ጸሎት መቝጸርያ፥ ዶብ ኣልቦን ሓደ ዓይነት ዕላማ ዘለዎን ብዝተፈላለየ ቋንቃታት
ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ግንቦት ንማርያም ዝተወከፈ ከምዝኾነ ዝፈልጥ ኮይኑ፡ እቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ወርሃ ማርያም ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ከምኡ እውን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብዘዳለዎ መደባት መሰረት፥ እቲ ዝቐርብ ጸሎት መቝጸርያ፥ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ብሁባሬ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ምህለላ ዝቐርበሉ ክኸውን እዩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኵለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ መቅደስ ቅድስተ ማርያም፥ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕን እግዚኣብሔር ካብዚ ጽንኵር ቅልውላው ጥዕና’ዚ ናጻ ከውጽኣናን ብጸሎት መቝጸርያ ጸሎት ልመናን ምህለላን እነቕርበሉ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ለበዋ መሰረት ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝርከባ ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ጸሎት መቝጸርያ ክቐርብ እዩ።
ነዚ መደብ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት ሽዱሽተ ምሸት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ረዳኢተ ማርያም ብዝመርሕዎ ጸሎት መቝጸሪያ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ብዝመሓላለፍ መደብ ብወግዒ ክብገስን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝመርሕዎ ጸሎት መቝጸሪያ ክዛዘም ምዃኑ ዝሓብረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምእንቲ ብለብዒ ንዝሳቐዩን ኣደዳ ዝኾኑን
ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ንማርያን ኣብ ዝተወከፋ ኣባይቲ መቕደስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብጸሎት መቝጸሪያ ክሓብራን ከከም ባህልታትን ቋንቋታትን ስርዓታተን ሊጡርጊያን እቲ ኣብ ዓለም ኵሉ ነገር፥ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዕዮን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ተግባራት ዝኾልፍን ዘሰናኽልን ካብ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 እግዚኣብሔር ናጻ ከውጽኣና በማላድነት ቅድስቲ ማርያም ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ከዓርግ ምዃነ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።
ከምእንዝክሮ ዝሓለፈ ዓመት መላዕ ዓለም ኣብ ተወሸብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮይኖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መላእ ዓለም ብምስማዐ ርእየት ብዝተመሓላለፈ ኣገባብ በማላድነት ቅድስቲ ማርያም እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናጻ ከውጽኣና ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም ጸሎት መቝጸርያ ከምዘዕረጉን፥ ብቐዳምነት ምእንቲ እቶም በዚ ለብዒ እዚ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ንዅሎም ኣባላት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ድኻታትን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዘቃለዖም፥ ንስእነት ስራሕን ንተነጽሎን ዝተቓልዑን ንኣረጋውያንን እሱራትን ግዳም ሓደርን በቲ ለብዒ ንዝተሳቐዩን ክሳብ ሕጂ እውን ንዝሳቐዩ ዘለዉን ብምዝካር ዕለት 1 ግንቦት ጸሎት መቝጸርያ ኣብ ኩለን ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ክድገም ምዃኑ ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ሓቢሮም።
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2020 ዓ.ም. ናብ መላእ ዓለም ምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ፥ ኵላትና ብሓባር ከም መንፍሳውያን ስድራ ቤት ሓቢርና ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ንኽንሰግር ብልቢ ኣዴና ማርያም ናይ ክርስቶስ ወጅሂ እነስተንትነሉ እዋን እዩ፥ ጸሎት መቝጸርያ ብልቢ ማርያም ወጅሂ ኢየሱስ ምስትንታን ማለት እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ብጹዕነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።