ድለ

ንሕዝብን ምስ ሕዝብን ዘገልግል ፖሊቲካ ምድንፋዕ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

‘ሕዝቢ ዝሕመረቱ ፖሊቲካ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራነስኮስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ርእየት ‘መራሕቲ ፖሊቲካ ኣሰር ሕያዋይ ጓሳ ብምስዓብ ኣብ ሕብረተሰቦም ነቶም ክንክን ዘድልዮም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ኅብረተሰቦም ቅድምያ ክህቡ ሓደራ’ ብማለት ምኽርን ማዕዳን ዝሓዘ ኣባታዊ መልእኽቲ ሰዲዶም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ‘ኣብ ሕዝቢ ዝተሠረተ ወይውን ሕዝቢ ዝሕመረቱ ፖሎቲካ’ ንምድንፋዕ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ዓዲ እንግሊ ማእከል ተሎግያን ማሕበረኮምን ሎንደን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም ነቲ ነዚ ዓቢይን ንግዜና ብጣዕሚ ኣድላይን ኣገዳስን ዝኾነ ጉዳይ ንምጽናዕ ነዚ ጉባኤ እዚ ዘሰናደወ ማእከል መጽናዕቲ ብምምስጋን ጀሚሮም ንኩሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ሰላምታኦምን ምስጋናኦምን ኣቅሪቦም።  ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ማእከል ኰይኑ ነቲ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ 50 ዓመት ምሥረታኡ ዝዝክር ዘሎ ዘ ካቶሊክ ካምፐይን ፎር ህዩማን ደቨሎፕመንት ማለት ንምዕባሌ ደቂሰባት ዝዋሳእ ካቶሊካዊ ተቊዋም እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ተቊዋም እዚ እውን በቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ንድኻታት ማሕበረኮም ዘበርክቶ ሓገዝ ምናዳ ከኣ ትርጉም ዘለዎ ናብራ ንክነብሩ ነዞም ድኻታት ማሕበረኮማት ኣብ ውሳኔታት ምናዳ ንኣኦም ኣብ ዝምልከት ውሳኔታት ንክሳተፉ ብዝገብርዎ ጐስጓስን ደገፍን ኣመስጊኖም።

ናብ ሠለስተ ተ ገጽካ ምጒዓዝ!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፋ ካልኦት ተቊዋማት እውን በዚ መሪሕ እዚ ክሰርሓ ድሕሪ ኣተሓሳሲቦም ከምቲ ደጋጊሞም ዘዘኻኽርዎ ንማንም ወዲሰብ ብቀዳምነት ዘድልያ ብፍደል ቲ ዝጅምራ ቀደም ኣብ ኣርጀንቲና እንከለው ዝደጋግምወን ዝነበራ ሠለስተ መሠረታውያን ጉዳያት ብቋንቋ እስፓኒሽ ትየራ ተቾ ትራባኾ ማለት መሬት መጽለሊ ገዛን ሥራሕን ኢሎም ዝገልጽዎ ብምድጋም እዚ ጉባኤ እዚ ነፍሲወከፍ ሰብ ነዘን ሠለስተ ነገራት እዚ ከውሕሰሉ ዝከኣለሉ መደምደምታ ክበጽሑ ዛአኻኺሮም። ነዚኤን ዝኾነ ተቋውሞን ፈተነን እንተኣጋጠመ እውን ክገድፍወን ከምዘይብሎም ዝተማሕጸኑ ቅዱስነቶም ዘሎና ግዜ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 እውን ነቲ ብቀደሙ ንብዙሓት ዝደቊስ ዘሎ ድኽነትን ዘይማዕርነትን መሊሱ ስለዘጋደዶ እዚ ጉባኤ እዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ሕጹጽን ኣድላይን ጉዳይ ስለዝኾነ ሥራሖምን ዝህብዎ ምስክርነትን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም።

ሎሚ ከም ሎሚ ፖሊቲከኛታት ዘረባን ሆሆታን ጥራይ ኮይኖም ሓመድ ሓፋሽ ንኩሉ ኣብ ዘስክረሉ ዘሎ ዘመን እዚ ጉባኤ እዚ ከምቲ መርሕ ቃሉ ዝብሎ ዘሎ ኣብ ሕዝቢ ዝተመሥረተ ፖሊቲካ ንምስራጽ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ንግላዊ ጉዳያት ዘዳፍን ዘይኮነስ ኣብ ሓቀኛ መነባብሮ ሕዝቢ ዝተመሥረተ ናይ ሕውነት ፖሊቲካ ክፍጠር ክኽእል ደገፍኩም ኣበርክቱ ነዚ ንምግባር ከኣ ሃየ ብሓባር ንሕለም ኢሎም።

ብሓባር ንሕለም!

እስኪ እንተተመሰለልና ብዘስምዕ ቃናን ኣምላኽ እተሰሚርዎ ኩሉ ይከኣል እዩ እሞ እስኪ ሠሠናዩ ብሓባር ንሕለም እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ምስ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ኣውተን ኢቨራይ ‘ለት ኣስ ድሪም’ እስኪ ንሕለም ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣርእስቲ ዘኪሮም። ቅዱስነቶም ኣብቲ መጽሓፍ ነዚ ብሓባር ናይ ምሕላም ፖሊቲካ ቀንዲ ክንዮኡ ምንም ዘየሎ ናይ ፖሊቲካፖሊቲካ እብሎ ከመይ እዚ ዓይነት ፖሊቲካ እዚ ናይ ኣገልግሎት ፖሊቲካ ኮይኑ ሕዝቢ ንክደራጆን ዝስምዖ ሓቀኛ ስምዒቱ ክገልጽን ሓደስቲ ጐደናታት ስለዝኸፍት ኢሎም ነሮም።

ነዚ ንኩሉ ዘሳትፍን ሓደስቲ ጐዳናታ ዝኸፍትን ፖሎቲካ እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ በዘልማድ ዝግበር ዝፈልዩ ቀንዲ ጉዳይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘እዚ ዓይነት ፖሊቲካ እዚ ንሕዝቢ ጥራይ ኢልካ ዝግበር ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንሕዝብን ምስ ሕዝብን ዝግበር ኰይኑ ሡር መሠረቱ ማሕበረኮማትን ሃብታም ዝኾነ ክብርታቶምን እዩ’ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ጥንቃቄ ዘድልዮ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ዝፈጸምዎ ጌጋ ከይድገም ሓደራ ኢሎም። ‘ሕዝቢ ካብ ፖሊቲካ እንተተገሊሉ ወሰኑ እንተሒዙ ካብቲ ዝረኽቦ ንዋታዊ ረብሓ ጥራይ ኣይኮነን ዝበኩር እንታይ ደኣ ካብቲ ክብረት ዝመልኦ ተሳትፎን ኣብ ጉዳዮምን ታሪኾምን መጻኢኦምን እጃሞም ካብ ምብርካትን ተዋሳእቲ ምዃንን ዝገደደ ኸኣ በቲ ዘለዎም ሃብታም ክብርታቶምን ባህልታቶምን ፈጠራዊ ክእለቶምን ኣፍራይነቶምን ምንም ኣይሳተፉን። ዝግብኦም ሰብኣዊ ክብሪ ይንፍጎም’ ኢሎም።

ቤተክርስትስትያንከ እንታይ እዩ ግደኣ ወይውን ኣብ ፖሊቲካ ኢዳ ክተእቱ የድልያዶ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ከኣ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተክርስትያን ዝርከብ ሕዝቢ ሕዝበ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ‘ቤተክርስትያን ማሕበራዊ ፍትሒ ካብቲ ዝበልናዮ ባህሊ ሕዝብን ምንጪ ክብሪ ወዲሰብ ዝኾነ መንፈሳዊ ክርብታት ዝርከቦም ሃብታም ክብርታቶምን ብምቅባል ማሕበራዊ ፍትሒ ንምድንፋዕ ገዛእ ርእሳ ብምንም ተኣምር ክተግልል ኣይትኽእልን’ ኢሎም።

ብድሕር’ዚ ቅዱስነቶም ናብቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ምልስ ይብሉ እሞ ብዙሓት ካብኦም ምስ ዝተፈላለየ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ነዊሕ ዝተጐዕዙን ብዙሕ ዓመታት ዝሰርሑን እኳ እንተኾኑ እዚ እጃም ሥራሕ እዚ ዘይርጉእን ወትሩ ብጽቡቅ ጀሚሩ ኣብ መወዳእታ ክሲ ብክሲ ዝኾኑሉ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣኽራሪ ፖሊቲካ ብምዃን ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ተጽዕኖ እምነት ክገብሩ ዝፈተኑ ዝብል ክሲ ዘአንግዱ ምዃኖም ገሊጾም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘እንተኾነ ንሕዝቢ ምኽባር ማለት ንዘሎ ተቁዋማት ፖሊቲካውስ ይኹን ሃይማኖታዊ ምኽባር እውን ስለዘስዕብ ቀንዲ ስራሕ እዘን ተቊዋማት ከኣ ምስ ሕዝቢ ምጒዓዝ እምበር ዝኾነ ተጽዕኖ ምግባር ኣይኮነን። ከምኡ ኣውን እዘን ተቁዋት እዚኤን ምናዳ ናይ እምነቲ ንሕዝቢ እግዚአብሔር ወትሩ ቀቅድሚኦም ብምጉዓዝ ከምዘሰንዮም ምዝኽኻር እዩ’ ኢሎም። በዚ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ መጓሲኡ ኣብ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ቦታ ክርከብ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

ሓቀኛ ጓሳ ኣብ ኩሉ ቦታ ይርከብ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ማሕበራዊ ፍትሒ ዝዓሰሎ ፖሊቲካ ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ዘገግል ፖሎቲካ እንትርፊ ምሳሌ ጓሳ ካልእ ኣብነት የብሉን። በዚ ከኣ ከምቲ ሓቀኛ ጓሳ ወትሩ ምስ መጓሲኡ ዝጐዓዝ ሓቀኛ ጓስ ቀቅድሚ ሕዝቡ ኰይኑ ዝመርሕ ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ዝመላለስን ብድሕሪ ሕዝቡ ኰይኑ እናሰዓቦም ዝጓስን እዩ። ብቅድሚት እንክንብል ክኸድዎ ዘለዎ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ መንገዲ ንምሕባር ኣብ ማእከሎም እንክብል ምስ ሕዝቡ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ሕዝቡ ዝስምዖ ክስምዖ እሞ ከይጋገ ከምኡ እውን ብድሕሪት ክንብል እንከሎና ነቶም ናብራ ከቢድዎም ምስ ናብራ ዝቃለሱ ንምሕጋዝን ብጽፍሮም ተቃሊሶም ኣብ ዓወት ክበጽሑ ንምሕጋዝን ንገዛእ ርእሱ እውን እቲ ቅኑዕ መንገዲ ክኽተሎ ዘሎ መንገዲ ኣየናይ ምዃኑ ንምርካብን ይሕግዞ’ ኢሎም።

እዚ ኩሉ ይከኣልዶ! ከመይ ገቢርናኸ ኢና እንበጽሖ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ከኣ ቅዱስነቶም ናብታ ብሓንሳብ ንሕለም ዘበለቶም ጉዳይ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ብዛዕባ ሃረርታ ብዙ እዛረብ እየ ኣብ መላእ ዓለም ንዝረከባ ሰበኻታተይ ከኣ ኣብ ከባቢኹም ምስ ዘሎ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ተሓጋጋዙ እብሎም’ እንክብሎም ኣብ መንጎ ሕዝባውያን ምንቅስቃሳት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ከምዘድሊ ገሊጾም። በዚ ከምዚ ከኣ ብብርሃን ካብ ዝተንሠኤ ክርስቶስ በሪሆም መንግድታቶም ከብርሁ ሓደራ ኢሎም።

መንገድኹም ይብራህ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ንዘሎና ዘመን ፋሲካ ብምዝኽኻር ነቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንረክብ እንክንጐዓዝ ኣብተን ቊስልታቱ ተሰኪመን ዘለዋ ዝደኻያ ማሕበረ ኮማትና እንተተጓዒዝና ከም ክርስትያን ሓይልን ሃረርታን ስብከተወንጌልና ይሕደስ ከምኡ እውን ንድኻታት ክሕግዝ ዘይብገስ ፖሊቲካ ንድኻታት ሕቈኡ ዝህብ ፖሊቲካ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ብምንም ተኣምር ከደንፍዕ ኣይክእልን። ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ መጻኢና ካብ ዝተሓተ ክፍሊ ሕብረሰብና ጀሚርና ክንሓንጽ ኣሎና ነዚ ንምግባር ከኣ ምስ ሕዝቢ ዝጐዓዝ ኣብ ሕዝቢ ዝተመሥረተ ፖሊቲካ የድሊ። እዚ ጉባኤኹም ነዚ ጐዳና እዚ ንምብርህ ይደግፍ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 April 2021, 12:10