ንስብከት ወንጌል እንክትኲልኰል ማዕረ ማዕረኡ ከኣ መስቀልካ ተቀቢልካ ምስካም ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ እንክተኽብር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ቡራኬ ቅዱስ ቅብዐ ዘይት ኣብቲ ኢየሱስ ቅቡዕ እግዚአብሔር ምዃኑ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኣብ ናዝሬት ጐይታ ብዘድንቅ ቃላትን ብሥልጣንን ዝሰበኾን ደቁ ዓዱ ከኣ እናኣቆናጸቡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራብዶ ኣይኮነን ኢሎም ብቅንዒ ከጽድፍዎ ዝሃቀንዎ ናይቲ ጽባሕ እንዝክሮ ሞቱ ቀዳማይ ፈተነ ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ ልዕለይ እዩ! (ሉቃ 4.18)

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ እንክተኽብር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ቡራኬ ቅዱስ ቅብዐ ዘይት ኣብቲ ኢየሱስ ቅቡዕ እግዚአብሔር ምዃኑ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኣብ ናዝሬት ጐይታ ብዘድንቅ ቃላትን ብሥልጣንን ዝሰበኾን ደቁ ዓዱ ከኣ እናኣቆናጸቡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራብዶ ኣይኮነን ኢሎም ብቅንዒ ከጽድፍዎ ዝሃቀንዎ ናይቲ ጽባሕ እንዝክሮ ሞቱ ቀዳማይ ፈተነ ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

 

ክንበብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ንጐይታ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ከመይ ቢሎም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣዝማምያኦም ከምዝተለወጠ የዘንቱ። እቲ ለውጢ ብዘሰንብድ ኣገባብ እቲ ስደትን መስቀልን ጐይታ ምስ ስብከተ ወንጌሉ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ የመልክተልና። ኣድናቆት ናይቲ ካብ ኣፍ ኢየሱስ ዝወጽእ ዝነበረ ቃላት ጸጋን ሥልጣኑን ዝጀመረ ትዕዝብቲ ደቂ ናዝሬት ንቊሩብ ደቃያቅ ጥራይ ይጸንሕ። ‘እዝስ መን ኰይኑ እዩ ብዝዓይነቱ ምጉርምራም ቅንኢ ዝተለዓለ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ዮሴፎዶ ኣይኮነን ብእትብል ሕሹዂታ ኩሉ ይልወጥ። እዛ ሓረግ እዚኣ ኣብ ኩሎም ሰማዕቲ ይላባዕ። ኩሎም ከኣ መንእዩኸ እዚ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን ክብሉ ይጅምሩ።

እዚ ዘይንጹር ትርጉም ዘለዋ ሓረግ እዚኣ ካብተን ብቀሊሉ ዘውድቃና መጻወድያታት ሓንቲ እያ። ገለ ሰባት ታሕጓስ ንኽገልጹ ‘እዚ ካብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ዝመጸስ ከምዚ ኢሉ ብሥልጣን ምዝራቡ ዘደንቅ እዩ` ክብሉ ይኽእሉ። ገለ ኸኣ ንከዋርድ ‘ካበይ ዝበቈለ ደኣሉ እዚ! ንርእሱ መን ኢሉ ምስ ገመተ እዩ ከምዚ ዝገብር!’ ክብል ይኽእል። እንተደኣ ኣስተውዒልና ተመልኪትና እዛ ሓረግ እዚኣ ነቶም ሰዓብቱ እውን ኣብ ዕለተ ጴራቅሊጦስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ክሰብኩ ምስ ጀመሩ ‘እንተኾነ እዞም ዝዛረቡ ዘለው ሰባት ኩሎም ካብ ገሊላዶ ኣይኮኑን’ (ግሐ 2,7) ብማለት ክትድገም ንሰምዓ። ኣብዚ እውን ገሊኦም ነቲ ስብከት ሓዋርያት እንክቅበሉ ገሊኦም ከኣ ክላእ እዚኦምሲ ጒዑሽ ወይኒ ሰተዮም ሰኺሮም እዮም ዝበሉ።

ኣብ ነባሪ ኩነታት ከምዚ ዝበለ ቃላት ኣብ ምርጫ ሰማዒ ተሪፉ ምንም ጸገም ዘየምጽእ ክኸውን ይኽእል ኣብዚ ኩነታት ኢየሱስን ደቂ ዓዱን ግን እዘን ቃላት እዚአን ነቲ ተጻይ ኢየሱስ ዝለዓል ዓመጽ ዘርኢ ሒዘን ከምዝነበራ ንዕዘብ። እዘን ቃላት እዚአን ሓያላት ቃላት እየን። ንኣብነት ሓደ ‘ኣይበዝሐንዶ’ ክብል እንከሎ ቀጺሉ ዝመጽእ ወይ ዓመጽ እዩ ወይ እቲ ሓደ ወገን ክሃድም ካብቲ ቦታን ኩነትን ክርሕቅ ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት መንቀራቅሮ እንክርከብ ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ ዚ ፍጻሜ እዚ ኢየሱስ ኣብ ናዝሬት ሰላሕ ኢሉ ናብ ካልእ ጫፍ ይኸይድ መልሲ ኣይህብን ነበረ እንተ ኣብዛ ናይ ደቁ ዓዱ ግን ነቲ ዘሎ ብኣምሰሉነት ዝተሸፋፈነ ክፍኣትን ሕሜትን ብዘይሕብእብእ የጋልጾ ‘ብርግጽ ነዚ ምስላ እዚ ጠቂስኩም፥ ሓኪም ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ አሎኹም’ (ሉቃ 4,23) ይብሎም።

እቲ መርዝኸስ ኣብዛ ርእስኻ ፈውስ ርእስኻ ኣድሕን እትብል ሓረግ እዩ ዘሎ። እዛ መርዛም ሓረግ እዚኣ ኣብታ መወዳእታ ጻዕሪ ሞት ቀራንዮ እውን ተሰንዮ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ እንክጸዓር ርእሶም እናነቅነቁ ‘ንካልኦት ኣድሒኑ እስኪ ንርእሱ የድሕን’ (ሉቃ 23.35) ንዓናውን የድሕን እንክብል እቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቅለ ሰራቂ እውን ይኸሶ።

ጐይታ ግን ወትሩ ከምዝገብሮ ምስ ርኹስ መንፈስ ኣይከራኸርን እዩ ብቃል ኣምላኽ እዩ ዝምልስ። ነዞም ደቂ ዓዱ እውን ቀዳሞት ነብያት ኤልያስን ኤልሳዕን እውን ብደቂ ዓዶም ተቀባልነት ከምዘይረኸቡ እንተኾነ ጓኖት ዝኾኑ መበለት ሰራፕታን ሶርያዊ ንእማን ለምጻምን ካልእ ዝእምነቶም እዮም ዝተቀበልዎምን ዝደሓኑን ይብሎም። እቲ ጥበበኛ ስምዖን ነቢይ ዝተነበዮ ማለት ‘ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን እዩ` ዝበሎ ተፈጺሙ (ሉቃ 2.34)

ይቅጽል

01 April 2021, 19:13