱ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ኣገባብ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ዘሎና ርክብ ምስ እግዚአብሔር የበራብሮ። ንዕጽቅ ዝበለን ምርር ዝበለን መግለጺታትና ብኣባታዊ ፍቅሪ ይቅበሎ እሞ ከም ናይ እምነት ሥራሕ ርእዩ ከም ጸሎት ይቅበሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 May 2021, 15:24
ንኩሉ ኣንብብ >