2021.03.31 ድኻታት ሮማ ክትባት ኣብ ዝቅበሉሉ እዋን 2021.03.31 ድኻታት ሮማ ክትባት ኣብ ዝቅበሉሉ እዋን 

ዝኽሪ ዕለተ ስም ር.ሊ.ጳ ንድኻታት ሮማ ክትባት ኮቪድ 19 ብምሃብ ተፈጺሙ!

ኣብ ቤተ ር.ሊ.ጳ መባእ ዝእክብን ግብረ ሠናይ ዝገብርን ክፍሊ ሓላፊ ብላቲናዊ ሥርዓት ሎሚ ተዘኪሩ ንዝውዕል በዓለ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅዱስነቶም ከም ጠበቃ ዝመርጹሎምን ስሞም ክኸውን ዝተዋህቦምን ብቋንቋኦም ጎርኸ ተባሂሎም ዝጽውዕዎ ዕለት ኣብ ዝዝክሩሉ ን600 ዝኾኑ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ካልኣይ ዙር ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ብምዕዳል ከምዝዝከር ሓቢሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቤትጽሕፈት መባእ ዝእክብን ግብረ ሠናይ ዝፍጽምን ቤተ ር.ሊ.ጳ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 22 ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ በዓለ ቅዱስ ግዮርስ ስም ኾርገ ማርዮ በርጎልዮ ማለት ዝኽሪ ስም ር.ሊ.ጳ ብምዃኑ ንድኻታትን ግዳም ሓደርን ከተማ ሮማ ክትባት ኮሮና ቫይረስ ብምዕዳል ክዝከር ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

ዓርቢ ዕለት 23 ሚያዝያ 2021 ዓም ዝኽረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ዝኽሪ ስም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምዃኑ ኣብ ሃምን ቀልብን ቅዱስነቶም ከኣ ወትሩ ድኻታት ስለዝኾነ 600 ዝኾኑ ድኻታት ሮማ ንካልኣይ ክትባት ኮቪድ 19 ፕፋይዘር ብዮንተክ ዝበሃል ክትባት ጸረ ኮሮና ቫይረስ ንክወስዱ ናብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ክምለሱ እዮም።

ኣገባብ ዝኽረ በዓል!

እዚ ንድኻታት ዝውሃብ ክትባት እዚ ብተበግሶ ሓዋርያዊ ግብረሠናይ መባእ ር.ሊ.ጳ ኣብ ሶሙነ ሕማማት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ዝጀመረ ኮይኑ ድሮ ልዕሊ 1,400 ነዚ ክትባት እዚ ምስ ካልኦት ማሕበራት ብምትሕብባር እንክኽተቡ እዞም 600 ሎሚ ካልኣይ ክትባት ዝቅበሉ እውን ክፍሊ ናይዚኦም ምዃኑ ዘመልከተ ኣብ ላዕሊ ዝተመልክትናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅዱስነቶም ነዚ ነገር እዚ ብምሉእ ልቦም ስለዝገብርዎ ካልእ ብሃንደበት ዝገብርዎ ሠናይ ነገር እውን ከምዘይሰኣን ኣብሪሁ።

ናይቲ ቤትጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ቅዱስነቶም ነዚ ዝገብርዎ ካብቲ ዓቢ ምኽሪ ወንጌል ካብ ምቅባልሲ ምሃብ ይበልጽ ዝበሎ ተኸቲሎም ምዃኖም እውን ገሊጾም

ዓሚ እውን ማለት ብ2020 ዓም ልክዕ በዚ ዕለት እዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ዓቅሉ ኣጽቢቡሉ ኣብ ዝነበረ ንመተንፈሲ ዝሕግዛ መሳርሒታት ናብ ሩመንያ ከምዝሰደዱ ዝዝከር እዩ።

ምስ ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምውጋን!

እዚ ንድኻታትን ግዳም ሓደርን ሮማ ክትባት ብነጻ ምዕዳል ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክትባት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። ብቀዳምነት ነቲ ፈላሚ ክትባት ዝተቀበሉ ካብዞም ሰባት እዚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ኰይኖም ብቀንዱ ግን ጸገም ጥዕና ዝነበሮም ደቂተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ይዝከር።

እዚኦም ሎሚ ካልኣይ ክትባት ዝቅበሉ ዘለው ክፍሊ ናይቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮም 1,400 ኮይኖም እዚኦም ካብቶም ጉዳይ ጥዕናኦም ተኣፋፊ ዝኾነ በቶም ብሠናይ ተበግሶ ክልተ ቅዱሳን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ቅድስት ማዘር ተረዛን ኣብ ጐኒ ቫቲካን ዝቆመ ንድኻታትን ግዳም ሓደርን መግብን መጽለልን ዘቅርብ ልኡካን ፍቅሪ ዝኮና ደናግል ዝናበዩ ከምኡ እውን ብማሕበር ረድኤት ቅዱስ ኤጂድዮን ብማሕበር ጽንዓት ሕክምናዊ ደገፍ ዝእለዩን ምዃኖም ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 April 2021, 12:12