ድለ

ጅማሮ ቅነ ይሴባሕ፥ ኣብዚ መርሓ ግብሪ ኵሉ ንኽሳተፍ ይዕድሙ ጅማሮ ቅነ ይሴባሕ፥ ኣብዚ መርሓ ግብሪ ኵሉ ንኽሳተፍ ይዕድሙ 

ጅማሮ ቅነ ይሴባሕ፥ ኣብዚ መርሓ ግብሪ ኵሉ ንኽሳተፍ ይዕድሙ

ብምኽንያት ቅነ ይሴባሕ ተፈጥሮ ምክልኻልን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዝብክል ኪደት ምዕባለ ንምውጋድን ፍትሓዊ ምዕባለ ንምንቕቓሕን ብዙሕነት ስነ ሕይወት ንምኽባርን ዘማእከ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ቅነ ይሴባሕ ዝጅመረሉ ዕለት እውን ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፡ ኣብዛ ቅነ እዚኣ ናይ መሬትን ድኻታትን ገዓር ጽን ንምባል ዘኽእል ኣጋጣሚ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኵሉ ኣብዚ መደብ እዚ ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘምዕዎ ቃል፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ቅነ ይሴባሕ ንዘዳለወ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዝተፈላለያ ኣብቲ ተበግሶ እዚ ንዝሓብራ ዛዕባ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንዝግደሳ ማሕበራትን ኣመስጊኖም፥ ኵሉ ነዚ “ናይ መሬትን ድኻታትን ገዓር ጽን ንምባል ካብ ዕለት ናብ ዕለት መታን ክንመሃር” ንዝድርኸና ቆጸራ እዚ ከይርስዕ ተላብዮም፡ ኵሉ ኣብቲ መርሓ ግብሪ ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መርሓ ኣገልግሎት

ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ናይ ገዳማትን ገዳማውያንን ዓለም ሓቆፍ ናይ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራትን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ምዕባለን ምድግጋፍን ማሕበር ወንጌላውያን ልኡካን ኢየሱሳውያንን ፍራንቸስካውያን ኣሃውን ንዝመጽእ ዓመታት ዝመርሓናን “ዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን እተመላኽት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ንንባብ ካብ ዝበቕዓተሉ ሻድሻይ ዓመት ኣብ እተቝጽረሉ ዘላ እዋን፥ መግዲ ዘመላኽት ቅነ ይሴባሕ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዓለም ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ምትግባራ ብዙሕ ይዋሳእ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ናብ ኵለንተናዊ መሓድሮ” ዝመርሕ ምዃኑ ኣዘካኺሩ፡ ካብ ዕለት 16 ግንቦት ክሳብ ዕለት 25 ግንቦት 2021 ዝካየድ መደብ ቅነ ይሴባሕ . . . ዘይንጽል ምዕባለ ውሕስ ክኸውንን ተፈጥሮ ፍጥረትን ንምክንኻል ዘተባብዕ ኵነት እውን ምዃኑ የመላኽት።

“ወንጌል ፍጥረት” ንምዝርጋሕ ዚሕግስ መደብ

ቅነ ይሴባሕ “ንዅሉ ሰብ ኣብ ዝቕጽል ደረጃ ጉዕዞኡ ዚሕግስ ሓድሽ መሳርሕን ኣገባባትን ዝቐርበሉ ኣጋጣሚ” ከምዝኾነን እዚ እውን ኣብቲ www.laudatosi.va. ኣብ ዝብል ናይ ሃገረ ቫቲካን መርበብ ሓበሬታ ከምዝቐርብን ናይቲ መደብ ሸቶ፥ ናይ “ፍጥረት ወንጌል” በማላድነት ቅድስቲ ማርያምን ዝቐርብን ንምስፋሕ እዚ ወንጌል ፍጥረት መንፈስ ቅዱስ ክድግፍፈና ክንጽልን ፍጥረት ምክንኻን ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዝቃልሓሉ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ንዅሉ ዝሓቁፍ ዘይንጽል ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዝተፈላለያ 150 ዛዕባ ከባቢ ኣየርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝግደሳ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ማሕበራት ከምዝሳተፋ ኣፍሊጡ።

2021 ዓ.ም. መደባት ቅነ ይሴባሕ

ብምኽንያት ቅነ ይሴባሕ ተፈጥሮ ምክልኻልን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዝብክል ኪደት ምዕባለ ንምውጋድን ፍትሓዊ ምዕባለ ንምንቕቓሕን ብዙሕነት ስነ ሕይወት ንምኽባርን ዘማእከሉ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየዱ ዓውደ ጉባኤታት እውን ከምእተሰናደወን እዚ እውን ዕለት 17 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝብገስ ኮይኑ፡ ዕለት 18 ግንቦት ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ መጽናዕቲ ክፍሊ ዝገበራ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበባትን ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ብምስዓብ መደባት ዝዝርግሑ ናይ መንግስት ተቕዋማትን ተመክሮታቶም ዝለዋወጥሉ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ኣገባብ ዘቕርብ ዓውደ ጉባኤ ከምዝካየድን ረቡዕ ዕለት 19 ግንቦት እውን “ከባቢ ኣየር ዘይብክል “ቝጠባ ነዳድን ሰብኣዊ መሰላትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ክካየድ እዩ። ሓሙስ ዕለት 20 ግንቦት “ተስፋ ንመሬት መረብታዊ ርክባት ጸሎት ምእንቲ ፍጥረት ብዝብል መርሕ ቃል ነታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ምስፋሕ ዝዓዩን ዝዓያን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዘዋስእ ዓውደ ርክብ ክካየድ ምዃኑን እዚ ኸኣ መሓድሮኣዊ ለውጢ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘቃልሕ መደብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክሳዕ ዕለት 25 ግንቦት ዝቅጽል ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ርክብ

ዕለት 21 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ሓባር ቤትና ሓለፋ ዝብል ስጉምቲ ዝውሰደሉ መዓልቲ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ውልቀ ሰባትን ማብርሰባትን ከምኡ እውን ትካላትን ነዛ ናይ ሓባር ቤትና እዚኣ ንምክንኻን ዝድግፍ ቁም ነገር ዘለዎ ስጉምቲ ንኽውድቡ ካብ ቀዋሚ ተበግሶታት ኣትሒዝካ ብመደብ ሕንጸት ኣቢልካ ንምስፋሕ ዝድግፍን ክሳብ ጸሎት ገርካ ምቕራብ ዘማእከለ መደባት ክሳለጡ እያቶም። ዕለት 22 ግንቦት፥ ማህሌት ፍጥረት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ከያንያንን ሙዚቀይናታትን ስነ ጥበባውያንን ብሓባር ምርኢት ዘቕርብሉ ዕለት ክኸውን እዩ። ሰንበት ዕለት 23 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ኣሲዚን ሮማን ብሓባር ዘራኽብ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ፍሉይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ንምኽባርን ምክንኻንን ተፈጥሮ ኣተካይዶ ቆራጽ ውሳኔታትን እተቕርቦ ሕንጸትን ዘቃልሕን ኣብ ምኽንኻን ተፈጥሮ ኣብ መላእ ዓለም እውን ወንጌል ፍጥረት ንምስፋሕ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ጸሎት ልመና ዝቐርበሉ ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ዝምራሕ መደብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰኑይ ዕለት 24 ግንቦት “ዝስተይ ጽሩይ ማይን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንዅሉ ክባጻሕ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ተመሪሑ ዝካየድ ኮይኑ ዕለት 25 ግንቦት እቲ ቅነ ይሴባሕ ዘቕርቦ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክንኻን ዝድግፍ መርሓ ግብሪ ብወግዒ ክቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

19 May 2021, 08:36