ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ስለና ይጽሊ! እዚ ከኣ ሓጐስ ይህበና! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝወዓለ በዓለ ዕርገት እንትርፊ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ካልእ ቊምስናታት ናብ ሰንበት ብምስግጋር ከምዘብዓለቶ እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ‘ኢየሱስ ወትሩ ምሳና እዩ! ነቲ ንድሕነትና ዝቈሰሎ ቅንዋት ንሰማያዊ ኣቦኡ እናርኣየ ስለና የማልድ’ እንክብሉ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል መወዳእታ ክፍሊ ማርቆስ ወንጌላዊ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ንኣርባዓ መዓልታት ድሕሪ ምሂርዎምን ኣጸናኒዕዎምን ‘ናብ መላእ ዓለም ኪዱ ንዂሉ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ! ዝኣመነን ዝተጠምቐን ኪድኅን ዘይኣመነ ግን ኪዂነን እዩ። ነቶም ዚኣምኑ ድማ እዙ ትእምርታት እዚ ኼሰንዮም እዩ፣ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ሓዲስ ልሳናት ኪዛረበኡ ኣትማን ኪኅዙ ቀታሊ መርዚ እንተሰተዩ ድማ ኸቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኣእዳዎም ኬንብሩ እሞ እዚኦእቶም ኪጥዕዩ እዮም’ እኒኪብል ናብ ኲሎም ደቂሰብ ከምዝለኣኾም ድሕሪኡ ድማ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገን ኣብ የማን እግዚአብሔር ከምዝተቐመጠን ገሊጹ እቲኦም ሓዋርያት ብኡ ንብኡ ከምቲ ንሱ ዚኣዘዞም ክገብሩ ጀሚሮምስ ከምቲ ዝበሎ ይረድኦምን ንቃሎም ብዚስዕቡ ዝነበሩ ትእምርታት ገቢሩውን የርግኦ ከምዝነበረ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቶም እዚ ቃል እዚ ነቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያት ጥራይ ዘይኮነ ንዓናውን ብቀጥታ ከምዝምልከት እቶም ብስብከቶም ዚኣመናን ከም ትእዛዝ ጐይታ ንኩሉ ፍጥረት ወንጌል ዝተለኣኽናን ናይ ሎሚ ሓዋርያት ንሕና ኢና። በይንና ከይመስለና ከኣ ከምቲ ቃሉ ወትሩ ምሳና ኰይኑ የሰንየና። ኣብ የማን ሰማያዊ ኣቦኡ ተቀሚጡ ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ዝቆሰሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ሰለና ይጽሊ ወትሩ ይድግፈና። እዚ ርግጽነት እዚ ከኣ ብተስፋን ሓጐስን ይመልኣና እንክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ ንመጀመርያ ግዜ ዘርኢ ዘመደ ኣዳም ተቀሚጡ። እዚ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ለቢሱ ናብ ሰማይ ሒዝዎ ዝወጸ እዩ። በዚ ዓቢ ምሥጢር እዚኸስ ነፍሲወከፍና መጻኢ ሕይወትና ከመይ ከምዝኾነ ከስተንትን ይኽእል። ስለዚኸስ ንሰማይ ኪዓርግ እንከሎ ጠንጢኑና ከይዱ ኣይኮነን ዘስምዕ እንታይ ደኣ ወትሩ ምስ ኣርድእቱ ኣሎ ምሳና ኣሎ ከመይ ንሱ ከም ሰብ ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ ተቀሚጡ ስለና ይጽሊ። ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ንእግዚአብሔር ኣቦ ከም ሰብ ነቲ ዘድሓነና ኣቊሳሉ የርኢ።”

ምኽንያት ሓጐስና!

ብዙሕ ግዜ ወንጌል እንክነንብብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሓዋርያት ከይመስለና ሎሚ ንኣና ሕያው ቃል ኰይኑ ስለዝቀርበና እቲ ሓጐስ ንዓና እውን ይምልከት እዩ። ጸሎት ኢየሱስ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ሥጋና ለቢሱ ምእንታና ወትሩ ምስ ጸለየ እዩ።

“ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ካባና እዩ ስለና ከኣ ይጽሊ። እዚ ውሕስነትን ርግጽነትን ክህበና ኣለዎ። እኳ ደኣ ሓጐስ ሓጐስ ብሓጐሱ ከኣ ልዕሊ ዘየለ ዓቢ ሓጐስ ክህበና ብሓዲስ መልክዕ ክህበና ኣለዎ። ካልኣይ ምኽንያት ሓጐስና ከኣ እቲ ንሱ ዝሃበና ተስፋ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እይ ኢሉና ኣሎ።”

መንፈስ ቅዱስ - ተስፋ ኢየሱስ!

ድርብ ሓጐስ እዩ ዘሎና ቅዱስነቶም እቲ ሓደ ባህርየ ትስብእት ኣብ ባህርየ መለኮት ምስታፉን ወትሩ ምሳና ምዃኑን እንክኾን እቲ ካልኣይ ምኽንያት ሓጐስና እቲ ቀቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ዝሃበና ተስፋ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

[ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ ኢሉ። ነዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ምስ ተቀበሉ ከኣ ነቲ ክሰናበቶም እንከሎ ‘‘ናብ መላእ ዓለም ኪዱ ንዂሉ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ!’ ኢሉ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ከኣ በዚ ሓይሊ እዚ ይፍጸም። ኣብቲ ዕለት እቲ ንዘተስፈዎም መንፈስ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጠ ድህሪ ትሽዓተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ይወርድ። ንሕና ኩልና ከምዚ ሎሚ ዘሎና አመንቲ ከም እንኸውን ዝገበረኸስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ዓቢ ሓጐስ ይህበና። ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓሪጉ! ቀዳማይ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ኰይኑ። ምስ ንድሕነትና ዝከፈሎ ቅንዋት ከይዱ ስለና ከኣ ይጽሊ። ጸኒሑ መንፈስ ቅዱስ ሰዲዱልና። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ስብከተ ወንጌል ንክንወፍር የኽእለና። ስለዚኸስ ሎሚ ዕርገቱ እንክንዝክር ብሓጐስ ንመልእ ሓጐስ በዓለ ዕርገት ኢየሱስ ከኣ እዚ እዩ። ]      

ዝኽሪ ሓዲስ ብፁዕ መሥራቲ ሳልቫቶርያኒ!

ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ምስ ጸለዩ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ሮማ ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ መሥራቲ ማሕበራት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሳልቫቶርያኒ ኣባ ፍራንቸስኮ ማርያም ዘመስቀል ኣመልኪቶም ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።

ንሱ ንዝኾነ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘስተንፍሰሉ መጋበሪ እናተጠቅመ ዘይሕለል ሰባኬ ወንጌል ነበረ። ንቃል ኢየሱስን ንፍቅሪ ኢየሱስን ናብ ኩሉ ብቤተክርስትያን ዝተጸውዑ ኩሎም ናይዚ ብፁዕ እዚ ሓዋርያዊ ቅንኣት ከም ኣብነትን መሪሕን ይኹኖም ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 May 2021, 11:35

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >