ንክርስቶስ ዝረኸበ ኣብ ልቡ ሰላም ይረክብ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ንዘላ ሰኑይ ፓስኰታ ወይውን ንእሽቶ ፋሲካ ብማለት ከም ዓቢይ በዓል ስለዘኽብርዋ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ዝገብርዎ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምምርሖም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኲሶም ብገንዘብን ካልእን ከይተታለልና ንሓጐስ ፋሲካ ኣብ ልብናን ገዛናን ስድራቤትናን ክንቅበል ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 28 ዝተወስደ ታሪኽ ትንሣኤ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ እተን ኣንጊሀን ናብ መቃብር ዝኸዳ ኣንስትን ዝረኣያኦ ራእይን ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝገበራኦ ተዋስኦን ከይደን ንሓዋርያት ዘበሰራኦን እንክገልጽ እቶም ዝሕልው ዝነበሩ ወተሃደራት ነቲ ኩነታት ንሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ኣዘንተው ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ኣርድእቱ ለይቲ መጺኦም ሰሪቆሞ ክብሉ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ከኣ ባዕሎም ክሕለቁሎም ምዃኖም ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነቲ ዝተፈጸመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ናይታ መቃብር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓጽያ ዝነበረት ዓባይ እምኒ ተንከባሊላ ምኽፋት መቃብርን ከም ምልክት ዓወት ኣብ ልዕሊ ማሕተም ክፍኣተ ግብርን ሞትን ምዃና ብምግላጽ እታ ዓባይ እምኒ ነቲ ምንጭን ጐይታን ሕይወትን ዝኾነ ዓቢጣ ክትሕዝ ተባሂላ ዝነበረት ትቅንጠጥ። ብኣኣ ኣቢሉ እቲ ብሰንኪ ጥንተ ጸላኢ ንዘመደ ኣዳም ንነዊሕ ዓመታት ዓፊኑ ሒዙ ዝነበረ ማሕተም ክፍኣተ ግብርን ሞትን ተቀንጢጡ። እቲ ካብ ሰማይ ተላኢኹ ነቲ ንሓይሊ ጸልማት ዘሸንፍን ዝቅንጥጥን ብርሃን ዝዕድል መልኣኽ እውን ከምኡ ዓቢ ብሥራት የበስር። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ‘ኣይትፍርሁ’ እንክብል ነቲ ኣንጊሀን ናብ መቃብር ዝኸዳ ኣንስቲ በቲ ባዶ ዝጸንሕ መቃብር ከይደሃላን ከይፈርሃን ከምዘጽንዔን ንዓና እውን ሎሚ ‘ኣይትፍርሁ’ እናበለ ሓይልን ጽንዓትን ብርታዔን ይህበና።

“ካብ ቃላት እቲ መልኣኽ ዓቢይ ትምህርቲ ክንመሃር ይከኣል። ብቀዳምነት ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ካብ ምድላይ ፈጺምና ክነቋርጽ ወይውን ክንስልቹ ከምዘብልና እንክኸውን ነቶም ዝረኸብዎ ከኣ ሕይወት ምስ ተረፉ ከምዝህቦም የረጋግጸልና። ንክርስቶስ ምርካብ ማለት ሰላም ኣብ ልብኻ ምንጋስ እዩ።”

እዚ ብሥራት እዚ ንውሉድ ወለዶ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታ ነባሪ ስለዝኾነ ናይ ዝኾነ ዘመን ወለዶ ዘመደ ኣዳም ወትሩ ክቅበሎን ክነብሮን ዘለዎ ስለዝኾነ ንሕና እውን ኣብዚ ንጅምሮ ዘሎና ክሳብ ጰራቅሊጦስ ዝጸንሕ ዘመነ ፋሲካ ነዚ ብሥራት እዚ ተቀቢልና ክነብሮ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ ንኩሉኹም ዝምነዮ እታ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ድሕሪ ደጊም ኣይክመውትን እዩ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ከቶ ሓይሊ የብላን ናይ እትብል ብሥራት ክተስተማቅሩ እንክኾን ነዚ ከኣ ነዚ ብሥራት እዚ ምስ ጐይታ ኣብ ልብኹም ኣብ ገዛኹም ኣብ ስድራቤትኩም ብምቅባል ክትገብርዎ እላቦ። ብሥራት ትንሣኤኸስ ክርስቶስ ሕያው ከምዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ከምዘሰንየና ክርስቶስ ኣብ ጐድንና ወትሩ ከምዝመላለስ የረጋግጸልና። ክርስቶስ ወትሩ ኣፋፌት ልብና ምስ ኳሕኰሐ እዩ። ክኣቱ ነፍቅደሉ። ክርስቶስ ሕያው እዩ። ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል ሓረግ እንተደጋገምናያ ሠናይ ክስመዓና እዩ ኢሎም።”

ኩነታት እቲ መልኣኽ!

ነተን ኩሉ ጋን ኰይንወን ዝነበራ ኣንስቲ እቲ መልኣኽ ‘ንእተሰቅለ ኢየሱስ ከም እትደልያ እፈልጥ እየ። ኣብዚ የለን። ተንሢኡ እዩ’ ይብለን። እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቅሚ ኣተሓሳስባ ሰባት ነበረ። ማቴዎስ ወንጌላዊ ኩነታት እቲ መልኣኽ እንክገልጽ ‘እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቐመጠ’ ይብል። ነቲ ፍጻሜ ክገብሮ ዝኽእል ንሱ ጥራይ ነበረ። ‘ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ’ ብማለት እንክገልጾ ከኣ ድሮ ሓዲስ ዘመን ከምዝጀመረ ከምቲ ንእኖና ድንግል ማርያም እንከበስራ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ከምዝሕደስን ሓዲስ ዘመን ከምዝጀመረን የመልክት። በዚኸምዚኸስ ነታ ኣፍ መቃብር ዓጽያ ዝነበረት ዓባይ እምኒ እቲ መልኣኽ ጥራይ እዩ ክግልብጣ ዝኽእል እዚ ግን ብሓይሊ ስጋ ዘይኮነ ብምትእትታው ጐይታ እዩ።

“እታ ዓባይ እምኒ ከም ማሕተም ንክፍኣተ ግብርን ሞትን ተረጋግጽ ኰይኑ ንኩሉ ረጊጣ ዓቢጣ ሒዛ ነበረት እንተኾነ እቲ መልኣኽ ትንክፍ ኣቢሉ ገምጠሎ። ኩሉ መደባትን ምክልኻላትን ጸላእትን ኣሰደድትን ኢየሱስ ከንቱ ኾኑ። እቲ ብሓለውትን መንግሥትን ዝተገብረ ማሕተም ፋሕፋሕ በለ። እቲ ኣብታ ንኩሉ ክትዓግት ዝተባህለት ዓባይ ደንጐላ ገልቢጥዋ ኰፍ ኢሉ ዝተራእየ መልኣኽ ጭቡጥ ምልክት ዓወት ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ክፍኣተ ግብርን ሞትን እንከመልክት ብቀንዱ ከኣ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ እዚ ዓለም ማለት ብርሃን ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ጸልማት ዝገልጽ ነበረ።”

ክሕደት ሓቂ!

ኣብ ቅድሚ እዚ ኩነት እዚኣ ማለት ስጋ ኢየሱስ ህልም ዝበለሉ ባዶ መቃብር ዝተፈላለየ ግብረ መልስታት ንዕዘብ። ብቀዳምነት እተን ክፈርሃ ከምዘይብለን ዝተዓደማ ኣንስቲ ብሓጐስ ይመልኣ።

“ጉዳይ እቶም ኣብ ቅድሚ ሓይሊ እግዚአፍብሔር ምንም ክገብሩ ዘይከኣሉ ካብቲ ምግልባት እምንን ትንሣኤን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ዝኸፍኦም ሓለውቲ ዳርጋ ከም ሙታት ኰይኖም ኣብቲ ቦታ ዝተሰጥሑ ዘገርም ነበረ። ነቲ ግዝያዊ ዓወት ዝኾነ ዓወት ሞት ንከረጋግጹ ዝሕልው ዝነበሩ ሓይሊ ትንሣኤ ንኩሉ ፋሕ የብለሎም። መሻኺን እንታይ ይግበሩ እንተበልና ናብቶም ክሕልው ትእዛዝ ዝሃብዎም ከይዶም ነታ ሓቂ ምድርጓሕ እምበር ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ነዞም ሰባት እዚኦም ኣፎም ክዓብሱሉ ዝከኣለሉ እንኮ መንገዲ መዓት ገንዘብ ምኽፋል ነበረ። እዞም መሻኺን ሰባት እዚኦም ከኣ ብሰንኪ ድኽነቶም ንሓቂ ሸጥዋ ገንዘቦም ኣብ ጅባኦም ሒዞም ከዱ። ንዝሓተትዎም ከኣ ኣይተንሠኤን ለይቲ ደቂስና እንከሎና ኣርድእቱ መጺኦም ሰሪቆሞ በሉ። ጐይታ እዚ ዓለም ዝኾነ ንዋይ ሕጂውን ድሕሪ ጉዳይ ይሁዳን ሞት ኢየሱስን እንደገና ኣብ ትንሣኤኡ ንምኽሓድ ሓይሊ ይረክብ።”

ምሉእ ሓጐስ!

ደጊምከስ ሞት ምንም ሓይሊ የብሉን። ነዛ ሕጂ ክንደግማ ተቀሪብና ዘሎና ተፈሥሒ ኦ ንግሥተ ሰማይ ሃሌሉያ እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን ክንብል ዘረጋግጸልናኻ እዚ እዩ። ከመይ ካብዚ ንደሓር ታሕጓስ እኖና ድንግል ማርያም ምሉእ ይኸውን። እቲ ብብዙሕ ስቃይ ዝወለደቶን ዘህደመቶን ዘዕበየቶን ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀራንዮ ክመውት ዝተዓዘበቶን ካብ ሞት ተንሲኡ ንዘለዓለም ሕያው እዩ። እዚ ሓጐስ እዚ ሓጐስና ይኹን። ነዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ንምምስካር የብቅዓና ምስ በሎ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 April 2021, 13:34