ፍራንቸስኮ፥ ናይ ዕርቂ መንፈስ ክውለድ መታን ምእንቲ ቨነዝወላ እጽልይ!
ብምኽንያት ኣዋጅ ብጽዕና ዶክተር ኾሰ ግረጐርዮ ሀርናንደዝ ሲስነሮስ ኣብ ሃገረ ቨነዝወላ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ፡ ንኹሎም ጳጳሳትን ምእመናንን ቨነዝወላ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ብጽዕና እዚ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር ንናይ ሓባር ረብሓ ስጉምቲ ንኽንወስድ ከም ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ እምሕጸን፡ ኣብ ጉዕዞ ፍትሕን ተስፋን ንኸሰንየክውም ክበጽሓኩም ምደለዅ” ከምዘበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኾሴ ግረጐርዮ ሄርናንደስ ሲስነሮስ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወቱ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ዝተሓረጉን ኣብ ምግልጋል ዘሕለፈን፡ ነዚ ናይ ድኻታት ሓኪም’ዚ ኵሎም ዘፍቀርዎን ብፍላይ ስኡናት ኣዚዩም ዘፍቅርዎን ዘኽብርዎን ከምዝኾነን፥ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ናይዚ ናይ ድኻታት ሓኪም ብጽዕና ንቨነዝወላ ዓቢይ ጸጋ እዩ ቢሎም፥
ብዙሕ እዋን ብግልን ኣብ ሓፈሻዊ ርክባትን ምስ ተወለድቲ ቨነዝወላ ኣብ ዘካየድክዎ ርክብ ናይ ግረጐርዮ ብጽዕና ማዕስ ኮን ይኸውን ዝብል ሕቶ ይቐርበለይ ከምዝነበረ ክሕብረኵም እፈትው፡ እዚ ኸኣ ግረጐርዮ ኣብ ልቢ ኵሎም ተወለድቲ ቨነዝወላ ህልውን ፍቑርን ምዃኑ እዩ ዝምስክር፡
ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
መንፈስ ዕርቂ
ኣብ ዙርያ እዚ “ኣማኒ ሰዓቢ ክርስቶስ፡ ኵላዊ ኣገልጋሊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዘሪእዎ ዝሓለፈ ናይ ሓድነት ክብሪ፡ ቨነዝወላ ብቀቢጸ ተስፋ ከይትሰዓርን ናብ ሓድነት ዝወስድ መገዲ ብጭቡጥ ሓለፋ ክትብል ዘተባብዕ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥
ብጽዕና ዶክተር ሀርናንደስ ንቨነዝወላ ፍሉይ ናይ እግዚኣብሔር በረኸትን ንኽንልወጥን እዛ ሃገር እዚኣ ንኽትነብር ዘድልያ ሕድሕዳዊ ዝለዓለ ምትሕብባርን ዝላበው እዩ፡ እዚ ኸኣ ኵሉ ብሓባር ኣብ ኣገልግሎት ናይ ሓባር ጥቕሚ ስሉጥ ክኸውንን ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ብመንፈስ ዕርቂ ዳግም ንኽንውለድ ዘተባብዕ እዩ፡
ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናይ ሕዝቢ ተስፋ
ሓንቲ ብለብዒ ዝተጠቕዐት ሃገርን ብዙሓት በዚ ሕማም ዝልከፉላን ንሓደጋ ሞት ዝተቓልዑላን ነቶም ዝተለኽፉ ንምሕዋይ ብዙሓት ናይ ሕይወት መስዋዕቲ ዝኸፈሉላን ዝኸፍሉላን ሃገር እቲ ብጽዕና ተላባዒ ክኸውንን፥
ንዅሎም ነቶም ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ ካብ ሃገር ዝወጹን ከምኡውን ነቶም ናጽነቶም ዝተኸልከሉን፡ ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ ዘይብሎምን ኣብ ኣእምሮይ ህልዋት እያቶም፥ ኵላትኩም ናይዚ ብጹዕ እዚ ደቂ ሃገር ኢኻትኵም፡ ኵላትኵም ሓደ ዓይነት መሰልን ክብርን ዘለኵም ኢኻትኩም፡ ንዅላትኩም ብፍቕሪ አሰንየኩም፡ ልክዕ ከምቲ ስቓይኵም ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ዘሎኩም ዓቢይ እምነትን ተስፋን እውን እፈልጦ እየ፡
ብሓባር ኪብጻሕ ዘለዎ ሰላምን ዕርቅን
ፍራንቸስኮ ዶክተር ሄርናንደዝ ይቕር ኣብ ምባልን ይቕረ ክበሃል እውን ኣብ ምፍቃድን፡ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ንኻልኦት ብተገዳስነትን ብፍቕርን ናይ ምግልጋል መንፈስን ተግባርን ክንስዕብ እንክላበዉ፥
ኣብ መንጐ ቨነዝወላውያን ዕርቅን ሰላምን ክርከብ ናብ ኣምላኽ እጽልይ፡ ክበጽሓፍኩም ምደለዅ፡ መንግስታውያን ትካላት ንዅሎም ድሕንነትን ምትእምማንን ከቕርባን ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ እዛ ጽብቕቲ ሃገር እዚኣ ወትሩ ንሰብኣዊ ዕቤትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዝኸውን ኣጋጣምታት ክረክብን፡
ተማሕጺኖም፡ ንዅሎም ናይታ ሃገር መርሕነትን ሰብ ትካላትን ገዳማውያንን እቲ ምድሓን ብሓባር ምዃኑ ከስተውዕሉ ጻውዒት እንከቕርቡ፥
እቲ ጉዕዞ ናይ ሓባርን ሓባራውን ናይ ኵሉን እዩ! መገዲ ሃገራዊ ሓድነት ነናድይ፡ እዚ እዩ ንቨነዝወላ ዝጠቅም። ቨነዝወላ፡ ዜጋታት ንቡር ፍርያምነትን ደሞክራሲያዊ ርግኣትን ድሕንነትን ፍትሕን ከምኡ እውን ተስፋ ምእንቲ ክነብሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኣኽብሮትን ሓባራዊ ምቅብባልን ጀሚሩ ነቲ ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ኣገዳነት ቀዳምነት ብምሃብ ሓድነትን ሰላምን ብልጽግናን ንምርካብ ኣብ ምዕያይ ጥርኑፍ ዝኾነላ ሃገር ትኹን።
ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሓድነት ብዘይ እደ ኣታውነት
ኵላትና ብሓባር ነታ ኩሉ ቦታን መጻእን ዝረኽበላ ሃገር ቨነዝወላ ከነማዕድው እጽልይ፥
ግዳማዊ እደ ኣታውነት ነቲ እታ ሃገራዊ ሓድነት እተካይድዎ ጉዕዞ ከየተዓናቕፍ ንጐይታ እጽልይ፡ ክበጽሓኩም ክንደይ ምደለዅ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ጸሎትኵም ኣይትረስዑኒ ምእንታይ ጸልዩ፡ ኣብ ጉዕዞኹም እሰንየኩም!
ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፡
ምድጋፍን ይቕረ ምባልን
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ነቲ ወንጌል ናይ ሕይወት መለክዒ ዝገበረን ጸዋዕታኡ ዝደለየን ትእዛዝ ኣምላኽ ዘኽበርን መዓልታዊ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝተኻፈለን ንጸሎት ግዜ ዘወፈየን ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝኣመነን ሓድሽ ብጹዕ እወክፈኵም። ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ ሰናይን ናይ ትሕትናን ክፉት ናይ ምዃንን ኣብ ቅድሚ ናይ ካልእ ስቓይ ቦቕባቕ ናይ ምዃን ኣብነት እዩ። . . . ኣእጋር ዝሓጽብ፡ ከምቲ ኢየሱስ ንደቀመዛሙርቲ ዝገበሮ፡ ብትሕትና እውን ኣእጋርካ ክሕጸባ ምፍቃድን፥ እቲ ሓድሽ ብጹዕ ነዚ ሕይወት ዝነበረ እዩ፥
ንሓድሕድና ንተኣናገድ፡ ነቲ ካልእ ልክዕ ከማይን ማዕረይን ብዘይ ምስትንዓቕን ምእንጋድ፡ ንሓድሕድና እውን ብምግልጋልን ንኽንግልገል ምፍቃድን ካልኦት እውን ንኽሕግዙና ምፍቃድ እውን፡ ይቕረ ክንብል ይቕረ ክበሃለልና ምፍቃድ . . . ንሓድሕድና ኣእጋርና ንተሓጻጸብ . . . እዚ ኸኣ ንሓድሕድና ከምእንፋቐር ዘረጋግጽ እዩ!
ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።