ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት፥ መጽሔት ምዃኑ ክንየው መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት፥ መጽሔት ምዃኑ ክንየው መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት፥ መጽሔት ምዃኑ ክንየው መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ

በቲ ናይቲ መጽሔት ሕትመት ብቋንቋ ጣልያንን እንግሊዝን ፈረንሳን ሩሲያን ቻይናን ኮርያን ጃፓንን ኣቢልኵም ናብ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብ ትበጽሑ። ነቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ናይ ስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመቱ ብምብጋሱ ኸኣ ቝጽሪ ኣንበብቱ ክብ ተብሉ

Civiltà Cattolica - ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ናይ ስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመቱ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምልዋጥ ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዳግም ከምእተበገሰን ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናደኢ ጨንፈር ቋንቋ ስፓኒሽ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ብዓይነቱ ፍሉይ እዩ”፡ ብዝለዓለ እውን መንፈስን ቀልብን ዚምግብ ናይ “ማሕበራውነትን ፍልጠትን” ተመክሮ እዩ” ከምዝበሉን፡ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ብስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመቱ ምስ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምልዋጥ ቅዱስ ኢግንዚዮ ዘሎዮላ ብምትሕሓዝ ዳግም ምብጋሱ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐቢሎም እቲ ብስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመቱ ኣንበብቲ ካብ 12 ሃገራት ዝተዋጽኡ ከምዝኾኑን እቲ ሕትመት ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ መጋበሪያ ዝዝርጋሕን ንንባብ ዝበቕዕን እውን ከምዝኾነን ናይዚ ናይ ስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመት ጉዳይ ዝኸታተል እውን ኣብ ሮማ ጐደና ቪላ ማልታ ኣብ ዘሎ ናይቲ ማሕበር ቤት ብዝቐመጡ ኢየሱሳውያን ካህናት ኣሰናዳእነት ዝቐርብ ከምዝኾነን ናይ ስፓኒሽ ቋንቋ  ሕትመቱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እውን  www.laciviltacattolica.es ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ቋንቋ ስፓኒሽ ናይቲ ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ሻምናይ ቋንቋ ክኸውን እንከሎ ካብ 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣቋሪጹ ከምዝጸንሔ እውን ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ እቲ ዓቢይ ብድሆ እምበር ብናጻ ብዝወሃብ ወፈያ ጥራሕ ዝድገፍ ምዃኑ እዩ” እንክብሉ እውን ቅዱስነቶም ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ

መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ዳግም ንዘጀመሮ ሕትመት ብቋንቋ ስፓኒሽ ዝስምዓኒ ሓጐስ እገልጽ እንቋን ሓጐሰና እብል፡ እቲ መጽሔት ብዓይነቱ ፍሉይ እዩ እዚ ዘብለኒ ኸኣ እቲ መጽሔት ካብ ዝብገስ መበል 170 ዓመት የቑጽር ስለ ዘሎ ጥራሕ ኣይኮነ። ካብ መጽሔት ንላዕሊ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ኢየሱሳውያን ዘማእከለ ብሓባር ምንባርን ልልያን ምርጫን መሰረት፡ ዝሕተሙ ኣርእስታት ብሓባር ብዘስተውዕሉን ናይ ጸሓፍትን ደረስትን ተቕዋም እውነተይና ናይ መንፈሳውን ማሕበራውን ቀልባውን ተመክሮ ስለ ዝኾነ እዩ።

በቲ ናይቲ መጽሔት ሕትመት ብቋንቋ ጣልያንን እንግሊዝን ፈረንሳን ሩሲያን ቻይናን ኮርያን ጃፓንን ኣቢልኵም ናብ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብ ትበጽሑ። ነቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ናይ ስፓኒሽ ቋንቋ ሕትመቱ ብምብጋሱ ኸኣ ቝጽሪ ኣንበብቱ ክብ ተብሉ፡ ኣብ ሓድስቲ ብድሆታት ኣስተንፍሶ እውን ይገብር። ካብ 21 ሃገራት ቋንቋ ስፓኒሽ ዝዛረቡ ኣንበብቲ ኣብ ቅድመዅም ኣለዉ። ከም ግሩም ኢየሱሳውያን ኣብ ናይ ጴጥሮስ ጀልባ ኮይንኩን ነቲ ጀልባ ኣንቀሳቕስዋን ንቕዲሚት ክትብሉ እዕድመኵም፡ ንኣምላኽ ኣብቲ ዝርከበሉ ቦታ ድልዩ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ነታ ናብ ግብርን ፍትሕን እትትርጐም ሓቂ ኣብ ዝጠመዩን ዝጸምኡን ሰባት ድለይዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፍልስፍናውን ስነ ምግባራውን ነጸብራቕ ሕዝብታት ስፐይንን ላቲን ኣመሪካን ከምኡ እውን ካሪብያን ኣብ ባህሎምን ኣብ ዓውዲ ስነ ፍልጠትን ስነ ጥበብ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታቶምን እናድዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ምስትንታንኵም ንወንጌል መንግስቲ ኣምላክ ንዅሎም ደቅስብ ከም ምንጪ ድሕነት ገይርኩም እተቕርቡ ኩኑ።

ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዕለት 20 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብጋሴ ዓመት ኢግናዚዮ!

እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 May 2021, 15:36