ቫቲካን፥ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ንልዕሊ ሚእቲ ዝግመቱ ድኻታት ቫቲካን፥ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ንልዕሊ ሚእቲ ዝግመቱ ድኻታት 

ቫቲካን፥ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ንልዕሊ ሚእቲ ዝግመቱ ድኻታት

እዚ መደብ እዚ ብድላይ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነቓቕሐ ኮይኑ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ተወሃሂዱ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ዝቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዓለም ዝተረኽበ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ናይ ኵሉ ክኸውንን ንዅሉ ክባጻሕን እምበር

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክሳብ በዓለ ፋሲካ ዘሎ እዋን ንድኻታትን ግዳም ሓደርን ብጠቕላላ ን 1,200 ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ክረኽቡ ዝተበገሰ ጐስጓስ ይቕጽል ከምዘሎን፡ እዚ ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ዝተሰናደወ መደብ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ዓለም ኮቪድ-19 ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ኣበርቲዓ ትዓዪ ከምዘላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ሚያዚያ 2021 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት 10.00 ቅዱስነቶም ኣብቲ ንድኻታት ክትባትብ ዝወሀበሉ ስፍራ ማንም ከይተጸበዮ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ንድኻታትን ግዳም ሓደርን ዝብል መደብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይቕጽል ከምዘሎን ድሮ ንልዕሊ 100 ቀዳማይ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምእተወሃበን መብዛሕቲኦም እቶም ብማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ልኡካነ ወንጌል ዝእለዩ ካብ 40 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ብዝተፈላለየ ሕማም ዝሳቐዩን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እዚ መደብ እዚ ብድላይ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነቓቕሐ ኮይኑ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ተወሃሂዱ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ዝቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዓለም ዝተረኽበ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ናይ ኵሉ ክኸውንን ንዅሉ ክባጻሕን እምበር ድሮ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ዘሎ ፍልልይ ዘግድድ ክኸውን የብሉን እንክብሉ ቅዱስነቶም እውን ደጋጊሞም ብፍላይ ድኻታትን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ዝርከብ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባይቲ ስድራን ከይርስዑ ጻውዒት ከምዘቕረቡ የዘኻኽር።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 25 ግዳም ሓደር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጸረ ኾረና ተውህዋስ ክትባት ከምእተኸትቡን  ከምቲ ቅድም ክብል ዝተሓበረ ክሳብ በዓለ ፋሲካ ብኣባላት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕርን ብቕዱስ ኤጂዲዮ ክቶሊካዊ ምንቅስቓስን ወለንተይናታትን ዝስነዩ ንልዕሊ 1,200 ድኻታት ክትባት ክረኽቡ ዝብል መደብ ከምዝኾነ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

02 April 2021, 16:12