ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ንኩልና የፍቅር! ነቶም ኣብ ማሕበርና ብዙሕ ዘየዘውትሩ እውን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ. 10 ኮይኑ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ከምዝኾነ ዝገልጽ መበገሲ ብምግባር ቅዱስነቶም ‘ከምቲ ቃሉ ብዛዕባ ጓሳን ኣባግዕን ኣብ ዝህቦ ምሳሌ ዝብሎ ብብርሃን ቃሉን ብሓይሊ ህላዌኡን ንዓና እውን ንነፍሲወከፍና በብሓደ ዝፈልጠናን ንክሕግዘናን ንክሓልየልና ንከሕውየናን ካብ ቊስልታት ጌጋታትና ብምሕረቱ ምስ ፈወሰናን እዩ። ንኩልና በብሓደ የፍቅረና። ነቶም ኣብ ማሕበራትና ብዙሕ ዘይመላለሱን ፈጺሞም ዘይመጹን እውን ከይተረፈ። ከመይ ሓቀኛ ጓሳ ንኣባግዑ ይከላኸለለን ይፈልጠን የፍቅረን። ንዓና እውን ብቃሉን ብምሥጢራቱን ይከላኸለልና’ ኢሎም።
ኢየሱስ ብቃሉን ብምሥጢራቱን ይከላኸለልና!
ምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ወትሩ ዝንገረና ብሩህ እኳ እንተኾነ ብመንጽር እቲ ዕሱብ ብገንዘብ ዝጓሲ ጓሳ እንክትጥምቶ ግን ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ ኢየሱስ ብቃሉን ብምሥጢራቱን እንክከላኸል እቲ ዕሱብ ግን ብዛዕባ እተን ኣባግዕ ምንም ኣይግድሶን ከመይ ናቱ ኣይኮናን። ዝዓጦ ደሞዙ ገንዘቡ ጥራይ እዩ ከመይ ብገንዘብ እዩ ተዓሲቡ ዘሎ። ስለዚ ነቶም ኣባግዕ ኣይግደሰለን ኣይከላኸለለን ተዂላ ክመጽእ ምስ ረኣየ ይሃድም ይጥንጥነን’።
ኢየሱስ ንነፍሲወከፍ ጌጋና ይፈልጥ እዩ ብምሕረቱ ከኣ ይፍውሰልና!
ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ጓሳን ኣባግዑን ንዘሎ ርክብ እንክገልጽ ‘ኢየሱስ ንኣባግዑ ይፈልጠን ንሰን እውን ይፈልጣኦ’ ይብል። ቅዱስነቶም ጣዕሚ ናይዘን ቃላትን ዝህባኦ ምጽንናዕን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ኢየሱስ ንነፍስወከፍና በብሓደ ከዝፈልጥና ምፍላጥ ንሕና ንኣኡ ማንም ሓመድ ሓፋሽ ከምዘይኮና እኳ ደኣ ሽም ነፍሲወከፍ ከምዝፈልጦ ምፍላጥ ክንደይ ይጥዕም። ንሕና ንኣኡ ሓመድ ሓፋሽ ኣይኮነን ነፍስወከፍ ፍሉይ ኣካል ኰይኑ ታሪኽ ነፍሲወከፍና ብኣኡ ዝደሓናን ብምዃና ከኣ ዓቢይ ክብሪ ከምዘሎና እዩ ዝፈልጠና’ ኢሎም።
ማንም ካብና ንከይጠፍእ ኢየሱስ ንነፍስወከፍና የፍቅረና!
ኣብ ኦሪት እግዚአብሔር ብነብያቱ ገሩ ባዕሉ ሕዝቡ ክጓሲ ምዃኑ ክእክቦም ምዃኑ ንዝቈሰለ ክዝንን ንዝሓመመ ክፍውስ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። እነሆ እምበአር እቲ ሕያዋይ ጓሳ ልዕሊ ኩሉ ንኣባግዑ ዘፍቅር። ስለዝኾነ ከኣ ንሕይወቱ በጃ ኣባግዑ የወፍያ። እዚ ፍቅሪ እዚ ንኩልና ንነፍሲ ወከፍና እዩ። ኣብ መስቀል ክሳብ ሙማት ኣብጾሖ ከመይ ፍቃድ እግዚአብሔር እዙይ ስለዝነበረ። ምኽንያቱ ከኣ ማንም ንከይጥፍእ እዩ።
ኢየሱስ ኩሎም ፍቅሪ ኣቦ ክቅበሉ ይደሊ!
ቅዱስነቶም ስፍሓትን ዕብየትን ናይዚ ፍቅሪ እዚ ምስ ገለጹ ምናልባ ብኣመለኻኽታ ደቂሰባት ከከም መንፈዓትና ዝመስለና እሞ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዝመላለሱን ምሥጢራት ዝሳተፉን ጥራይ ናይ ምሕዛእ ፈተነ ከየጋጥመና ብማለት ‘እንተኾነ ፍቅሪ ኢየሱስ ሌላን ጒሌላን ኣይገበርን እዩ ንኩሉ እዩ ዚሓቊፍ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ወንጌሉ ናይዚ ደምበ እዚ ዘይኮና ካልኦት ኣባግዕ እውን ኣለዋኒ ንአአን እውን ከይደ ከምጸኤን ይግብኣኒ እዩ። ኩለን ድምጸይ ክሰምዓ እየን እሞ ሓደ መጓሰ ኣብ ሓደ ደምበ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ክኾና እየን ይብል። እዘን ቃላት እዚአን ጒስነት ንኩሉ ዘጠቃልል ምዃኑ ነዚ ከኣ ብዙሕ ሃረር ከምዝብሎ የብርሃ። በዚኸስ ኢየሱስ ኩሎም ፍቅሪ ኣቦኡ ክቅበሉን ንእግዚአብሔር ክረኽቡን እዩ ድላዩ። ቤተክርስትያን ከኣ ነዚ ተልእኮ ኢየሱስ ኣብ ግብሪ ክተውዕል ዝተላእከት እያ። ነቶም ዕለት ዕለት ኣብ ማሕበራትና ዝመላለሱ ጥራይ ክንጥምት የብልናን ከማ ካብና ዝበዝሑ ኣይመላለሱን ወረ ገሊኦም ፈጺሞም ኣይቅልቀሉን እዮም።
ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዝኣገረ ንሕና እቶም ናቱ ንብሃል ንሕያዋይ ጓሳ ክንክተሎ ብሓጐስ ከኣ ኣብ ተልእኮኡ ክንተሓባብር ትደግፈና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።