ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝክረ በዓል ቅዱስ ስሞም ምስ ድኻታትን ግዳም ሓደርን

...ብፍላይ ንድኻታት ሃገራት ጸረ ኾሮና ተውህዋስ ክትባት ኣብ ምብጻሕን ንዘገልግሉ ኵሎም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ከምዘመስግሰኑ ...

ዕለት 23 ሚያዝያ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ዝኽረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጐርኸ - ጊዮርጊስ ናይ ጥምቀት ስሞም ብምዃኑ ተተሓሒዙ በዓለ ቅዱስ ስሞም ተዘኪሩ ከምዝወዓለን በዚ ናይ ቅዱስ ስሞም በዓል ምኽንያት ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ዝግመቱ ቀዳማይ ዓቐን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ዝተኸትቡ ንካልኣይ ዓቐን ክትባት ጸር ኾሮና ተህዋስ ተኣኪቦምሉ ናብ ዝነበረ  ኣብ ሃገር ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኻድ ምብጻሕ ኣካይዶም ብሓባር እቶም ግዳም ሓደርን ድኻታትን ብዘቕረብሎም መዛሙር ተሰንዮም ሓቢሮም ከምዘብዓሉን ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ እውን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፍሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 23 ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝክረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ጐርኸ ማሪዮ በርገሊዮ በዓለ መጸውዕ ስሞም ከምዘብዓሉን በዓለ ቅዱስ ስሞም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ካልኣይ ዓቐን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ንኽኽተቡ ምስ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣስታት 600 ዝግመቱ ግዳም ሓደርን ድኻታትን ዜጋታት ሓቢሮም ከምዘብዓሉን ኣብቲ ስነ ስርዓት ነቶም ድኻታት ዘሰንዩ ኣብ ሮማ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣባላት ወለንተይናታትን ደናግል ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ - ደቂ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታን ከምእተረኽቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣስታት 600 ድኻታት ካልኣይ ዓቐን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ተኸቲቦም

ዕለት 2 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.30 ኵሉ ከይሓሰቦ ነቶም ቀዳማይ ዓቐን ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ንኽክተቡ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ናብ ዝነበሩ ግዳም ሓደርን ድኻታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ምብጻሕ ከምዘካየዱን ኵሉ ብታሕጓስን ብጣቕዒትን ከምእተቐበዎምን ሓቢሩ እውን መኣዲ ቁርሲ ተቛዲሶም፡ ነቲ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ንምብዳህ ዝተሓንጸጸ መምርሒ ብምኽባር ምስ ኵሎም ተራኺቦምን መብዛሕቲኦም እውም ብታሕጓስ ይነብዑ ከምዝነበሩን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ወለንተይናታት፥ “ኣብ እተካይድዎ ጻዕሪ ንቕድሚት በሉ”

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ዝኽተቡ ዝነበሩ ግዳም ሓደርን ድኻታትን ተሰናቢቶም ንኽወጹ ነቶም ድኻታት ዝኣልዩ ዝነበሩ ብጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ዋና ኣመሓዳሪ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ንዝተሰነዩ ወለንተይናታት ድሕሪ ዘቕረብሎም ጥዑም ማህሌት ኣብቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ጻዕርታቶምን ንቕድሚት ክብሉ ተላብዮም ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖምን ብፍላይ ንድኻታት ሃገራት ጸረ ኾሮና ተውህዋስ ክትባት ኣብ ምብጻህን ንዘገልግሉ ኵሎም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ከምዘመስግሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ዝተመሓላለፈሎም ናይ ሰናይ ትምኒት መግለጺ መልእኽቲ

ቅዱስነቶም ካብቲ ምብጻሕ ዘካየድሉ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣሳራሽ ተሰናቢቶም ቅዱስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ዝርከብ መንበሮም ምስ በጽሑ ብምኽንያት መዓልቲ ቅዱስ ስሞም ሓያሎ መልእኽታት ተለግርም ከዝበጸሖምን ካብ ዝበጽሕዎም መልእኽትታት ሓደ እውን ካብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ ማታሬላ ኣብ መልእኽቶም ንቅዱስነቶም እንቋሕ ሓጐሰኩም ቢሎም ዳንተ ኣሊጊየሪ መበል 700 ዓመት ካብዚ ዓለም ዝኽረ ሕልፈቱ ምኽንያት ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመስጊኖም ነቲ ርእሰ ገጣምያን ዝኾነ ኢጣሊያዊ ናይ ሰብኣዊ ኵነት ረባሕታ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እውን ዘኪሮም ተስፋ ጉዕዞታትና የብርህ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Apr 2021, 22:47