ዕለት 19 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል መለኮታዊ ምሕረት ዕለት 19 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል መለኮታዊ ምሕረት 

ዕለት 11 ሚያዝያ ዓመታዊ በዓል መለኮታዊ ምሕረት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ቤተ መቕደስ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይን ጸሎት ንግስተ ሰማይን ከዕርጉ ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝበዓል መለኮታዊ ምሕረት ምኽንያት ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ 21 ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት ክበዓል ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ በዚ ዓቢይ በዓል እዚ ምኽንያት ከም ዓሚ ለምዘበን እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ቤተ መቕደስ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይን ጸሎት ንግስተ ሰማይን ከዕርጉ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝሓለፈ 2020 ዓ.ም. ኣብታ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳምዊ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ብዝተቐበለቶ ግልጸት መለኮታዊ ምሕረት ምኽንያት፡ ናይ መለኮታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ስግደትን ኣምልኾን ማእከል ክኸውን ኣብ ዘወከፍዎ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ብምኽንያት በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፥ “ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው ካብ ዝወደቕናሉ ንኸተንስኣና ዘይደኽማ እያተን” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ እውን ኣዘኻኺሩ፥ ኣብቲ እዋን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እናሓሰቡ እዚ ለብዒ እዚ ነቶም ድሒሮም ዘለዉ ጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘረስዕ ከይኸውንን ናይ ኢጉነትን ሸለትነትን ተህዋስ ስግኣት ከምዘሎን እቲ ነሕዋትናን ኣሓትናን ዘረስዕ ተህዋስን ዘስዕቦ ስግኣትን ክንብድህን ኵላትና ተኣፋፍያንን ማዕረን ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ፍቑራት ምዃንና ከነስተውዕልን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ስቓይ ንዅሉን ናይ ኵሉን እዩ፡ እቲ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳቕይ ኢማዕርነትን ኢፍትሓውነትን ኣብ ምውጋድ እንተግሃሉን እዋን እዩ፡ ምሕረት ዝበጸሓና ኢና፥ ዓለም ዝልወጥ ብምሕረት እዩ እሞ መሓርያን ንኹን እንክብሉ ከምዝመዓዱ የዘኻኽር።

09 April 2021, 22:40