ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖላንድ ቤተ መቕደስ መለኰትዊ ምሕረት 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖላንድ ቤተ መቕደስ መለኰትዊ ምሕረት 2016 ዓ.ም. 

እንነብረሉ ዘሎና እዋን እዚዩ ምሕረት ዘድልዮ እዩ

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይዚ መዋእል ወለዶን ከምኡውን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝዩድ ውጽኢታዊ ብርሃን ንምብጻሕ ንመልእኽቲ ምሕረት ዳግም ተንብቦ፡ ብዘይ ምቁራጽ ብቐጻልነት ንኹሎም ሰባት ምሕረት እግዚኣብሔር ትምህለል

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መላእ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ተልእኾኦም ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ክማኣከል ከምዝገበሩን ብፍላይ ኣብ 2000 ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ከምዘዘወድዎን ካልኣይ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ከምዝወሰኑን እቲ ካልአይ ዓዋዲ መልእኽቶም እውን ኣብ መለኰታዊ ምሕረት ዘማእከለ ክኸውን ከምዝገበሩን መለኰታዊ ምሕረት ድሕሪኦም ኣብ ዝመጹ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዚዩ ዝተቓልሔን ህልውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካልኣይ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ዓመታዊ ክብረ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፥ ለምዘበን እዚ በዓል እዚ ዕለት 11 ሚያዝያ ዝተባዕለ ኮይኑ፥ . . .

ኣብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘማእከለን ከም ውልቅን ከም ቤተ ክርስቲያንን ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 18-19 “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ”። ብዝብል መንፈስ እነብዕሎ በዓለ መለኰታዊ ምሕረት እዩ፥ ኣብዚ በዓል እዚ ንኽሓብሩ ዝመጹ ካህናትን ምእመናንን በቲ ንኢየሱስ ዘምሕረት ዘለኩም ኣምልኾ ሓጐስ ይፈጥረለይ ኣብ ሕይወትኵምን ዕዮዅምን ኣገልግሎትኵምን ከም ፋውስቲና ኵኣልስካ ንመለኰታዊ ምሕረት ኣብ ዘለኵም ኣምልኾ እተባብዓኩም።

ነዚ ዝበሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 7 ሰነ 1999 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መላእከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ . . . ነቲ ፋውስቲና ክዋላስካ ዝተቐበለቶ ግልጸት ኢየሱስ ዘምሕረት ጠቒሶም፥

. . . ናይ እናቴ ፋውስቲና ክዋላስካ ምስክርነት ዘምሕረት ንእዋንና እዚዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ታሪኽ ናይታ ተወላዲት ፖላንድ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ 20 ክፍለ ዘመን ዝተኣሳሰረ እዩ . . . እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ኢየሱስ ናይ ምሕረት መልእኽቱ ከተብጽሕ ሓረያ . . . ኢየሱስ ኣብ ግልጸቱ ‘ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ መለኰታዊ ምሕረት ብእምነት ክሳብ ዘይተማሕጸነ ሰላም ኣይክረክብን እዩ’ ከምዝበላን . . . እዚ ፋውስቲና ክዋላስካ ዝተቐበለቶ መልእኽቲ ምሕረት ሓድሽ እውን ኣይኹን ኢየሱስ ብኣኣ ኣቢሉ ወንጌል በዓለ ፋሲካ ምሉእ ብምሉእ ንኽንነብሮን ኣብ እዋንና ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጣረት ንኽንምስክሮን የተሓሳስበና . . .

ዕለት 30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም. ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ (Domenica in Albis) ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንእናቴ ፋውስቲና ክዋልስካ ብጽዕና ኣብ ዝኣወጅሉ ዕለት፥ ኣብ 1941 ዓ.ም. ኣብ ላጋውንስኪ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ ቅመማ ፋብሪካ ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ፋውስቲና እትነብረሉ ኣብ ዝነበረ ገዳም ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብምኻድ ይጽልዩ ከምዝነበሩን ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዞም መለኰታዊ ምሕረት ናይ ሕይወቶም መንፈሳውነት ማእከል ከምዝገበርዎ ገሊጾም . . . ከም ር.ሊ.ጳ. እውን ኣብ 1980 ዓ.ም. Devis in Misericordia - ብምሕረት ሃብታም (ኤፈ. 2,4) ብዝብል ኣርእስቲ ካልአይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝደረሱን ኣብ 1992 ዓ.ም. ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ክበዓል ከምዝወሰኑን ኣብ ወርሒ ሰነ 1997 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ፖላንድ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ናብቲ ጥቓ ከተማ ክራኮቪያ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘምሕረት መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይዚ መዋእል ወለዶን ከምኡውን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝዩድ ውጽኢታዊ ብርሃን ንምብጻሕ ንመልእኽቲ ምሕረት ዳግም ተንብቦ፡ ብዘይ ምቁራጽ ብቐጻልነት ንኹሎም ሰባት ምሕረት እግዚኣብሔር ትምህለል፡ ብፍላይ ኣብዚ ወሳኒ ታሪኻዊ እዋን’ዚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እቲ ንደቂሰብ ጾር ዚኾኖምን ዜስግኦምን ዝተፈላለየ ዓይነት እንከይ እናሃለወ ናብ ምሕብረት እግዚኣብሔር ዝግበር ጸሎት ልመና ክትርስዖ ዘይከኣላ እዩ፡ ሰብኣዊ ሕልና ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ምሩኽ ኣብ ዝኾነሉን ትርጉም ምሕረት ኣብ ዘጥፍኣሉን ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝርሕቐሉ ዘለሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን ንምሕረት ኣምላኽ ብብርቱዕ ገዓር ክትምህለሎ ዝያዳ መሰልን ግዴታን ኣለዋ (ብምሕረት ሃብታ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 15 ረኣ)። ምእንቲ እዚ እውን ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደተይ ኣብ ቤተ መቕደስ መለኰታዊ ምሕረት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሻቕሎት ንምሕረት ክርስቶስ ንኸወክፍ ምብጻሕ ዘካየድኩ . . .  ኢየሱስ ኣባኻ እኣምን ዝብል ተኣምኖት መሰረት ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኸወክፍን!

ከምዝበሉን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መላእ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ  ጴጥሮስ ኣገልግሎቶምን ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ደላይነት ምሕረትን ንመለኰታዊ ምሕረት ከምዘወከፉ ነስተውዕል።

ፒዮስ መበል 12 ኣብ 1949 ዓ.ም. በዓለ ልደት፥

ስለዚ ኣብዛ ናይ ጸጋ ዓመት እዚኣ ፍልዩ ጸጋ ንኽረክብ ሃረር ንብል . . . ጸጋ እግዚኣብሔር ንዅሉ ነቲ ማኣለያ ዘይብሉ ሕዝብን ርሑቕን ቀረባን ንዘለዉን ኵሎም . . . መለኮታዊ ምሕብረት ንኹሉ ውስንነት ሰጊሩ ናብ ኵሉ ክበጽሕ መታን ንዅሎም ደቃትናን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ናይ ሓባር ኣቦ ከይነጉህይ ናብ ሰማየ ሰማይ ብተስፋ ኣእዳውና ሓፍ ነብል።

ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2006 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ክልተ ምስጢራት እቲ ሓደ ተኣፋፍነት ሰብኣዊ ፍጥረትን እቲ ካልኣይ ከኣ መለኰታዊ ምሕረትን እንክብሉ ገሊጾም፥ መለኰታዊ ምሕረት ክንየው ኵሉ ውስንነት ምዃኑ እንከብርሁ፥

ኣብዚ ኵነት’ዚ ክልተ ምስጢር እዩ ዘጋጥመና እዚ ኸኣ ምስጢር ስቓይ ፍጥረት ኣዳምን መለኮታዊ ምሕረትን እዩ፡ ብደገ ክትርእዮ እንከለኻ እቲ ክልተ ምስጢር ንሓድሕዱ ዝጻረር እዩ ዝመስል ንናይ ክርስቶስ መስቀል ምስጋና ይኹኖ ብናይ እምነት ብርሃን ከነዕምቖ ክንጽዕር እንኰለና ግና ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ ነስተውዕል፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 12 ሚያዝያ 1968 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሰዩም ድሕሪ ዝተኻየደ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥

ድሕሪ እቲ ዝፈጸምናዮ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ልክዕ ከምቲ ንኢየሱስ ዝኸደዖ ተስፋ ቆሪጽና ገዛእ ርእስና እናወቐስና ክንከይድ ድዩ ዝግብኣና? ኣይፋሉን! እቲ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ዘደንቕን ዘጸናንዕን ሞት መድሓኒና ብልክዕ ሃብትና ምዃኑን ብሓጐስን ብፍቕርን ዝመልኣና ከምዝኾነ እዩ ከነስተብሃለሉ ዝግብኣና። ኢየሱስ ዝሞተ ብኣና ስለ ዝተቐትለ ጥራሕ ዘይኮነ ምእንታና እውን እዩ ሞይቱ፡ ንሱ ኣብ መስቀል ሞይቱ ኣድሓነና፡ ስቅያቱን ሞቱን ምእንታና እዩ፡ . . . ዕርክነት ምስ እግዚኣብሔርን ቅዱሳት ምስጢራትን ካብቲ ካብ መስቀል ዝውሕዝ  ምንጪ ዳግም ምውላድናን ሓጐስናን እዩ። . . . ስለዚ መስቀል ውርደትን ሞትን ዘይኮይነ ትእምርቲ ዓወት እዩ፡ . . . መስቀል ክርስቶስ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ድሙቕ ትርኢት ከፊቱ እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

12 April 2021, 14:44