ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ካብ ቅርዓት ቅዱስ ንጸሎተ ንግስተ ሰማይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ካብ ቅርዓት ቅዱስ ንጸሎተ ንግስተ ሰማይ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ካብ ቅርዓት ቅዱስ ንጸሎተ ንግስተ ሰማይ

ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ካብ ሓዋርያው መስኮቶም ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ማሕበራዊ ምፍንታት ብምኽባር ምስ ዝርከቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከዕርጉ

ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን እዚ በቲ  ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ለብዒ ምኽንያይት ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ናይ መቆጻጸሪ ሕጊ ብምኽባር ቅዱስነቶም ዝፍጽምዎ መርሓ ግብርታት ብፍላይ ብናይ ስርዓተ ሊጡርጊያ ባሕረ ሓሳብ መሰረት ምእመናን ከየሳተፈ እንተገደደ ብቑጽሮም ኣዚዮም ውሑዳት ዝኾኑ፡ ለብዒ ኾሮና ተሕዋስ ንምቁጽጻርን ንምብዳህን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ መምርሕታት ብምኽባር ክሰርዑ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይን፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 18 ሚያዝያ ቅድስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ናይ መቆጻጸሪ ሕጊ ብምኽባር ምእመናን ዘሳተፈ ከምቲ ልሙድ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ክመርሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዕለት 8 መጋቢት ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንምእመናን ዕጽው ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ሰናብቲ ዘቕርብዎ ጸሎታትን ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮን ብምስማዐ ርእየት ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ክመሓላለፍ ከምዝጸንሔን ኣብ ገለ ገለ ሰናብቲ እውን ክሳብ ዕለት 20 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተፈናቲቶም ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምዳህ ዝተደንገገ ውሳኔ ብምኽባር ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቀጺሉ እውን ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ብዘይ ምእመናን ብመረብታዊ ውሕዘት ክካየድ ምስ ጸነሔ፡ ክሳብ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተፈናቲቶም ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምዳህ ዝተደንገገ ውሳኔ ብምኽባር ምስ ዝተረኽቡ ውሑዳት ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ዝዝከር እዩ፡ ከም ብሓድሽ ካብ ዕለት 21 መጋቢት ብመረብታዊ ውሕዘት ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ኮይኖም ከዕርጉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ካብ ሓዋርያው መስኮቶም ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ማሕበራዊ ምፍንታት ብምኽባር ምስ ዝርከቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

15 April 2021, 15:27