ድለ

ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ንኩልና የፍቅር! ነቶም ኣብ ማሕበርና ብዙሕ ዘየዘውትሩ እውን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት 25 ሚያዝያ 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንትሽዓተ ሓደስቲ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ምስ ሃቡ ብሓባር ምሳኦም ንእግዚአብሔር ንምምስጋንን ንሕዝበ እግዚአብሔር ንምብራኽን ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ምሳሌ ተመርኲሶም `ኢየሱስ ንኩለን ኣባጊዑ ይከላኸለለን ይፈልጠን የፍቅረን! ናብ ቤተክርስትያን ብዙሕ ዘይመላለሱ ከምኡ እውን ፈጺሞም ዘይቅልቀሉ እውን ከይተረፈ። ከመይ ኣቦ ንክርስቶስ ዘወፍዮ መጓሰ ውሉድ ኣምላኽ እዮም’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ. 10 ኮይኑ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ከምዝኾነ ዝገልጽ መበገሲ ብምግባር ቅዱስነቶም ‘ከምቲ ቃሉ ብዛዕባ ጓሳን ኣባግዕን ኣብ ዝህቦ ምሳሌ ዝብሎ ብብርሃን ቃሉን ብሓይሊ ህላዌኡን ንዓና እውን ንነፍሲወከፍና በብሓደ ዝፈልጠናን ንክሕግዘናን ንክሓልየልና ንከሕውየናን ካብ ቊስልታት ጌጋታትና ብምሕረቱ ምስ ፈወሰናን እዩ። ንኩልና በብሓደ የፍቅረና። ነቶም ኣብ ማሕበራትና ብዙሕ ዘይመላለሱን ፈጺሞም ዘይመጹን እውን ከይተረፈ። ከመይ ሓቀኛ ጓሳ ንኣባግዑ ይከላኸለለን ይፈልጠን የፍቅረን። ንዓና እውን ብቃሉን ብምሥጢራቱን ይከላኸለልና’ ኢሎም።

ኢየሱስ ብቃሉን ብምሥጢራቱን ይከላኸለልና!

ምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ወትሩ ዝንገረና ብሩህ እኳ እንተኾነ ብመንጽር እቲ ዕሱብ ብገንዘብ ዝጓሲ ጓሳ እንክትጥምቶ ግን ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ ኢየሱስ ብቃሉን ብምሥጢራቱን እንክከላኸል እቲ ዕሱብ ግን ብዛዕባ እተን ኣባግዕ ምንም ኣይግድሶን ከመይ ናቱ ኣይኮናን። ዝዓጦ ደሞዙ ገንዘቡ ጥራይ እዩ ከመይ ብገንዘብ እዩ ተዓሲቡ ዘሎ። ስለዚ ነቶም ኣባግዕ ኣይግደሰለን ኣይከላኸለለን ተዂላ ክመጽእ ምስ ረኣየ ይሃድም ይጥንጥነን’።

“እንተ ኢየሱስ ግን ሓቀኛ ጓሳ ስለዝኾነ ወትሩ ይከላኸለልና ኣብ ጸገም እንክንርከብ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት እንክንህሉ ብብርሃን ቃሉን ብሓይሊ ቅዱሳት ምሥጢራቱን የድሕነና። ነዚኤን ክልተ ምንጪ ድሕነትና ዝኾና ቃሉን ምሥጢራቱን ከኣ እንተደለና ዕለት ዕለት ክንሰምዐንን ክንቅበለንን ንኽእል ኢሎም።”

ኢየሱስ ንነፍሲወከፍ ጌጋና ይፈልጥ እዩ ብምሕረቱ ከኣ ይፍውሰልና!

ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ጓሳን ኣባግዑን ንዘሎ ርክብ እንክገልጽ ‘ኢየሱስ ንኣባግዑ ይፈልጠን ንሰን እውን ይፈልጣኦ’ ይብል። ቅዱስነቶም ጣዕሚ ናይዘን ቃላትን ዝህባኦ ምጽንናዕን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ኢየሱስ ንነፍስወከፍና በብሓደ ከዝፈልጥና ምፍላጥ ንሕና ንኣኡ ማንም ሓመድ ሓፋሽ ከምዘይኮና እኳ ደኣ ሽም ነፍሲወከፍ ከምዝፈልጦ ምፍላጥ ክንደይ ይጥዕም። ንሕና ንኣኡ ሓመድ ሓፋሽ ኣይኮነን ነፍስወከፍ ፍሉይ ኣካል ኰይኑ ታሪኽ ነፍሲወከፍና ብኣኡ ዝደሓናን ብምዃና ከኣ ዓቢይ ክብሪ ከምዘሎና እዩ ዝፈልጠና’ ኢሎም።

“ምናልባት ነፍስወከፍና ኢየሱስ ንዓይ ይፈልጠኒ! ንነፍስወከፍና ይፈልጥ! ክብል ይኽእል። እወ ሓቂ እዩ ከምኡ እዩ። ንነፍሲወከፍና ማንም ካብ ዝፈልጠና ንላዕሊ ይፈልጠና። ኣብ ውሽጢ ልብና እንታይ ከምዘሎ ዝፈልጥ ሓሳብናን ተሓቢኡ ዘሎ ስምዒታትናን ዝፈልጥ ንሱ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ኣዎንታውን ኣሉታውን ጐድናታትና ይፈልጥ። ንክሕግዘና ከኣ ወትሩ ምስ ተሰናደወ እዩ። ንቊስልታት ጌጋታትና ብብዝሒ ምሕረቱ ይፍውሰልና።”

ማንም ካብና ንከይጠፍእ ኢየሱስ ንነፍስወከፍና የፍቅረና!

ኣብ ኦሪት እግዚአብሔር ብነብያቱ ገሩ ባዕሉ ሕዝቡ ክጓሲ ምዃኑ ክእክቦም ምዃኑ ንዝቈሰለ ክዝንን ንዝሓመመ ክፍውስ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። እነሆ እምበአር እቲ ሕያዋይ ጓሳ ልዕሊ ኩሉ ንኣባግዑ ዘፍቅር። ስለዝኾነ ከኣ ንሕይወቱ በጃ ኣባግዑ የወፍያ። እዚ ፍቅሪ እዚ ንኩልና ንነፍሲ ወከፍና እዩ። ኣብ መስቀል ክሳብ ሙማት ኣብጾሖ ከመይ ፍቃድ እግዚአብሔር እዙይ ስለዝነበረ። ምኽንያቱ ከኣ ማንም ንከይጥፍእ እዩ።

ኢየሱስ ኩሎም ፍቅሪ ኣቦ ክቅበሉ ይደሊ!

ቅዱስነቶም ስፍሓትን ዕብየትን ናይዚ ፍቅሪ እዚ ምስ ገለጹ ምናልባ ብኣመለኻኽታ ደቂሰባት ከከም መንፈዓትና ዝመስለና እሞ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዝመላለሱን ምሥጢራት ዝሳተፉን ጥራይ ናይ ምሕዛእ ፈተነ ከየጋጥመና ብማለት ‘እንተኾነ ፍቅሪ ኢየሱስ ሌላን ጒሌላን ኣይገበርን እዩ ንኩሉ እዩ ዚሓቊፍ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ወንጌሉ ናይዚ ደምበ እዚ ዘይኮና ካልኦት ኣባግዕ እውን ኣለዋኒ ንአአን እውን ከይደ ከምጸኤን ይግብኣኒ እዩ። ኩለን ድምጸይ ክሰምዓ እየን እሞ ሓደ መጓሰ ኣብ ሓደ ደምበ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ክኾና እየን ይብል። እዘን ቃላት እዚአን ጒስነት ንኩሉ ዘጠቃልል ምዃኑ ነዚ ከኣ ብዙሕ ሃረር ከምዝብሎ የብርሃ። በዚኸስ ኢየሱስ ኩሎም ፍቅሪ ኣቦኡ ክቅበሉን ንእግዚአብሔር ክረኽቡን እዩ ድላዩ። ቤተክርስትያን ከኣ ነዚ ተልእኮ ኢየሱስ ኣብ ግብሪ ክተውዕል ዝተላእከት እያ። ነቶም ዕለት ዕለት ኣብ ማሕበራትና ዝመላለሱ ጥራይ ክንጥምት የብልናን ከማ ካብና ዝበዝሑ ኣይመላለሱን ወረ ገሊኦም ፈጺሞም ኣይቅልቀሉን እዮም።

“እንተኾነ በዚ ምኽንያት እዚ ደቂ እግዚአብሔር ኣይኮኑን ክንብል ኣይንኽእልን ከመይ እግዚአብሔር ኣቦ ነቲ ሕያዋይ ጓሳን ስለኩሎም ሕይወቱ ዘሕለፈን ኢየሱስ ሓደራ ስለዝሃቦ እዚኦም እውን ደቂ እግዚአብሔር እዮም ኢሎም።”

ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዝኣገረ ንሕና እቶም ናቱ ንብሃል ንሕያዋይ ጓሳ ክንክተሎ ብሓጐስ ከኣ ኣብ ተልእኮኡ ክንተሓባብር ትደግፈና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 April 2021, 16:39

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >