ር.ሊ.ጳ.፥ ካሲዳይን ኣብ ምንቕቓሕ ሓድነት ክርስቲያን ክቡር ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ.፥ ካሲዳይን ኣብ ምንቕቓሕ ሓድነት ክርስቲያን ክቡር ኣገልግሎት 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካሲዳይን ኣብ ምንቕቓሕ ሓድነት ክርስቲያን ክቡር ኣገልግሎት

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ኢድሪስ ካሲዳይ ዕለት 15 ሓምለ 1924 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልዱን ኣብ ወርሒ ለካቲት 1943 ዓ.ም. ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ኣብ 1949 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ዝዓረፉ ብጹዕ ካርዲናል ካሲዳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም መልእኽቲ፥ ናይ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ካሲዳይ ውዕዉዕን ቀናእን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብፍልዩ ከምዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብጹዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ኢድሪስ ካሲዳይ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣዶልፎ ቲቶ ይላና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፡ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፡ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ካሲዳይን ንኹሎም ብቐረባ ንዝፈልጥዎምን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ኢድሪስ ካሲዳይ ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ኔውካስትል ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 10 ሚያዝያ ከምዝሓረፉ የዘኻኽር።

ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣገዳስን ክቡርን ኣገልግሎቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ብጽዕ ካርዲናል ካሲዳይ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብውዕዉዕን ብቀናእን ሓዋርሃዊ ተወፋይነት መንፈስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘገልገሉን ብፍላይ ሓድነት ክርስቲያን ኣብ ምንቕቓሕ መዳይ ህርኵትን ጻዕራምን” እንክብሉ ብሞሳ ዘኪሮም ነፍሰ ሄር ካሲዳይ ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣወፍዮም ምጽንናዕን ሰላምን ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ኢድሪስ ካሲዳይ ዕለት 15 ሓምለ 1924 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልዱን ኣብ ወርሒ ለካቲት 1943 ዓ.ም. ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ኣብ 1949 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ካብ 1955 ክሳብብ 1962 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ከምዘገልገሉን ካብ 1962 ክሳብ 1967 ዓ.ም. ዱብሊን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ተመዲቦም ከምዘገልገሉን ካብ 1967 ክሳብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ኤል ሳልቫዶርን ንሓደ ዓመት እውን ኣብ ኣርጀቲናን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣባይቲ ጽሕፈት ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 1988 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ትኩእ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተሰምዮም ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 1989 ዓ.ም. ዘገልገሉን፡ ዕለት 28 ሰነ 1991 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ተሰምዮምን ደሓር እውን ናይ  ክስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዘገልገሉን ዕለት 3 መጋቢት 2001 ዓ.ም. ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ከምዝኾኑን የመላኽት።

15 April 2021, 15:31