ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገዓር ሰማዒ ክረክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገዓር ሰማዒ ክረክብ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገዓር ሰማዒ ክረክብ

ኣብ እዋናዊ ዓለም ተመዛበልትን ስደተይናታትን እንታዎት እያቶም፡ ተሰኪሞምዎ ዝጓዓዙ ታሪኾምን ዘጓነፎም መዓንት እንታይ ይመስል? ብቐዳምነት ካብ ውግእን ኣሳዶን ዘምልጡ እያቶም፡ ከምቲ ኣብቲ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ዝበልዎ፥ ውግእን ኣሳዳዶን ካብ ቀደም እናገደደን እናሰፈሔን እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡

ስደትን ውግእ ጥምይትን ድኽነትን ለብዒ-ኮቪድ 19ን ናይ እዋንና ዓበይቲ ብድሆታት፡ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ዓለም ናብተን ሃብታማት ሃገራት ገጾም ንኽስደዱን ብዙሓት እውን ኣደዳ ስቓይን መከራን ሞትን ዝዳርጉ ምዃኖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ዋና ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ ተቐብሎም ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1950 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት፡ ካብ ቀደም ሎሚ ንጥፈታቱ ክብ ከብል ዝድርኾ ናይ ሕዝብታት ኵነት የጋጥሞ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ውድብ’ዚ ካብ  ውግእን ጥምየትን ኣሳዶን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ብፍላይ ካብ ድኻታት ሃገራት ንዝስደዱ ዘቕርቦ ድጋፍ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን፡ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ንምእላይን ንሰብኣዊ ክብሪ ዝበረኸ እንገዳ ክረኽቡን ዘኽእል መደባት ብምዝርጋሕ የገልግል ከምዘሎ ናይዚ ውድብ ዋና ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 16 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ኣብ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ፊሊፖ ግራንዲ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ ህልው ኵነታት ዓለም’ዚ እቲ ውድብ ነቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑን ዝስደዱን ዝመዛበሉን ብውግእን ዓመጽን ኣሳዶን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝቃልዑን ዘቕርቦ ሓገዝ ወሳንን ኣገዳስን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ እዋናዊ ናይ ፖለቲካ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘጋጥም ጸገም ኩሉ በህላኽ ፖለቲካ ካብ ምንባብ ተቖጢቡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ፥ ሰብኣዊ እንገዳ ቀዳምነት ክህብሉ እዩ ዝግባእ፡ ካብ ደቡብ ዓለምን ካብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዝስደዱ ንምእንጋድ ዘኽእል ፖለቲካ ኣብ ኤውሮጳ ክህሉን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ውድብ ነዚ ክብሪ እዚ ንምስፋሕ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎ እውን ኣመላኺቶም፡ ምስቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ለበዋ ዝሰማማዕ ውድብ እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋናዊ ዓለም ተመዛበልትን ስደተይናታትን እንታዎት እያቶም፡ ተሰኪሞምዎ ዝጓዓዙ ታሪኾምን ዘጓነፎም መዓንት እንታይ ይመስል? ብቐዳምነት ካብ ውግእን ኣሳዶን ዘምልጡ እያቶም፡ ከምቲ ኣብቲ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ዝበልዎ፥ ውግእን ኣሳዳዶን ካብ ቀደም እናገደደን እናሰፈሔን እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ጸገማት እዚኣቶም እውን ካልኦት ድኽነትን ጥምየትን ምዝባዕ መሓድሮን ዝፈጥርዎ ስደትን ምዝብልናን ኣሎ፡ ስደተይናታት ኣብ ዝኣትዉለን ሃገራት እውን ንዝተፈላለየ ጸገም ክቃልዑ ትርእይ።

ዓለም ምስቶም ተኣፋፍያንን ድኻታትን ክዝትይ ዘጸግሞ ዘለዎ ይመስል? ንናይዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ጸገም ጸማምን ዘይግደስን ኣቃልቦኡ ዘዘንበለን ዓለም እዩ ዘጋጥሞ፡ ዝገደደ እውን ነዚ ሰብኣዊ ጸገም እዚ ከም መጋበርያ ፖለቲካን ኣብ ኣዋን መረጻ ድምጽን ስልጣንን ንምርካብ ዝጥቀሙሉ እውን ኣለዉ፡ ክውላትና ኣሕዋት ብዝብል ብመልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣቢልና ክንነጽጐ ዝግብኣና ጉዳይ እውን ንሱ እዩ፡ ከምቲ ዝብልዎ ብሓድነት ደቂሰብን ብሕውነትን ክንቃወሞ ዝግብኣና ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ብሩህ መጻኢ ኣሚቶምን ተስፋ ሰኒቖም እያቶም ዝስደዱ . . ካብ ጸገም ኣምሊጦም ምስ ካልእ ጸገም ስለ ዝራኸቡ፡ እቲ ዝሰነቕዎ ተስፋ ምስቲ ዘጓንፎም ኵነት ዘይራኸብ ኮይኑ ይረኽብዎ፡ ሓለዋን እንገዳን ከይረኸቡ ክተርፉን . . . መሊሶም ንኻልእ ስደት ክቃልዑን ተመሊሶም ኣብ ኢድ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኢድንኽወድቁ ይግደዱ፥ ስለዚህ ናይቶም ስደተይናትትን ተመዛበልትን ጸገም ዝመዓራረዮ መልሲ ምቕራብ ንገዛእ ርእሱ ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ኪደት ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገተ ኣብ 1950 ዓ.ም. ዝተወልደን ኣብ 1954 ደሓር እውን ኣብ 1981 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን በቒዑ እዩ፡ ድሕሪ 70 ዓመት ቅዋሜኡ ሎሚ ኣገልግሎቱ ወሳኒ ኮይኑ እዩ ዝረአይ . . . ዓለም ኣይተቐየረን ወይ ኣይተመሓየሸን ማለት እዩ? እዚ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ውድብ ክቐውም እንከሎ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል ተባሂሉ እዩ ዝቖመ፡ ሎሚ 70 ዓመት ቅዋሜኡ የቑጽር ኣሎ። ለምዘበን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ናይ ውሳኔ ሰነድ ካብ ዝሕንጸጽ መበል 70 ዓመቱ ከብዕል እዩ፥ ድሕሪ ሰብዓ ዓመት እቲ ሰነድ እዋናውን ኣገዳስን ኮይኑ እዩ ዝርአይ ዘሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 April 2021, 22:52