ስለ እቶም መሰል ደቂሰባት ንምክልኻል ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ዝቀርብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሚያዝያ 2021 እውን ከምቲ ልሙድ በቲ ንሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ ምሉእ ዓለም ዝዝርግሕ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ አቢሉ ኣብዚ ዘመንና ገኒኑ ዘሎ ግህሰት መሰል ደቂሰባት ብዝምልከት ንመሰል ኩሉ ሰብ ንምክልኻል ሕይወቶም ከይበቀቁ ዝቃለሱን ምእንቲ እዚ ቅዱስ ዕላማ እዚ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ክንጽሊ ጸዊዖም። እዚ ጸገም እዚ ብቀንዱ ኣብተን ብውልቀ መራሕቲ ዝምራሓን ዝሳቀያን ሃገራት ከምኡ እውን ቅልውላው ዲሞክራሲ ኣብ ዘለወን ሃገራት ካብ ማእሰርትን ምክልባትን ስደትን ክሳብ ምሥዋትነት ዚሓትት ምዃኑ ዕለታዊ ዜና ካብ ዝኸውን ኣይውሓደን።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ንጸሎት ምዕዳም ኣብ ገሊኤን ሃገራት ንዝርኤ ርኡይ ጸገም ንምግላጽ ‘ኣብ ገሊኡ ከባቢታት መሰል ደቂሰባት ምክልኻል ዓቢ ዋጋ የኽፍል። እዚ ክሳብ ክስን ፍርድን ዘይብሉ መወዳእታ ኣልቦ ማእሰርትን ጸለመን ከስዕብ ይኽእል’ ኢሎም። መሠረታውያን መሰል ደቂ ሰባት ብሕይወት ካብ ምንባርን ንምንባር ዘድሊ ነገራትን ዝርከብዎም ወዲሰብ ብምልኣት ንክምዕብል መሰሉ ስለዝኾነ እዚ መሰል እዚ ብማንም ሃገር ክገሃስ ኣይክእልን። እንተ እቲ ዝረኤ ዘሎ ጸገማት ብዙሕ እዩ። ነዚ መሰል እዚ ንምርግጋጽ ማለት ደቂሰባት ብማዕርነት ምልኣት ዘለዎ ምዕባሌ ክረኽቡ ተጻይ ድኽነት ዝቃለሱ ኣብ መንጎ ሰባት ንዝርኤ ዘይማዕርነት ኣልዮም ፍትሕን ማዕርነትን ንከንግሱ ዝጋደሉ ንሽቅለት ኣልቦነት ከፋዂሱ ዝተኻእሎም ዘበርክቱ ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነ ዓለም ንምክንኻን ከምኡ እውን መሰል ሠራሕተኛታት ንክሕሎ ብሓፈሻ መሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት ንምክልኻል ትብዓትን ቈራጽነትን የድሊ እንክብሉ ይገልጹ እሞ ንጸሎት ይዕድሙ።

“ስለ እቶም ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቅ መሰላት ደቂሰባት ንክሕሎ ኣብ ውልቀ ምልኪ ዘለወን ዓብለልቲ ገዛእቲ ዘለውወን ሃገራት ከምኡ እውን ኣብተን ዲሞክራሲ ኣብ ቅልውላው ዝወደቀለን ሃገራት ዝጋደሉ ንጸሊ። ናይቲ ዘውፍይዎ መሥዋዕትነትን ዝገብርዎ ሥርሓትን ፍረጻማ ብዕጽፍን ድርብን ርእዮም ምእንቲ ክኽእሉ ንጸሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ከምቲ ሕጊ ንኩሉ ማዕረ እዩ እናበልካ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዘይማዕርነት ፍትሒ ዘጒድልን በደል ኣብ ርእሲ በደል ዘኸትልን መሠረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት እውን ንኩሉ ማዕረ እዮም እናተባህሉ ብዙሕ ግዜ ግን ንኩሉ ማዕረ ኣይኮነን። ብዘሕዝን መልክዑ ከኣ ኣብዚ መሠረታዊ መሰል እዚ ገሊኦም ብቀዳምነት ዝስርዑ ገሊኦም ብካልኣይ ደረጃ ገሊኦም ከኣ ሳልሳይ ደርቢ ዝሕዙ ክሳብ ካብኡ ዝግለሉ እውን ኣለው። እዚ ፈጺምካ ክኸውን የብሉን። ከምቲ ኣዋጅ ዝብሎ ‘መሰል ደቂሰባት ንኩሉ ብማዕረ ክኸውን ኣለዎ’ እንክብሉ ነቲ ዘሎ ዘይማዕርነት ኣትሪሮም ይቃወሙ።

አድላይነት መሰል ደቂሰባት ኣብ ቤተክርስትያን!

ቤተክርስትያን ካብ ትምስረት ኣትሒዛ ንመሰል ደቂሰባት ምስ ተጣበቀት እያ። ዓለምና ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ብ1948 ዓም ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ቀዳማይ ሕጋዊ ሰነድ ንመሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት ኩሉ ክከላኸሎን ክጣበቀሉን ክሕልዎን ዝብል ኣዋጅ ኣወጁ። ቤተክርስትያን እውን ሽሕ’ኳ ኣብ ውሽጣ ወትሩ ትገብሮ እንተነበረት በቲ ቀስ ብቀስ ናብ ኩሉ ዝጋዋሕ ዝነበረ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገቢራ ምናዳ ኸኣ ኣብ ስሳታት ብስም ዝሑል ኲናትን ደፋፋኢ ኮሙኒስታዊ ውልቀምልክን ብዙሕ ኣደራዕ ምስ ወረደ ብ1963 ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ፓቸም ኢን ተሪስ ወሰላም በምድር እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ገሮም http://www.vatican.va/content/john-xxiii/en/encyclicals/documents/hf_j-xxiii_enc_11041963_pacem.html ነቲ ብዓለማዊ ቋንቋ ቊጠባዊ መሰላት ዝብልዎ ‘ነፍሲወከፍ ሰብ ንክነብር መሰል ኣለዎ` ዝብል ኣካላዊ ውህደትን ንኣኡ ዝሕግዙን ዘድልዩን መሰረታውያን ነገራት ክብረት ካብ ዘለዎ መነባብሮ ጀሚርካ መግብን ክዳንን መንበርን ዕረፍትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክረክብ ነፍስወከፍ መሰል ከምዘለዎ ዝገልጽ ነበረ።

ፍራተሊ ቱቲ - ኩልና ኣሕዋት!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት http://www.vatican.va/content/francesco/it/encyclicals/documents/papa-francesco_20201003_enciclica-fratelli-tutti.pdf  ኣብ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝጠቃለል በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጭብጡ ኣትሒዞም ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምናዳ ድኻታትን ማሕበረሰብ ዝገለሎም ሰባትን ዝገደፍካ ገዲፍካ ክሳብ ሻውላት ከድካ ክሕገዙ መሰል ከምዝለዎም ደጋጊሞም ገሊጾም እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

08 April 2021, 07:51