ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ሳዕቤን ለብዒ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ሳዕቤን ለብዒ 

ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ሳዕቤን ለብዒ

ነቲ ዝነበረ ዝሓደሰን ዝተወሰኾ ሓጋጊ ጽሑፋትን ምልስ ቢሎም ከሊሶም ክእረም ዘለዎን ከምዘመላኸቱን እቲ ቅዋም ንተወሳኺ ሓሳብት ክፉት ገይሩ ዝሓደጐ ንድፈ ጽሑፍን ኣረኣእያታቱን መሰረት ገይሩ እውን ከምእተመያየጠ

ዕለት 6 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘት ከምእተኻየደን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መምርሒ ዝኸውን ነቲ ዝነበረ ዝሓደሰን ሓደስቲ ዓንቀጻት ዝተወሰኾን ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ምልስ ቢሉ ዝተመልከተን ንገሊኡ ሓጋጊ ጽሑፋት ዝኣረመን እውን ምንባር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 6 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ነዚ ለብዒ’ዚ ንምብዳህ ዝተደንገገ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ መሰረት፥ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባኡ ብመረብታዊ ውሕዘት ከምዘካየደ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት ኣባላት ከካብ ሃገሮም፥ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ብጹዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦምለይን ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉን ካብ ሃገረ ቫቲካን ከኣ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ በርተሎን ናይቲ ናይ ብጹዓን ካርዲላት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከኣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መንበሮም ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ ኣኼባ ከምእተሳተፉ ገሊጹ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝስምዕዎ ቃለ ሰላምታ ተበጊሱ፥ ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ከባቢኡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ስዒቡ ዝተኣታተወ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላውን ነዚ ጽንኵር ኩነት’ዚ ኣብ ምብዳህ ግደ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዝን ብፍላይ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብን እተቕርቦ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምይይጥ ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ኣስዒቡ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት ኣብ መጻኢ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን  ኣብ ስራሕ ዝውዕል ሓዋርያዊ ቅዋም፥ ነቲ ዝነበረ ዝሓደሰን ዝተወሰኾ ሓጋጊ ጽሑፋትን ምልስ ቢሎም ከሊሶም ክእረም ዘለዎን ከምዘመላኸቱን እቲ ቅዋም ንተወሳኺ ሓሳብት ክፉት ገይሩ ዝሓደጐ ንድፈ ጽሑፍን ኣረኣእያታቱን መሰረት ገይሩ እውን ከምእተመያየጠን ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ሰነ ንቐጻሊ ኣኼባ ብዝተወስደ ቆጽራ እቲ ዓውደ ኣኼባ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 May 2021, 09:03