ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሰላም ክሰፍን ጻውዒት የቕርቡ

እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ህልው ኵነታት ብዓብይ ሻቕሎት እከታተሎ ኣሎዅ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ገማግም ጋዛን እስራኤልን ብርቱዕ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭት ብዙሓት ሰባት ይቖስሉን ብዙሓት ንጹሓን እውን ይሞቱን ኣለዉ፡ እናበኣሰን ናብ ሞትን ዕንወትን የብጽሕ ኣሎ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሕጻናት እውን ከምዝርከብዎምን እዚ ኸኣ ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ

ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ዓመጽ “ኣዚዩ ከምዘሻቕሎምን” እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣጽዋር ውግእ ደው ንኽብልዎ ተላብዮም፡ ኣብ ከተማታት እስራኤል እቲ ኣብ መንጐ ዓረብን ኣይሁዳውያንን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከምዘሰክፎምን መቕተልቲ ሕጻናት “ዘይቅብሉ” እዩ እንክብሉ ዝስምዖም ሓዘን ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ጉጅለታት ከምኡ እውን ነቶም ድምጺ ኣጽዋር ደው ንምባል ሓላፍነት ዘለዎም ልባዊ ምሕንጽታ ኣቕሪቦም፡ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን መገዲ ሰላም ከናድዩ መታን ኵሉ ኽጽሊ ዕለት 16 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ተማሕጺኖም፥

እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ህልው ኵነታት ብዓብይ ሻቕሎት እከታተሎ ኣሎዅ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ገማግም ጋዛን እስራኤልን ብርቱዕ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭት ብዙሓት ሰባት ይቖስሉን ብዙሓት ንጹሓን እውን ይሞቱን ኣለዉ፡ እናበኣሰን ናብ ሞትን ዕንወትን የብጽሕ ኣሎ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሕጻናት እውን ከምዝርከብዎምን እዚ ኸኣ ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ፡ ናይዞም ሕጻናት ሞት መጻኢ ክንሓንጽ ናይ ዘይምድላይን መጻኢ ናይ ምዕናውን ምልክት እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነት ዘድምይ ግጭት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ግጭት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ እውን ብምዃኑ ብዙሕ ከምዘሻቕሎም እንክሕብሩ፥

ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ኣብ እተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝርአ ዘሎ ጽልእን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ እቲ መንጐ ዜጋታት ዘሎ ሓድነትን ሰላማዊ ህላወን ከቢድ መጉዳእቲ እዩ፡ ንዘተ በሪ እተድኣ ዘይተኸፈተ እቲ ዝርአይ ዘሎ ኵነታት ንምሕዋዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን፡ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ናበይ ኢዩ ዚመርሕ? “እቲ ንዅሎም ደቅሰብ ብመሰላትን ክብረትን ማዕረ ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ንኺነብሩ ድማ ይጽውዖም” (ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲት መልእኽቲ ረኣ)፡ ኵሉ ክሃድእን እቶም ነቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ ድምጽታት ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ዘለዎም ነዚ ሩምታ ኣጽዋር ውግእ’ዚ ደው ኣቢሎም ብሓገዝ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ናብ መገዲ ሰላም ንኸብሉ ጻውዒት አቕርብ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መገዲ ሰላም

ቅዱስነቶም ብፍላይ ምእንቲ እቶም ናይቲ ግጭት ኣደዳ ዝኾኑ ክጽለይ እንክማሕጸኑ፥

እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ናይ ዘተን ምሕረትን መገዲ ከናድዩን ዕጉሳት ሓነጽቲ ሰላምን ፍትሒ ንኽኾኑ ደረጃ ብደረጃ ናብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንኸብሉ ክፈቕዱን ክፉታት ንኽኾኑን ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ሓባራዊ ናብራ ከይብተኽ ብዘይ ምቑራጽ ንጸልይ፡ ምእንቲ እቶም ግዳያት ብፍላይ ምእንቲ እቶም ሕጻናት ንጸሊ፡ ምእንቲ ሰላም በማላድነት ንግስተ ሰላም ንጸልይ፡ ሰላም ነዓኺ . . .

ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነው ኣፍሊጡ።

እቲ ግጭት ይቕጽል

ካብ ጋዛ ሽርጥ ናብ እስራኤል ዝፍነው ተወንጫፍን ካብ እስራኤል እውን ብርቱዕ መጥቓዕቲ ይፍነው ከምዘሎን ክንገር እንከሎ፡ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ወሃቢ ቃል እቲ ዓመጽ ካብ ዝጅመር ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል 2,900 ተወንጫፊ ከምእተተኾሰን ካብቲ ዝተተኾሰ እቲ 1,150 ብጸረ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዝፈሸለ ክሕብሩ እንከለዉ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ክውገድ ኪደት ስነ ሜላዊ ሃገራት

ዕለት 16 ግንቦት ንጐሆ ናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ጉባኤ ህልው ኩነታት ሰርጥ ጋዛ መርሚሩ ዝመዓራረ መልሲ ንምሃብ ዘብቅዕ ኣገባብ ዝሕጽጽ ኣኼባ ከምዘካየደ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ሃድይ ኣምር ምስ ናይ እስራኤል ሚኒስትር ሓይሊ ምክልኻል በንይ ጋንትዝ ከምእተራኸቡን፡ ናይቲ ርክብ ዕላማ እውን ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንተመሳሳሊ ሸቶ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳያት ሓላፊ ጆሰፕ ቦረል ንዕለት 18 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትራት ዋዕላ ከምዝጸውዑን ነቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ግዳያት ዝገብር ዘሎ ግጭት ንኽውገድ ዝድግፍ መስርሕ ንምልላይ ኣሚቱ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ኣኼባ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

19 May 2021, 08:40