ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

ናይታ ሃገር ኵሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ውድባትን ንናይ ሃገሮም ድማዕ ኣበርቲዖም ክዓዩ ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

“ሊባኖስ ናብ ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ሃገር ምዃና ዳግም ትመለስ”፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ሊባኖስ መራሔ መግስቲ ሳዓድ ሓሪሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድው ክሌኣዊ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥ ሊባኖስ መራኸቢትን ናይ ሓባር ናብራን ብዝሓነትን መሬት ኣብ ምዃና ንቕድሚት ትበል ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ሳዓድ ሓሪሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ምይይጥ ቅዱስነቶም ሊባኖስ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ እተሕልፎ ዘላ ጸገምን ዘይርግጹነትን ጠቒሶም ናይታ ሃገር ኵሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ውድባትን ንናይ ሃገሮም ድማዕ ኣበርቲዖም ክዓዩ ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ዝፈቅድ ኵነታት ምስ ዝህሉ ኣብ ሊባኖስ ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ድላይ ገሊጾም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ በቲ ምርኻብን ሓባራዊ ናብራን ብዝሓነትን ዝብል ናይታ ሃገር ጸዋዕታ ብዝሓነትን ፍልልያትን ካብ ድኽመት ናይ ዝተዓርቀ ህዝቢ ብርታዔ ክኸውን መታን ድጋፉ ከቕርብ እውን ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

23 April 2021, 15:01