2021.04.19 ቅድሚ ክልተ ዓመት ግንቦት 12 2029 ቅዱስነቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ መዓርገ ክህነት እንክህቡ 2021.04.19 ቅድሚ ክልተ ዓመት ግንቦት 12 2029 ቅዱስነቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ መዓርገ ክህነት እንክህቡ 

ር.ሊ.ጳ ዝመጽእ ሰንበት ንትሽዓተ ሓደስቲ ካህናት ሰበኻ ሮማ ሢመተ ክህነት ክህቡ እዮም!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ዕለተ ጸዋዕታ ኢላ ብምውሳን ስለ ጸዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ክጽለ ካብ ትውስን ነዊሕ ኰይኑ። ኣብ ናይ ሎምዘመን ራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብታ ኣቡና ዝኾኑ ሰበኻ ሮማ ተዀስኲሶም ንመዓርገ ክህነት ብቊዓት ንዝተባህሉ ትሽዓተ ዲያቆኖት ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ሢመተ ክህነት ክህቡ ምዃኖም እንክምልከት እዞም ዲያቆናት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዘርአ ክህነታት ኮለጃትን ዝተዀስኰሱ ኮይኖም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጺኦም ኣብ ሰበኻ ሮማ ንከገልግሉ ዝወሰኑ እዮም። እቲ ሥርዓት ብመራኸቢ ብዙሓን ናይ ቫቲካንን ተለፓቸን ቲቪ2000 ዝበሃሉ ኣገልግሎት ተለቪዥንን ብቀጥታ ክመሓላለፍ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ነዞም ትሽዓተ ዲያቆናት ብዝርዝር እንክምልከት ሽድሽተ ካብ ጳጳሳዊ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ሮማ ክልተ ካብ ሰበኻዊ ኮለጅ እመ መድኀኒ ከምኡ እውን ሓደ ካብ ዘርአ ክህነት ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮታዊ ፍቅሪ እዮም። እዚኤን ዝጠቅስናዮን ተቊዋማት ኩለን ንኣገልግሎት ኲስኰሳ ካህናት ሰበኻ ሮማ ዝተዋፈራ ኰይነን ዝመጽእ ሰንበት ዕለት 25 ሚያዝያ 2021 ዓም ብኢድ ር.ሊ.ጳ መዓርገ ክህነት ንክቅበሉ ነፍሲወከፍ ተቊዋም ዲያቆናቱ ሒዙ ኣብ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ክቀርብ እዩ። እቲ ሥርዓት ዝፍጸመሉ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኮይኑ ካብቲ ብዙሕ ታቦታቱ ኣብታ መንበረ ታቦት ኑዛዜ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 9 ቅድሚ ቀትሪ እቶም ትሽዓተ ዲያቆናት ንምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔርን ንቤተክርስትያንን ከገልግሉ ሕይወቶም ንምውፋይ ኣብ ቅድሚ ቅዱስነቶም ክቆሙ ምዃኖም ተመልኪቱ። እዞም መንእሰያት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ምዃኖምን ዘድሊ ኲስኰሳ ረኺቦም ነዚ ምብቃዖምን ነቲ ብዶን ቦስኮ ዝፍለጥ ዓቢይ ቅዱስ ጠበቃ መንእሸያት ክንብሎ እንኽእል ኣገባብ ህንጸት መንእሰያት ዝተኸተለ ኣገባብ ምዃኑ እውን ብሰብ መዚ ኲስኰሳ ተገሊጹ።

ኣብ ኣሰር ዶን ቦስኮ!

በዚ ፍጻሜ እዚ ብጣዕሚ ዝተሓጐሰን ዝዓገበን ቪካርያቶ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ናይ ነፍሲወከፍ መንእሰይ መበቆልን ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዲያቆናት ጆርጅ ማርዩስ ቦዳን መበቆሉ ሃገረ ሩማያ ኰይኑ ጸዋዕታኡ ካብ ሕጻንነቱ ክስምዖ ከምዝጀመረ ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖ ከኣ ታሪኽ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ክከታተል ምስ ጀመረ ምዃኑ ብዓቢ ስምዒት ይገልጽ። ካልእ ኢጣልያው ዲያቆን ካብ ካላብርያ ዝመጸ ወዲ 32 ዓመት ሳልቫቶረ ማርኮ ሞንቶነ እውን በዚ መሥራቲ ሳለዛውያን ዝኾነ ዓቢ ቅዱስ ተጸልዩ ሃረርታ ክህነት ከምዘሕደረን ምልክቱ ከኣ ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ ብዙሓት ሕጻናት ብምንባሮም ንሱ ናይ መጨረሻ ብምንባሩ እቲ ንሓደስቲ ተጠመቅቲ ሕጻናት ዝዕደል ንጽሕና ዘመልክት ጻዕዳ መንዲል ስለዝተወደኤ እቲ ዘጠምቆ ዝንበረ ካህን ዝገብሮ ምስ ሰኣነ በቲ ለቢስዎ ዝነበረ ልብሰ ተክህኖ ኣክሚም ገሩ ከምዝሸፈኖ እዚ ከኣ ምልክት ናይዛ ጸዋዕታኡ ገሩ ከምዝወሰዶ ገሊጹ።

ዲያቆን ሳልቫቶረ ማርኮ ምሥጢር ጸዋዕታኡ ብዝበለጸ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ንከተኣሳስር ዝደፍኦ ኣብቲ ዝዓብየሉ ዝነበረ ከባቢ መንእሰያት ዝእከቡሉ ናይ ቊምስና ማእከል ብሳለዛውያን ዝካየድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዕድመኡ ምስ ኣኸለን ከስተንትን ኣብ ዝጀመረሉን ግዜ ጸዋዕታ ክህነት ሓደ ለይቲ ኣብ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን እንከሎ ምዃኑ እዚ ከኣ ኣብታ ሁመት እቲኣ እተን ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ኣገልግሎት ኣሕዋት ተዋፈር ዝብል ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ጻውዒት ኣብ ልቡ እንክመላለስ እቲ  ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቤተክርስትያን ኣብ ጐልጐል ዝተደኰነት ክፉት ዳስ መእለይ ሕሙማት እያ ዝብል ሓሳብ ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ክውን ንክኸውን ዝሓገዛ ከኣ እቲ ናብ ዝደኸዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተዘርጋሐ ኣእዳው ቤተክርስትያን ሰበኻ ሮማ እየን ኢሉ። ካብኡ ቀጺሉ ተመሳሳሊ ዛንታ ጸዋዕታ ዘለዎ ዲያቆን ድየጎ ኣርማንዶ ባረራ ፓራ ወዲ 27 ዓመት መበቆሉ ሃገረ ኮሎምብያ ደቡብ ኣመሪካ ዝኾነ ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ ብወለንታኡ ንትሕቲ ዕድመ እሱራት ንምግልጋልን ኣብ ሓደ ማሕበር ሓገዝ ብወልፊ ዕጸ ፋርስ ዝተሸንፉ ንምሕጋዝ ዝቆመ ማሕበርን የገልግል ነበረ። ‘ጸዋዕታ ክህነትይ ማለት ንዘለዓለም ንብጻየይ ክሕግዘሉን ከገልግለሉን ዝኽእል መጋበሪ ምዃኑ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ተወሊዱ’ ይብል።

ነጻ ኣገልግሎት ፍቅሪ!

ካብ ኩሎም ብዕድመ ዝነኣሰ ዲያቆን ማንወል ሰቺ ወዲ 26 ዓመት ኰይኑ ካብ ሰበኻ ሮማ እዩ። ኣብ ቊምስና ቶረ ኣንጀላ ናይ ሮማ ዝዓበየ ኰይኑ እዛ ቊምስና እዚኣ መንፈስ ማሕበርን ሠናይ ተመኲሮኡን ብምቅሳም ምኽንያት ጸዋዕታኡ ከምዝኾነ ይገልጽ። ከምኡ እውን ካብ ዞባ ሲቺልያ ሃገረ ጣልያን ዝተሓወሶም ወዲ 43 ዓመት ዝኾነ ዲያቆን ሳልቫቶረ ሉከዚ ጸዋዕታኡ ብሱል ጸዋዕታ ዝበሃል ማለት ድሕሪ ከልእ ተመኲሮ ሕይወት ድሕሪ ዝመጽእ ጸዋዕታ እኳ እንተኾነ ኣቀዲሙ ግን ኣብ ንኡስ ዕድመኡ እዚ ጸዋዕታ እዚ ይስምዖ ከምዝነበረ ይገልጽ። ነቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝስምዖ ዝነበረ ጸዋዕታ ሸለል ኢሉ ኣብ ካልእ ትምህርትን መጽናዕትን ኣትዩ እንክጐዓዝ ኰይኑ ንመጽናዕታት ዩኒቨርሲቱ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተረኽበሉ እዚ ጸዋዕታ እዚ ዳግም ከምዝመጸን ‘ጐይታ ወትሩ ምሳይ ከምዝነበረ ንኩሉ ከኣ ምንም ከይሓተተ ብነጻ ስለዝዓደለንን ኣሜን ኢለ ምቅባልን ምምስጋንን እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣይነበረንን’ እንክብል ዘርኢ ጸዋዕታ ዝደንጐየት ትደንጒ ውዒላ ሓዲራ ምብቋላን ፍረ ምሃብን ከምዝተርፍ ገሊጹ።

ቀጺሉ ታሪኽ ሕይወቱ ዝገልጽ መበቆሉ ሃገረ ብራዚል እዚ እውን ደቡብ ኣመሪካ ምዃኑ እዩ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ሥራሕ ሃሰስ ይብል እሞ ንሓደ ዝሸምገለ ሰብ ኮምፕዩተር ውዑል ይኣቱ። እዚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ እቲ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ እውን ምስናይ ይሓትት ስለዝነበረ ናይ ሎሚ ወዲ 29 ዓመት ዲያቆን ማተዩስ ኤንሪኰ ኣታይደ ዳ ክሩዝ ምስቲ ሽማግለ ብሓባር ኣብ ጸሎተ መቊጸርያ ይጽመድ። ሎሚ ተመሊሱ እንክምልከቶ ከኣ ‘ኣብ መጀመርያ ከም ሥራሕ እውን ስለዝነበረ ቁሩብ ተጽዕኖ ክስምዓንን ክኸብደንን ጀሚሩ ቀስ ብቀስ ግን ነዚ ብሓባር ምጽላይ ክፈትዎ ጀሚረ። በብቁሩብ ንዓይ እውን ከምዘድልየኒ ክግንዘብ ጀሚረ ድሕሩ ከኣ መበገሲ ጸዋዕታይ ኮነ’ እንክብል ኣብ ዘርአ ክህነት ቅድስት እኖና ድንግል መለኮታዊ ፍቅሪ ን7 ዓመት ተኰስኲሱ ሎሚ ኣብ ድሮ መዓርገ ክህነት ከምዝበጽሐ የዘንቱ።

ኣብ መወዳእታ ክልተ ዲያቆናት ካብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝመጹ ወዲ 40 ዓመት ዲያቆን ሪካርዶ ቸንዳሞ ኣብ ምፍራይ ፊልም ዳይረክተር ኰይኑ ዘገልገል ከምኡ እውን ወዲ 28 ዲያቆን ሳሙወል ፕየርማሪኒ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ሮማ ጸዋዕታ ክህነት ንኩሉ ከምዝልውጡ ዝገበሮም ታሪኽና ብሱር መሠረቱ ተለውጡ እዩ ነቲ ዝነበርናዮ ናይ ዓለም ሥራሕ ጠንጢናዮ ኢና መዓርገ ክህነትና ብዓቢ ሃንቀውታ ንጽበዮ ኣሎና እንክብሉ ነፍሲወከፎም ነናቶም ታሪኽ ጸዋዕታ ግን ከኣ ሓደ ዕላማ ክህነት ከምዝውንኑ እቲ መግለጺ ቪካርያቶ ሮማ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 April 2021, 11:43