ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ቾው ሳው - ያን ናይ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ከምእተሰምዩ
ንማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ንዞባ ቻይና ሓለቓ ኣባ ስቲፈን ቻው ሳው - ያን ነቲ ካብ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ብጽዕ ኣቡነ ሚካኤል የኡንግ ብዘይ ጳጳስ ንዝጸንሔ መንበረ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 17 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዞባ ቻይና ንማሕበር ኢየሱሳውያን ዞባዊ ሓለቓ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ስቲፈን ቾው ሳው - ያን ናይ ስነ ምምህርናን ስነ ትምህርትን ናይ ስነ ኣእምሮን ሊቕ ኣብ መዳይ ሕንጸት ኣብ ትምህርትን ኣብ ገዳማዊ ሕይወትን ዘገልግሉ ንዘለዉ ነታ ካብ 2019 ዓ.ም. ካብዛ ዓለም ብሞት ድሕሪ ምፍላይ ብዘይ መንበረ ኣቡን ንዝጸንሔ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣባ ሶዛ፥ “ኢየሱሳውያን በቲ ምስ ህዝቢ ቻይና ዘለዎም ርክብ ይሕበኑ”
ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ፥ ንኣባ ስተፈን ቾው ሳው - ያን ኣብዚ ቤተ ክርስቲያ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶም ሓድሽ ተልእኾ “ኵሉ በረኸት እምነየሎም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም እውን ነቲ ካብ ርሑቕ ዓመታት በቶም ዓቢይ ኢየሱሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ማተዮ ሪቺ ምስ ዝበጽሕዎም ዘለላይዎን ዘኽብርዎን ናይ ሕዝቢ ቻይና ባህሊ ከምዘሰንዮም ዘኪሮም ምስ ህዝቢ ቻይና ዘለና ርክብ ንኣና ኢየሱሳውያን ዓቢይ ሓበን እዩ” ቢሎም ነዚ ግምት ብምሃብ “ኣባ ስተፈን ስለ ሕርየቶም ኣብዚ ኣገልግሎቶ ክቕጽሉን ሕጉሳት ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።
ኣብ ኣየርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካ ትምህርቶም ዘጠናቀቑ
ዕለት 7 ነሓሰ 1959 ዓ.ም. ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተወልዶ ኣባ ቾው ሳው - ያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚኖሶታ መንበረ ጥበብ ብስነ ኣእምሮ መጽናዕቲ ናይ መጀመሪያ ደረጃ ምሩቕ ወዲ 25 ዓመት ምስ ኮኑ ዕለት 27 መስከረም 1984 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣትዮም ካብ 1984 ክሳብ 1986 ዓ.ም. ናይ ተመክሮ ዓመት ኣጠናቒቖም፡ ኣብ ኣየርላንድ ብፍልስፍና ምስ ተመረቑ ካብ 1988 ክሳብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሆንግ ኮንግ ቲዮሎጊያ ኣጽንዖምን ተመሪቖምን ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን፡ ኣብ ቺካጐ መንበረ ጥበብ ብስነ መጽናዕቲ ምዕባለ ውዳቤነት ብዝለዓለ ደረጃ ተመሪቖም (ካብ 1993 ክሳብ 19995 ዓ.ም.)፡ ኣብ ቦስቶም መንበረ ጥበብ ሃርቫርድ ካብ 20000 ክሳብ 2006 ዓ.ም. ብሰብኣዊ ምዕባለን ስነ ኣእምሮኣዊ መጽናዕቲ ሊቕንት ኣመስኪሮም ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለት 17 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም. ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዓቢይ መብጽዓ ከምዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ተመራማሪ ስነ ኣእምሮን ኣብ መዳይ ሕንጸት ዘገልገሉ
ኣብ 2007 ዓ.ም. ሆንግ ኮንግ ናይ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ተቖጻጻርን ከምኡ እውን ኣብ ኵውሉን ኣብ ዝርከብ መንበር አጥበብ ውህ ያን ኣብ ሆንግ ኮንግ መንበረ ጥበብ ተሓባበሪ መምህርን (ካብ 2008 ክሳብ 2015 ዓ.ም.)፡ ካብ 2009 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ሃናጺ ተመሃሮ ኢየሱሳውያንን ኮይኖም ደሓር እውን ካብ 2009 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ዞባ ቻይና ዛዕባ ሕንጸት ናይ ዝግደስ ድርገት ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዘገልገሉን ኣብ 2012 ዓ.ም. እውን ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ህንግ ኮንግ ናይ ስነ ኣእምሮ መምህርን ካብ 2012 ክሳብ 2014 ዓ.ም. እውን ናይ ሆንግ ኮንግ ናይ ካህናት ጉዳይ ናይ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ኣባልን ካብ 2013 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ዞባ ቻይና ሓለቓ ኣማኻርን ካብ 2017 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ናይ ሕንጸት ጉዳይ ናይ ዝሓልይ ድርገት ኣባል ኮይኖም ከምዘገልገሉን ኣብ 2018 ዓ.ም. ንማሕበ ኢየሱሳውያን ዞባ ቻይና ሓለቓ ንኽኾኑ ተሓርዮም የገልግሉ ከምዝነበሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።
ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ካብ 2019 ዓ.ም. ብዘይ መንበረ ጳጳስ
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ነበር ባዕዳዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ ኣብ መንጐ መንግስትን ተመሃሮን ብዝተለዓዓለ ግጭት ተሓሚሳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዓመጽን ማእሰርትን ከምዝወረደ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ ሆንግ ኮንግ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሚካኤል የኡንግ ሚንግ ቸዉንግ ዕለት 3 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ካብ ዝዓርፉላ ዕለት ኣትሒዙ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ብዘይ መንበረ ጳጳስ ከምዝጸንሔን ብጹዕ ኣቡነ የኡንግ ሚንግ ቸውንግ ናይ ሆንግ ኮንግ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበሩ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆን ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኦም ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቁ ዘቕረብዎ ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ይኹንታ ምስ ሃቡሉ ዝተሰምዩ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ካብ 2002 ክሳብ 2009 ዓ.ም. እውን ንሳሊዝያናዊ ብጹዕ ካርዲና ጆሰፍ ዘን ዘ ኪዩን ተኪኦም ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኖም ከምዘገልገሉ የመላኽት።