ጉባኤ ጸደይ 2021 ዓም ባንክ ዓለምን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን ጉባኤ ጸደይ 2021 ዓም ባንክ ዓለምን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን 

ታሪኽ ንምሥራሕ ዝደጋገፍ ዓለም ምህናጽ ሓደ መንገዲ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብምኽንያት ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ብኣካል ጉባኤታቶም ከካይዱ ዘይከኣሉ ናይ ዓለምና ኩነታት ዝመዝኑን ዝዝውሩን ባንክ ዓለምን ዓለም ለኸ ማዕከን ገንዘብን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ጸደይ ጉባኤኦም የካይዱ ኣለው። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ ዝኸውን መልእኽቲ ብሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኩለንትናዊ ምዕባሌ ደቂሰባት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ተርክሰን ውክልና ኣቅሪቦም። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ‘ዓለምና ድሕሪ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ብዝበለጸ ምድግጋፍ ክተርኢ ከምኡ እውን ንዘሎና ነገራት ምስ ኩለን ሃገራትን ሕዝብን ብሓባር ምክፋል ክረጋገጽ ኣለዎ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ጉዳይ ገንዘብ ክሳብ ክንደይ ተኣፋፍን ገዛእን ምዃኑ ዘገንዘቡ ቅዱስነቶም እንተኾነ ከገልግለና እምበር ክንገልግሎ ከምዘይብልና ብዘስምዕ ቃና እዘን ክልተ ወነንትን አመሓደርትን ገንዘብ ዓለም ዝኾና ዓበይቲ ትካላት ማለት ባንክ ዓለምን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን በዚ መንፈስ እዚ ተደፊኤን ንመጻኢ ካብኦም ዝጽበይዎ ንምግላጽ ‘መጻኢና ኣገልግሎት ገንዘብ ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ኣተኲሩ ምናዳ እቶም ተኣፈፍትን ዝተገለሉን ክፍሊ ሕብረሰብና ማእከል ናይ ኩሉ ዝኾኑሉ እዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ኸኣ ዘድሊ ምክንኻን እትረኽቡ ውሕስነት ክርከብ ኣለዎ’ እንክብሉ ንመላእ ስድራቤት ዘመደ ኣዳም ክህሉ ዘለዎም ባህጊ ንተኻፈልቲ ጉባኤ ጸደይ 2021 ጉጅለ ባንካ ዓለምን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን ገሊጾም።  እዚ ራእይ እዚ ምናልባት ክብድ ክብል ይኽእል ይኸውን ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዕላማ እዚ ንምባጻሕ ሓደስቲ ኣገባባት ፈጠራን ንኩሉ ምጥቅላልን ዝመለልዪኦም ፍትሓት ሃሰስ ክበሃል ኣተሓሳሲቦም። ብቊሩባት ወነንቲ ርእሰማልን ሥልጣንን ዝውሰኑ ኣግባባት ዘይኮነ ንኩሉ ዘሳትፍ ማለት ማሕበረሰባውን ፖሎቲካውን ቊጠባውን ሱታፌ ኩሎም ክስመረሉ እውን ጸዊዖም። ምናዳ ከኣ ኣብዚ ዘሎና ፈታኒ እዋን ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብተግባር ክግበር ዘለዎ ብቅንዕና ዝተመወለን ንኩሉ ዝባጻሕን ኣገባብ ክትባት ኣብ ትሕቲ እቲ ወትሩ ረብሓ ዘቀድም ዕዳጋ ከይከውን ምቅላስ ነዚ ከኣ ክንዲ ሕጊ ዕዳግ ሕጊ ፍቅርን ሕጊ ጥዕና ንኩሉን ዝብል ክዕብልል ሓደራ ኢሎም።

ዳግመ ተበግሶ ናብ ንቡር ምምላስ ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉባኤ እዚ ብመልእኽቶም ገሮም ክሳተፉ ምኽኣሎም እሞ ከኣ ኣብቲ ዝኸይድ ዘተ ቃሎም እውን ቦታ ከምዝህልዎ ምግባሮም ብምምስጋን ብዛዕባ እዚ ኣብ ዘመንና ተኸሲቶም ዘለው ዓበይትን ነንሕድሕዶም ዝተጠናነጉን ቅልውላዋት ማሕበረሰባውን ቊጠባውን ኤኮሎጂካውን ፖሎቲካውን  ዘለዎም ሻቅሎት ብምዝኽኻር እቲ ንዳግመ ተበግሶ ክውሰድ ዘለዎ ሓደስቲ ኣገባባት ዝበልዎ ንጥቅሚ ኩሉ ዝኸውን ጭቡጥ ፍትሓት ከቅርቡ ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

“ዳግም ናይ ምብጋስ ሓሳብ ኣብቲ ዝነበርናዮ ዘይምዕሩይን ምድግጋፍ ዘይብሉን ሕይወት ቊጠባን ማህበረሰብን ብምምላስ እትዓግቦ ኣይኮነን። ከመይ ኩልና ከም እንፈልጦ እቲ ዝንበርናዮ ኩነታት ቁሩባት ሰባት ፍርቂ ሃብቲ ዓለምና ዝውንንሉ ኩነታት እዩ ዝነበረ። ስለዚ ኣብ ቊጠባ እውን ምዝታይን ምድግጋፍን ብማዕርነት ምምቅራሕን የድሊ ኢሎም።”

ኣብ ቊጠባ’ውን እንተኾነ ባህሊ ርክብ ይሰስን!

ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ኣብ ዘሎናዮ ህልው ኩነታት ናብራ ቀልቦምን ሃሞምን ብምግባር ብሕልና ክምርምርዎ ምናዳ ከኣ እቶም ካብ ዓለም ገንዘብ ተገሊሎም ብማሕበረሰብ እውን ተጐስዮም ኣብ ደንደስ ሞትን ህላወን ዝነብሩ ብዙሓት ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክዝክሩ እሞ ዝሓሸ ዓለም ድሕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ንክሃንጹ ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣሕዋት እብል መልእኽቶም ቊ.169 ዝጸሓፍዎ ‘ሓደስትን ምህዞ ፈጠራ ዝውንኑን ኣገባባት ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቊጠባውን ርክባት ንኩሎም ዘሳትፉ ንድምጺ ድኻታት ጽን ኢሎም ዝሰምዑ እሞ ኣብ ሕንጸት እቲ ዝሕለም ሓዲስ መጻኢ ንኩሎም ከሳትፉ’ ሓደራ ኢሎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ሓሳቦም ከምዚ ክብሉ የካፍሉ ‘ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ምናዳ ኸኣ ኣብ ቊጠባውን ርእሰ ማላውን ጽፍሒ ናይ ርክብ ባህሊ ብምምዕባል ንኩሎም ጽን ቢልካ ርእይቶታቶም ብምስማዕን ምትእምማን ከምዝዓብን ኩሎም ብሓባር ዝምዕብሉሉ ርክባት ምድንፋዕ የድሊ። በዚ ከምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ገሊኦም ዘሎ በብውልቀን ንውልቀ ሃገራት ጥራይ ከምብሓዲስ ሕይወት ከምዝዘርኣ ምግባር ዝብል ሰጊርካ ሓደስቲ ተቊዋማት ወይውን ነተን ዝነበራ ተቊዋማት ምናዳ ኸኣ ነተን ኣብ ኣውለማዊ ምምሕዳር እጃም ዘለወን ተቅዋማት በዚ መንፈስ እዚ ከም ብሓዲሽ ከምዝውለዳ ብምግባር ሓደስቲ መርበባት ዓለምለኸ ርክባት ንምዕባለ ኩሎም ሕዝብታት ዝኸውን መደብ ሓገዝ ምሕንጻጽ የድሊ’ ኢሎም። እዚ ኣገባብ እዚ ንኩሉ ከርብሕ ከምዝኽእል ዝገልጹ ቅዱስነቶም ምናዳ ኸኣ ነተን ዝደኸያ ሃገራት ኣብ ወሳኒ ዘተታት ክሳተፋን ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ዓለም እጃም ከምዝህልወን ብምግባርን ነቲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሳዕረረ ዘለወን ሰፍ ዘይብል ሃገራዊ ዕዳታተን ብምጒዳልን ክግበር ከምዝከኣል ዘለዎም ዓቢ ተስፋ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ናይዘን ቈጺርካ ዘይውዳኣ ሃገራት ሰፍ ዘይብል ጾር ኰይኑ ንዘሎ ሃገራውን ማሕበራውን ዕዳ ምልዓል ወይውን ምፍዃስከስ ንሕዝቢ እዘን ዓድታት ንክምዕብሉ ዝሕግዝን ክትባትን ሓለዋ ጥዕናን ኲስኰሳ ትምህርትን ዕድል ሥራሕን ንክህልዎም ዝሕግዝ ዓሚቊ ሰብኣዊ ሠናይ ተግባር እዩ ኢሎም።”

ኤኮሎጂካዊ ዕዳ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብና!

ብዛዕባ ዕዳ እንክዝረብ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጥራይ ከይመስለና ሎሚ ካልእ ንኩልና ዝምልከት ሓደገኛ ዕዳ ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ዕዳ እዚ ከኣ ኣብ ከባቢ ነስዕቦ ዘሎና ብከላ ዘኽፍለና ዘሎ መጠን ኣልቦ ዕዳ ምዃኑን ኤኮሎጂካዊ ዕዳ ኢሎም ከምዝሰመይዎን እዚ ከኣ ብቀንዱ ኣብ ብባህርያዊ ሃብቲ ብጣዕሚ ሃብታማት ዝኾና እንተኾነ ብምዝመዛ እቲ ርቡሕ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዝረኤ ዘሎ ክሳብ ኣብ ክሊማ ዓለምና ሓደጋ ከምዘንጸላሉ ዝገበረ ብከላ ኣከባብን ተፈጥሮን ምዃኑ ንተጋባእቲ መጠንቀቅታ ብዘለዎ ቃና ኣዘኻኺሮም። ተጋባእቲ እዚ ጉባኤ እዚ ከኣ ነዚ እውን ኣብ ግምት ኣእትዮም እዚ ዕዳ እዚ ከወራርድዎን ከምዝኽፈል ክገብሩን ዘለዎም ተስፋ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ቊጠባዊ ተቊዋማት በቲ ዘለዎ ዓቢ ፈጠራን ምህዞን ዝልለ ነዚ ዕዳ እዚ ንምጽብጻብ ዘኽእል ሓዲስ ናይ ምጽብጻብ ሜላ ኣማዕቢሉ እተን ዝማዕበላ ዝበሃላ ሃገራት ነዚ ኤኮሎጂካዊ ዕዳ ክኸፍላሉ ዝኽእላ እዚ ከኣ ነቲ ዝመዝመዛኦ መታካእታ ኣልቦ ብምንም ተኣምር ክሕደስ ዘይከኣል ምንጪ ጸዓት ገዲፈን ብተትካእን ክሕደስ ዝከኣልን ምንጪ ጽዓት ምሕጋዝን ጽኑዕ ዝበልዎ ፖሎቲካውን ናይ ልምዓትን ሓገዝ ካብ ምብርካት ሓሊፈን ነዚ ሠናይ ተበግሶ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝኽእል ዘድሊ ኩሉ ብምኽፋል ክገብራኦ እላቦ (ላውዳቶ ሲ 51-52) ኢሎም።”

ንኩለንትናዊ ሠናይ ነገር ዓለምና ቀዳምነት ይወሃብ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ሎሚ ከም ሎሚ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘሎ ንኩልና ዝምልከት ናይ መላእ ዓለም ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምዃኑ ተገንዚብና ብተናጸል ዘይኮነ ኩልና ብሓባር ክንሓስብን ክንሰርሕን ጸዊዖም። እዚ እታ ቀዳመይቲ ሠናይ ነገር ናይ ኩልና ዝኾነ ሕይወት ብኩሉ ኩሉ ክንከናኸናን ካብቶም ዝደኸሙ ክሳብ እቶም ዝሓየሉ ሓባራዊ ቀዳምነት ክንህባ ብሓባር ከኣ ንምኽንያት ድኽነትን ዘይማዕርነትን ሸቅሊ ኣልቦነትን ክነወግድ እሞ ኩሉ መሰላት ብምውሓስ ተደጋጊፍና ታሪኽ ንሥራሕ ምስ በሎ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ ክትባት ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ንክባጽሕ ተማሕጺኖም። ፍረ ናይዚ ጉባኤ ከኣ ገንዘብ ንኣገልግሎት ዘመደ ኣዳም ምዃኑ ብምግንዛብ ካብታ ሓባራትዊት ገዛና ዝኾነ መሬት ክሳብ እቶም ዝደኸዩ ክፍሊ ዓለምና ረብሓ ክረኽቡሉ እሞ ናብራ ብዝሓሸን ብዝተሓደሰን ኣገባብ ክልወጥ እግዚአብሔር ንኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ጥበብን ምርድዳእን ሠናይ ምኽርን ሓይልን ሰላምን ክህቦም ብምምላድ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

09 April 2021, 13:37