ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሊባኖስ ይጽልዩ፥ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ቫቲካን ዛዕባ ሊባኖስ ዝመክር ጉባኤ

ዕለት 1 ሓምለ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ቀንዲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸብ እየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታንን ከምኡ እውን ሰላምን ርግኣትን ንኽጽገው ብሓባር ክንጽሊ ኢና፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ቄድሮስ ዘሎ ዘሰክፍ ህልው ኵነታት ዘኪሮም፥ ምስ መላእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጾምን፡ ኣስዒቦም እውን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 29 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብጽእና ንዝኣወጀትለን ሰለስተ ኣለይቲ ሕሙማን ኣባላት ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ተወለደቲ ስፐይንን ዕለት 30 ግንቦት እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዑ ዝዝከርሉ ዕለት እውን ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ንጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቄድሮስ ሰላምን ርግኣትን ክርከብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ኣባይቲ ክርስቲያን ልኡኻን ክራኸቡን ብሓባር ክጽልዩን ምዃኖም ይገልጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑን እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣቃልቦ ኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሓን ዝሰሓበ ከምዝኾነን እቲ ዘጨንቕ እውን እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝተሓላለኸ ኵነታት እውን እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝተራእየ ግጭት እውን ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ከባቢ ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚህ እቲ ዝጸውዕዎ ዓውደ ኣኼባ ነዚ ዅሉ ምትሕልላኻት ኣማእኪሉ ዝመክርን ዝጽልን ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ሊባኖሶ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት እውን መንግስቲ ሃገሮም ንምቛም ኣብ ዘሰማምዕ ባይታ ክበጽሑ ብዘይ ምኽኣሎም ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋን እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው እውን ናብቲ ብዝተፍለለይ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጥቃዕ ዘሎ ሕዝቢ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ንዝካየድ ጻዕሪ ኣብ ምስንኻል ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ዝስማዕ ዘሎ ሓቂ እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ዅሉ ድሕረ ባይታ ገይሮም፥

ዕለት 1 ሓምለ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ቀንዲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸብ እየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታንን ከምኡ እውን ሰላምን ርግኣትን ንኽጽገው ብሓባር ክንጽሊ ኢና፡ እዚ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ነታ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ሓሪሳ እትኽበር ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ነማላድነታ እወክፍ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ድማ ነዚ ፍጻመ እዚ ንምድላውን ነታ ፍቕርቲ ሃገር ዝያዳ ህድኣት ዘለዎ መጻኢ ውሑስ መታን ክኸውን ብጸሎት ከተሰንዩና እምሕጸን፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ተባዓት ደቀንስትዮ መሰኻኽር እምነት

እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝሓበሩ ኵሎም፡ ምእንቲ እተን ዕለት 29 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን  ብጹዓን ስለ ዝበለተን ተወለደቲ ስፐይን ሰለስተ ኣለይቲ ሕሙማን ኣባላት ቀይሕ መስቀል መሰኻኽር እምነት፥ ንማርያ ፒላር ጉሎን ይቱሪጋን ኦክታቪያ ኢግለሲያ ብላንቾን ኦልጋ ፕረዝ ሞንተሰሪን ኑኘዝን፥ “ሓጐስና ብጥቓዒት” ንግለጽ ቢሎም፥

እዘን ሰለስተ ተባዓት እንስቲ እዚኣተን ሕያዋይ ሳምራዊ ኣሰር ሕይወተን ገይረን ነቶም ብውግእ ዝደምዩን ዝቖስሉን ንዝነበሩ ኣብ ስቓዮም ከይሓደጋ ብዘይ ወገነይ ወገንካ ገዛእ ርእሰን ብምልኣት ዝወፈያ፥ ሕይወተን ንሓደጋ ኣቃሊዔን ናይ ደም ሰማእትነት ዝኸፋላን፡ ስለ እቲ ወንጌላዊ ምስክርነተን ንጐይታ ነመስግን፡ ነዘን ሓደስቲ ብጹዓን ነጣቕዓለን!

ቢሎም፡ ኣስዒቦም እውን፥

ስለ እቶም ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዑ ንጸልይ

ዕለት 31 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዑ ህሙማን ዝዝከርሉ ዕለት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ “እግዚኣብሔር ሱታፌን ሓድነትን ቅርበትን ደኣ እምበር ጽምዋ ኣይኮነ”፡ ከምቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 26 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝበልዎ፥

ነቶም ህሙማን ኣሕዋት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምሕጋዝን ስቓዮም ንምእላይን ምእንቲ ዝግበር ጻዕርን ዝሳለጥ ዘሎ ኵሉ ተበግሶታትን አምስግ፥

እንክብሉ ከምዘቃለሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ኰሎምቢያ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅድሚ ምፍናዎም፥ ህልው ኵነታት ሃገረ ኰሎምቢያ እውን እናሓሰቡ፥

ካብ ሮማን ካብ ኢጣሊያን ካብ ወጻእን ንዝመጻእኩም ኣብዚ ጸሎት ንዝሓበርኩም ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም ፡ ካብ ካናዳን ኰሎምቢያን ዝመጻእኩም ከምዘለኹም እርእይ ኣለኹ. . . ምእንቲ ኰሎምቢያ ሓደራ ንጸልይ፥ ካብ ፖላንድን ካብ ካልኦት ሃገራትን ንዝመጻእኵም ኵላትኩም ሰላምታይ አቕርበልኵም፡ ብፍላይ ካብ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ሓለውቲ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዝመጻእኩም ንምስጢረ መሮን እትሰናደዉ ንዘለኹምን መንፈሳዊ ንጋዶ ፖላንድን ናብቲ ዓቢይ ፓይካርይ ስላስካይ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንእትነግዱን ነቶም ናይ ቅድስቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም መንእሰያትን ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

31 May 2021, 23:27