ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስቲ ካተሪና ዓባይ ጓለንስተይትን ኣማኒትን ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስቲ ካተሪና ዓባይ ጓለንስተይትን ኣማኒትን  (© MET)

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስቲ ካተሪና ዓባይ ጓለንስተይትን ኣማኒትን

“እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንንን ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ነዛ ንናይ ወንጌል ክብርታት መስካሪት እተዘኻኽርን ዓባይ ሰበይትን ኣማኒትን ስለ ዝጸገወና ምስጋና አቕርብ”

ዕለት 29 ሚያዝያ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየና ሓላዊት ቅድስቲ ኢጣሊያን ሓንቲ ካብቶም ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳንን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መስካሪት ዘላቒ ናይ ወንጌል ክብርታት” እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብነት ናይ ቅድስቲ ካተሪናል በዓልቲ ሲየና ብምስዓብ ናይ እምነትን ፍቕርን መሰኻኽር ብምዃን” ነቲ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ እንክብሉ ብዙሕ እዋን ዝገልጽዎ “ንምሕናጽ” ዝዕድም ሓሳብ ቅዱሱነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ናብ ናይ ሲየናን ቾለ ዲ ድኤልሳን ሞንታልቺኖን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣውጉስቶ ፓዎሎ ሎዩዲቸ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት እቲ ናይ ለምዘበን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየና ነቲ ለብዒ ንምድራት ዝተወሰነ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ብዘኸብር ኣገባብ ዝተኻየድ ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፥ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንንን ንመላእ ሰብኣዊ  ፍጥረትን ነዛ ንናይ ወንጌል ክብርታት መስካሪት እተዘኻኽርን ዓባይ ሰበይትን ኣማኒትን ስለ ዝጸገወና ምስጋና አቕርብ” ምስ በሉ፥ ለምዘበን ዝኽሪ መበል 560 ዓምት ኣዋጅ ቅድስና ካተሪና በዓልቲ ሲየና ናይ ክርስቶስ ልግሲ ሰዓቢት ኣብነትን ምስክርነትን ዕለት 4 ጥቅምቲ 1970 ዓ.ም. ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ዝብል ስያሜ ዝተወሃባ ምዃና ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም ነቶም ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየና ንዝሓበሩ ኵሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 April 2021, 23:06