ፍራንቸስኮ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ጸልማት ኣብ ዝወረሮ እዋን ንሃሉ ተስፋ ኣይነጥፍእ ፍራንቸስኮ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ጸልማት ኣብ ዝወረሮ እዋን ንሃሉ ተስፋ ኣይነጥፍእ 

ፍራንቸስኮ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ጸልማት ኣብ ዝወረሮ እዋን ንሃሉ ተስፋ ኣይነጥፍእ

ናይ ፋሲካ መፍትሕ ተስፋ እዩ፥ ተስፋ ዝብል ቃል እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝተራእየሉ እዋን ኣትሒዞም ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝጠቐስዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ ተስፋ ንኸይነጥፍእን ኣብቲ ጸልማት ዝመስል እዋን በዓለ ትንሳኤ ብርሃን ይጽግወ

ዕለት 6 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣት ፖንተፊክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ጸልማት ኣብ ዝወረሮ ዘሎ እዋን እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ተስፋ ከይንቖርጽ ዳግም ብሓድሽ መንፈስ ክንብገስ ይዕድመና ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነው ክዝከር እንከሎ፥ እቲ ለብዒ ካብ ዝተራእየሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ብጠቕላላ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ዜጋታት ከምዝዓረፉን፡ ነዚ ለብዒ ንምብዳህ ዝግበር ጻዕሪ ሎሚ እውን ተበራቲዑ ይቕጽል ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽስተት ኣትሒዙ ብዘይ ምቁራጽ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ብጸሎትን ብዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ስብከታቶምን ቀረባ ብምዃን ህሙማን ዝኣልዩን ህሙማንን ዝዓረፉን ኣባይቲ ስድራን ሰራሕተይንታትን ብጠቕላላ ክንየው ቅልውላው ጥዕና እቲ ለብዒ ብዘስዓቦ ማሕበራዊ ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ቅልውላው ንምብዳህ ንዝግበር ጻዕሪ ብዝተፈላለየ መገዲ ቀረባ ብምዃን ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብዚ መዳይ ንሕዝቢ ቀረባ ንኽትከውን ብቓልን ግብርን ከተባብዑ ይርከቡ፣

ተስፋ ዘይምቕራጽ

ናይ ፋሲካ መፍትሕ ተስፋ እዩ፥ ተስፋ ዝብል ቃል እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝተራእየሉ እዋን ኣትሒዞም ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝጠቐስዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ ተስፋ ንኸይነጥፍእን ኣብቲ ጸልማት ዝመስል እዋን በዓለ ትንሳኤ ብርሃን ይጽግወና፡ ተስፋ ከይነጥፍእ ተስፋና ኮይኑ የተባብዓና፡ ዝብል ዕለት 6 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብትዊተር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ጸረ ኮቪድ - 19 መድሃኒት ክትባት ዓለም ለኻዊ ክኸውንን ንኹል ክባጻሕን ናብ ኵሉ ንኽባጻሕ ዝረአይ ዘሎ ምድንጓኣያትን ብፍላይ ናብ ድኻታት ሃገራት ንኽባጻሕ ዝርአይ ዘሎ ምድንጓይ ክስገር ምዝ ዘቕረብዎ ለበዋ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ጸገም ኵሉ ምስ ኢየሱስ ዳግም ምትንሳእን ኣብ ጐደና ሕይወት ምርኻብን ዝብል ሓሳብ እውን ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ምዕዳን እዩ።

ጸረ ኮቪድ - 19 ኪደትን ሜላን

ብኮቪድ - 19 ኣዚየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ብቐዳምነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብራዚልን መክሲኮን ህንድን ዓባይ ብሪጣንያን ክኾና እንከለዋ፡ እዘን ሃገራት እዚኣተን ብዝተኻእለ መጠን እውን ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ንዜጋታት ኣብ ምቕራብን ምኽታብን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት ኮይነን ከምዘለዋን። እዚ  ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መንግስቲ ጆንሶን ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ዜጋታት ክኽተቡ ዝግበር ዘሎ ጐስጓስ መሰረት ካብ ዕለት 12 ሚያዝያ እቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከፍኵስዎ ምዃኖም ከምዝሓበሩን ሰሜን ኮርያ ህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ውድድር ኦሎምፒክ ስፖርት ከምዘይትሳተፍ ብወግዒ ከምዘፍለጠት ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካፐሊ የመላኽታ።

07 April 2021, 14:50