ፍራንቸስኮ፥ ሸውዓተ ዓመት ናብ ዘላቒ ናይ ሕይወት ኣገባብ ንምብጻሕ

እዚ ጉዕዞ እዚ ንገዓር ምድርን ድኻታትን እናሰማዕና ብሓባር እንስዕቦ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ናይ ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ መርሓ ግብራዊ መስርሕ ብጹጽ ዝብገስ ከምዝኾነን እዚ ናይ ሸውዓተ ዓመት መስርሕ

ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዓመት ይሴባሕ ዝዛዘመሉ ዕለት ምኽያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ግንቦት ናይ ይሴናሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ መርሓ ግብሪ መስርሕ ብወግዒ ክቐርብ ምዃኑ ዕለት 23 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርብዓት ቅዱስ  ጴጥሮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብዘፈላለዩ መደባትን ንጥፈታትን ኣብ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንዝተሳተፉን ኵሎም ዕለት 24 ግንቦት ዓመት ይሴባህ ዝዛዘመሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር ምስጋና ኣቕሪቦም ንዅሎም ነቶን ናይ ዘፈጥረት ወንጌል ንምስፋሕን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ዘነቓቕሑ ዕለት 23 ግንቦት ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ክቕበሉ እያቶም” ቢሎም ናይታ ዓዋዲት መልእኽት ተግባሪ መርሓ ግብራዊ መስርሕ ክቐርብ ምዃኑ እውን እንከዘኻኽሩ፥

እዚ ጉዕዞ እዚ ንገዓር ምድርን ድኻታትን እናሰማዕና ብሓባር እንስዕቦ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ናይ ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ መርሓ ግብራዊ መስርሕ ብጹጽ ዝብገስ ከምዝኾነን እዚ ናይ ሸውዓተ ዓመት መስርሕ እዚ ኣባይቲ  ስድራን ማሕበረሰብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኣባይቲ  ሕክምናን ትካላትን ጉጅለታትን ምንቅስቓሳትን ውድባትን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ተቕዋማትን ሓድሽ ናይ ሕይወት ኣገባብ ሓላፋ ንኽብሉ ዝድርኽ እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ሸውዓተ ዓመት መርሓ ግብራዊ መስርሕ

ዕለት 25 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባህ ዓውዲት መልእኽቲ ዝተኻየደ ዓመት ይሴባህ ኣብ ዝዛዘመሉ ዕለት ናይ ኵለንተናዊ  ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ይሴባህ ዓውዲት መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ንሸውዓተ ዓመት ዝገልግል ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዘብቅዕ ፍልዩ መርሓ ግብራዊ መስርሕ ዘላልይ ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

24 May 2021, 14:59