ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ስለና ይጽሊ! እዚ ከኣ ሓጐስ ይህበና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል መወዳእታ ክፍሊ ማርቆስ ወንጌላዊ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ንኣርባዓ መዓልታት ድሕሪ ምሂርዎምን ኣጸናኒዕዎምን ‘ናብ መላእ ዓለም ኪዱ ንዂሉ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ! ዝኣመነን ዝተጠምቐን ኪድኅን ዘይኣመነ ግን ኪዂነን እዩ። ነቶም ዚኣምኑ ድማ እዙ ትእምርታት እዚ ኼሰንዮም እዩ፣ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ሓዲስ ልሳናት ኪዛረበኡ ኣትማን ኪኅዙ ቀታሊ መርዚ እንተሰተዩ ድማ ኸቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኣእዳዎም ኬንብሩ እሞ እዚኦእቶም ኪጥዕዩ እዮም’ እኒኪብል ናብ ኲሎም ደቂሰብ ከምዝለኣኾም ድሕሪኡ ድማ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገን ኣብ የማን እግዚአብሔር ከምዝተቐመጠን ገሊጹ እቲኦም ሓዋርያት ብኡ ንብኡ ከምቲ ንሱ ዚኣዘዞም ክገብሩ ጀሚሮምስ ከምቲ ዝበሎ ይረድኦምን ንቃሎም ብዚስዕቡ ዝነበሩ ትእምርታት ገቢሩውን የርግኦ ከምዝነበረ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቶም እዚ ቃል እዚ ነቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያት ጥራይ ዘይኮነ ንዓናውን ብቀጥታ ከምዝምልከት እቶም ብስብከቶም ዚኣመናን ከም ትእዛዝ ጐይታ ንኩሉ ፍጥረት ወንጌል ዝተለኣኽናን ናይ ሎሚ ሓዋርያት ንሕና ኢና። በይንና ከይመስለና ከኣ ከምቲ ቃሉ ወትሩ ምሳና ኰይኑ የሰንየና። ኣብ የማን ሰማያዊ ኣቦኡ ተቀሚጡ ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ዝቆሰሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ሰለና ይጽሊ ወትሩ ይድግፈና። እዚ ርግጽነት እዚ ከኣ ብተስፋን ሓጐስን ይመልኣና እንክብሉ ገሊጾም።
ምኽንያት ሓጐስና!
ብዙሕ ግዜ ወንጌል እንክነንብብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሓዋርያት ከይመስለና ሎሚ ንኣና ሕያው ቃል ኰይኑ ስለዝቀርበና እቲ ሓጐስ ንዓና እውን ይምልከት እዩ። ጸሎት ኢየሱስ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ሥጋና ለቢሱ ምእንታና ወትሩ ምስ ጸለየ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ - ተስፋ ኢየሱስ!
ድርብ ሓጐስ እዩ ዘሎና ቅዱስነቶም እቲ ሓደ ባህርየ ትስብእት ኣብ ባህርየ መለኮት ምስታፉን ወትሩ ምሳና ምዃኑን እንክኾን እቲ ካልኣይ ምኽንያት ሓጐስና እቲ ቀቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ዝሃበና ተስፋ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
[ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ ኢሉ። ነዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ምስ ተቀበሉ ከኣ ነቲ ክሰናበቶም እንከሎ ‘‘ናብ መላእ ዓለም ኪዱ ንዂሉ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ!’ ኢሉ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ከኣ በዚ ሓይሊ እዚ ይፍጸም። ኣብቲ ዕለት እቲ ንዘተስፈዎም መንፈስ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጠ ድህሪ ትሽዓተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ይወርድ። ንሕና ኩልና ከምዚ ሎሚ ዘሎና አመንቲ ከም እንኸውን ዝገበረኸስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ዓቢ ሓጐስ ይህበና። ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓሪጉ! ቀዳማይ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ኰይኑ። ምስ ንድሕነትና ዝከፈሎ ቅንዋት ከይዱ ስለና ከኣ ይጽሊ። ጸኒሑ መንፈስ ቅዱስ ሰዲዱልና። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ስብከተ ወንጌል ንክንወፍር የኽእለና። ስለዚኸስ ሎሚ ዕርገቱ እንክንዝክር ብሓጐስ ንመልእ ሓጐስ በዓለ ዕርገት ኢየሱስ ከኣ እዚ እዩ። ]
ዝኽሪ ሓዲስ ብፁዕ መሥራቲ ሳልቫቶርያኒ!
ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ምስ ጸለዩ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ሮማ ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ መሥራቲ ማሕበራት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሳልቫቶርያኒ ኣባ ፍራንቸስኮ ማርያም ዘመስቀል ኣመልኪቶም ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።
ንሱ ንዝኾነ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘስተንፍሰሉ መጋበሪ እናተጠቅመ ዘይሕለል ሰባኬ ወንጌል ነበረ። ንቃል ኢየሱስን ንፍቅሪ ኢየሱስን ናብ ኩሉ ብቤተክርስትያን ዝተጸውዑ ኩሎም ናይዚ ብፁዕ እዚ ሓዋርያዊ ቅንኣት ከም ኣብነትን መሪሕን ይኹኖም ኢሎም።