ምሕረት ካብ ተቀበልና መሓርቲ ንኹን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዳግማይ ትንሣኤ ኣብ እትዝክረሉ ዝበዓል ዓቢይ በዓል መለኮታዊ ምሕረት ንምብዓል ንካልኣይ ግዜ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ምስ ውሱናት ሰባት ዝቀደሱ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ምእመናን ብእምነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣትውን ብሸለልትነት ከይሽንፉን ኣብ ጽጉማት ኣሕዋትን ኣሓትን ብጋህዲ ዝረኤ ቅንዋት ኢየሱስ ድንን ኢሎም ዘለዎም ከካፍሉ ሓደራ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 20 ዝተወስደ ኰይኑ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንካልኣይ ግዜ ነቶም ብፍርሕን ምጥርጣርን ተዋሒጦም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሓዋርያት ‘ሰላም ንዓኹም` ክብል ኣብ መንጎኦም ከምዝተረኽበን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘይነበረ ቅዱስ ቶማስ እሞ ኸኣ ተንሢኡ ርኢናዮ ምስ በልዎ ኣነ ነቊሳሉ ከይረአኹን ከይተንከፍኩን ኣጻብዕተይ ኣብ ዝተወግኤ ጐድኑ እንተዘይመለስኩን ኣይኣምንን ዝበለ ምሳኦም እንከሎ ስለዝነበረ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቶማስ ብዘይምእማኑ ነቂፉ ከምቲ ዝበላ ክገብር ፈቂዱሉ ኩሉ ምስ ኣረጋገጸ ጐይታይን ኣምላኸይን ክብል እምነቱ ምስ ገለጸ ‘ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን። ንስኻ ስለዝረኣኻ ኣሚንካ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ግን ብፁዓን እዮም` ዝበሎ ነበረ። ብቀንዱ ግን ምሥረታ ምሥጢረ ንስሓ ዝገልጽ ኣብ ግንባሮም ኡፍ ኢሉ `መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ ሓጢኣቶም ዚሓደግኩምሎም ኪሕደገሎም ዘይሓደግኩምሎም ግን ኣይክሕደገሎምን እዩ’ እንክብል መለኮታዊ ምሕረቱ ዝገልጸሉን ዝሠርዓሉን ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዘን ቃላት ኢየሱስ ዳግም ብምግዋሕ ከም ቅዱስ ቶማስ እንተደኣ ብሓቂ ልቦም ተተንኪፉ ኰይኑ ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ሕልናኦም ዝምርምሩሉ ግዜ ምናዳ ከኣ እምነቶም ከምቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ሓንካስ እምነት ከይከውን ከስተውዕሉን ኣብ ምቅባል ጥራይ ዘድሃበ እምነት ምሃብ ክሳብ ዝመሃር ፍርቂ ፍርቂ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እንተደኣ ብሓቂ ኣብ ቅንዋት ኢየሱስ ድንን ትብል እንተኾነ እስኪ ሎሚ ኣረጋግጽ። ዕለት ዕለት ‘ሰላም እግዚአብሔር ኣብዚሔ ዝተቀበልኩ ከምኡ እውን ብዙሕ ግዜ ይቅረ በለለይ መሓረኒ ኢሉ ምሕረቱን ይቅሬታኡን ዝተቀበልኩ ምስ ካልኦት ይቅረ በሃልን ዓዳል ምሕረትን ድየ!’ ብዙሕ ግዜ ብቅዱስ ሥጋ ኢየሱስ ክቡር ደሙን ዝቅለብ ንድኻታት ጥሙያት ክዕንግል ገለዶ እገብር! ብማለት ሕልናና ንሕተት። በጃኹም ኢለኩም ኣይውዑያት ኣይዝሑላት ሸለልተይናታት ኣይንኹን። ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ሓንካስ ዝቅበል ጥራይ እምበር ምሃብ ዘይፈልጥ ጸጋታትን ውህበትን ምቅባል እምበር ምሃብ ዘይፈልጥ እምነት ወጊድ ንበሎ ኢሎም።”

መሓርቲ ንምዃን ዘገልግላ ሠለስተ ጸጋታት!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ነቲ ቀንዲ ናይ ዕለቱ በዓል መለኮታዊ ምሕረት ብምትኳር ናብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌልን ኩነታት ሓዋርያትን ምልስ ይብሉ እሞ እቶም ኣብ ግዜ ፈተነ ዝፈከሩን ዘጽቀጡን ኩሎም ብሓባር ክሒዶም በይኑ ዝገድፍዎ ሓዋርያት ጐይታ ነዚ ኩሉ ምሒሩ ኣሕዋተይ ክብል እንደገና ብፍቅሩን ብምሕረቱን ክበጽሖም እንከሎ ቀዳመይቲ ዝተማሃርዋ መሓርቲ ምዃን ነበረ ኢሎም።  ኣብዚ ደረጃ ዘብጽሖም ከኣ ናይ ኢየሱስ ምትታይን ኣብነትን እዩ። ነቲ ተዳሂሉን እምነት ኣጥፊኡን ዝነበረ ልብትታቶም የጸናንዕ ብምሕረቱ ዳግም ከምዝትንሥኡ ብምግባር ተሳተፍቲ ትንሣኤኡ ከምዝኾኑ ይገብሮም። ርግጽ እዩ ምሒርካ ምኽኣል ከቢድ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ሓደ ሰብ ከምዝተማሕረ ክስቈሮ እንተዘይክኢሉ ምምሓር ዘይውጻእ ዓቀብ ከቢድ ጾር እዩ ዝኾነ ምስ በሉ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ዝሕግዛ ሠለስተ ነገራት ማለት ምስ ተማሓርካ ዝርከባ ሰላም መንፈስ ቅዱስን ቅንዋት ኢየሱስን እየን ኢሎም። እታ ቀዳመይቲ ማለት ሰላም ርኽብ ምስ ኣበልዋ ሓዋርያት ካብቲ ኣይሁድ ከይሕዝዎምን ከምቲ ናይ መምህሮምን ጐይታኦምን ብዘይምሕረት ገሪፎም ከይሰቅልዎም ዘንቀጥቅጦም ዝነበረ ፍርህን ረዓድን ከምኡ እውን በቲ ዝገበረዎ ክሕደትን ጥልመትን ኢየሱስ ኦሮማይ ክቐዝፈና እዩ ኢሉ ሕልናኦም ዝኸሶም ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ኮይኑ ዘንቀጥቅጦም ዝነበረ ስእነት ዕረፍቲ ሕልናን ሓራ የውጽኦም። በዚ ከኣ ምስ ሕልናኦምን ምስ ጐይታን ዕርቂ ይረኽቡ ይቀስኑ ሓጐስ ንሓጐስ ይኾኑ።

“ጐይታና ኢየሱስ ኣብ መንጎኦም ደበኽ ይብል ክልተ ግዜ ከኣ ‘ሰላም ንዓኹም’ ይብሎም። እቲ ንሱ ዝህቦ ሰላም ንጸገማት ብወገን ደገ ኣይኮነን ቀንጢጡ ዚኣልዮም እንታይ ደኣ ካብ መዓሙቚ ልቦም ነቂሉ ዓሚቚ ቅሳነት ዝህብ ሰላም ይዕድሎም። ደጋዊ ሰላም ዘይኮነ ውሽጣዊ ናይ ልቢ ሰላም ይህቦም። ሰላም ኢየሱስ ከኣ ካብ ጣዕሳን ነፍሰወቀሳን ተላዒሎም ናብ ስብከተ ወንጌል ከምዝወፍሩ ይገብሮም። ከመይ ሰላም ኢየሱስ ኣራጢጥካ ትቀስነሉ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ኢልካ እትነብሮ ምቾት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ እዩ። ካብቲ ዘልምስ ምዕጻው ሓራ ገሩ ንልብና ኣሲሮም ንዝሕዙ ሰንሰለታት ይሰባብር። ሓዋርያትከስ ኣብዚ ሁመት እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ምሉእ ምሕረት ከምዝረኸቡ ይስቈሮም ጐይታ ከምዘይወቅሶምን ከምዘይከሶምን ከምዘየዋርዶምን እኳ ደኣ ብኣኦም እንደገና ከምዝተኣማመን ብግብሪ የርእዮም። ዘገምርም እዩ! እወ ብኣና ካልእስ ይትረፍ ብገዛእ ርእስና ምንም ክንተኣማመን ብዘይንኽእል ብኣና ይተኣማመን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነዛ ሓሳብ እዚኣ ንምብራህ ‘ኣብ ቅድሚ ምሕረት ዝመልኣ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ኩሉ ተረሲዑ ማንም ዝተጋገየ ወይውን ዘይረብሕ ወይውን ዝግለል የሎን። ከመይ ነፍስወከፍና ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቱ ክቡር ኣድላይን መተካእታ ኣልቦን ኢና። ምሕረቱ ከኣ ካብ ሓጢኣት ከምእንወጽእ ይገብረና’ ኢሎም።

ምሕረቱ ካብ ሓጢኣት ንምርሓቅ እዩ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ግዜ ሰላም ንዓኩም እታ ቀዳመይቲ ዝበልዋ ጸጋ ሰላም ምስ ዓደሎም ናብታ ካልአይቲ ውህበት ዝበልዋ ይሰግር እሞ ነቶም ሓጢኣተኛታ ዝኾኑን ንጐይታኦም ምስ ከሓዱን ምስ ሓደሙን ኣብ ብርቱዕ ጸጸት ንዝነበሩ ሓዋርያቱ ንሕድገት ሓጢኣት መንፈስ ቅዱስ ይዕድሎም።

“መዝሙረ ዳዊት 51.5 ‘ሓጢኣትና ኩሉ ኣብ ቅድመና እዩ’ ይብል። በይንና ክንድምስሶ ኣይንኽእል። እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ሓጢኣት ክድምስስ ዝኽእል ንሱጥራይ ብምሕረቱ ካብቲ ዓሚቚ ሕስረትና ከውጽኣና ዝኽእል። ልክዕ ከምቶም ኩሉ ጸልሚትዎም ዝነበረ ሓዋርያት ንሕና ኩልና ክንመሓር ክነፈቅድ ኣሎና ብምሉእ ልብና ኸኣ ‘ኦ ጐይታ መሓረኒ’ ክንብል ኣሎና። ንክትመሓር ልብኻ ምኽፋትን ፍቃደኛ ምዃንን የድሊ። ብመንፈስ ቅዱስ ዝወሃብ ምሕረትከስ ብውሽጥና ዳግም ንክንትንስእ ዝወሃበና ውህበት ፋሲካ እዩ። ነዙ ዓቢ ጸጋ እዚ ንምቅባል ናብ ጐይታ ንምሃለል ንምሥጢረ ምሕረት ዝኾነ ምሥጢረ ንሥሓ ብምሉእ ልብና ተቀቢልና ክንክእል ንለምን። ንክስቈረናን ንክርድኦን ዘድሊ ቀንዲ ጐዳይ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ንሕና ኣይኮናን ምስ ሓጢኣትና ዘሎና እንታይ ደኣ እቲ ህላዌ ብዓንዲ ርእሱ ዝኾነ እግዚአብሔር እዩ ምስቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ዘሎ ኢሎም።”

ምናልባት ብዙሕ ግዜ ምሥጢረ ኑዛዜ ንኩሉ ክፍኣት ዘዕኑ ኮይኑ ይረኣየና እነተኾነ ምሥጢረ ኑዛዜ ዳግም ንምትንሳእ እዩ። ንሕና ኩልና ኑዛዜ ከምዘድልየና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ከምቶም ናኣሽቱ ሕጻናት ክወድቁ ወይውን ክዕንቀፉ እንከሎ ብኣቦኦም ወይውን ብኣዲኦም ዳግም ዝትንሥኡ ንሕና እውን እንተደኣ ወዲቅና ኣተንሲኣ ንቅድሚ ከምእንምርሽ ትገብረና ኢድ እግዚአብሔር ኣቦ ስንድውቲ እያ። ንሕና ጥራይ ፍቃደኛታት ኰና ከተንሠአና ኢድና ንሃብ’ ኢሎም።

“እዛ ጽንዕትን ርግጸኛን ተማኒትን ኢድ እዚኣ ምሥጢረ ንስሓ ኑዛዜ ትበሃል። ምሥጢረ ንስሓ ዳግም ናይ ምትንሣእ ምሥጢር ኰይኑ ኣብቲ ዝወደቅናሉ ተሪር ምድሪ ቤት ሓጢኣትና እናበኸና ክንተርፍ ኣይደልን። ምሥጢረ ትንሣኤ እዩ ጽሩይ ምሥጢር ምሕረት እዩ። ምሥጢረ ኑዛዜ ዘዘውትር ጣዕሚ ምሕረት ከስተማቅር ኣለዎ። ናይቶም ንተናሳሕቲ ተቀቢሎም ነዚ ምሕረት እዚ ዝዕድሉ ጐዳና እውን ከምኣ እያ ናይቲ ንኩሉ ዝምሕር መለኮታዊ ምሕረት ኢየሱስ ከምዘስተማቅሩ ክገብሩ ኣለዎም። እግዚአብሔር ንኩሉ ይምሕር ኢሎም።”

ጒዕዞ ክርስትያን ካብ ቅንዋት ኢየሱስ ይጅምር!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እታ ሣልሰይቲ ጸጋ ወይውን ትዕድልቲ ዝበልዋ ውህበት ፋሲካ ስግር ይብሉም እሞ ጐይታና ኢየሱስ ሰላም ድሕሪ ቢልዎምን ኡፍ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ንሕድገት ሓጢኣት ምስ ዓደሎምን ብሳልሳይ ደረጃ ነቲ ብመለኮታዊ ምሕረቱ ገረን ዝፍውሳን ዘሕውያን ቅንዋቱ የርእዮም። እታ ቅዱስ ቶማስ ዘቅረባ ሕቶን ምጥርጣርን ናይ ኩሎም ሓዋርያትን ናይ ኩልና ኣመንትን ኰይነን ቅዱስ ቶማስ ብኢዱ ነተን ቅዱሳት ቅንዋት ይትንክፍ ኣጻብዕቱ ኣብቲ ዝተወግኤ ጐድኑ ብምእታው ከኣ እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዝፈቅረና ይግንዘብ። እዘን ቅንዋት እዚአን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ኣብ መንጎኖና ዝተኸፍታ መስኖታት ኰይነን ንውርደታትናን ሕስረትናን ምሕረቱ ብኣአን ናብና ይውሕዝ። በዘን መስኖታት እዚአን ገቢሩ እግዚአብሔር በቲ ወሰን ዘይብሉ ርሕራሔኡ ብመለኮታዊ ምሕረቱ ብምትእምማን ‘ንነፍሲወከፍ ድኻምነትና ብርሕራሔ ይቅበል’። ኣብ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ዝፍጸም ምሥጢርከስ እዚ እዩ። ኢየሱስ ነቲ ቅንዋት ዝተቀበለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ሥጋኡ የወፍየልና። ንትንክፎ ንሱ ኸኣ ንልብታትናን ንሕይወትናን ይትንክፍ።

“ጒዕዞ ክርስትያንከስ ካብዚ ሀ ኢሉ ይጅምር። እንተ ኣብ ክእለትናን ዓቅምታት ተቊዋማትናን መደባትናን እማነት ኣንቢርና ግን ነዊሕ ኣይክንጐዓዝን ኢና። እንተደኣ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ተቀቢልና ጥራሕ ኢና ንዓለምና ገለ ሓዲስ ነገር ክነወፊ እንኽእል ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናብቶም ኣብነትናን ኣርኣያን ዝኾኑ ሓዋርያት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ሓዋርያት ዝተማሕሩ ካብ ምዃን ሰጊሮም መሓርቲ ኮይኖም ማንም ካብኦም ነዚ ጸጋ እዚ ናይ ግሉ ንብረት ገቢሩ ዚሓስብ ኣይነበረን እንታይ ደኣ ንኩሎም ዝተዓደለ ኰይኑ ናይ ኩሎም ናይ ሓባር ጸጋ ነበረ’ ኢሎም።

እዚ ምናልባ ኮሚኒዝም ከይመስለኩም እዚ ዘይተሓምረጐ ጽሩይ ከም ማይ ንግሆ ዝኾነ ክርስትና እዩ። ኣብዚ ኣጸቢቊ ዘደንቅ ጉዳይ እንተሎ እቶም ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ገና ኢየሱስ ብሕይወቱ ኣብ መንጎኦም እንከሎ ኣብዚ ምድራዊ ሃብቲ ንምውናን ንምምቅቃልን ካብ መንጎኦም መን ከምዝዓብን ናይ ክብሪ ቦታ ከምዝሕዝን ኢሎም ዝማጐቱን ዝበኣሱን ዝነበሩ እዮም። ብምሕረት ኢየሱስ ሕይወቶም ምስ ተቀየረት ግን ነዚ ኩሎም ሰጊሮም ሓደ ዝገብሮም ሓደ ሓባራዊ ውርሻ ከምዘሎ ተረድኡ። እዚ ከኣ ሓባራዊ ተልእኮ ምሕረትን ሥጋ ኢየሱስ ምዕዳልን ምዃኑ በርሃሎም። ንቅንዋት ኢየሱስ ብምትንካፍ ከኣ ቅንዋት ጽጉማት ምትንካፍ ኣየፍረሆምን። ከመይ ኣብኡ ኣብቲ ቅንዋት ድኻታትን ጽጉማትን ኢየሱስ ክርእዩ ክኢሎም።

“ተማሒርና ኢና እሞ መሓርቲ ንኹን። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ዝተቀበልናዮ ዓቢ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣባና ጥራይ ዓቢጥና እንተሓዝናዮ እምነትና ትደርቅ ኣብ ውሽጥና ተቀቢራ ኸኣ መኻን ኰይና ትተርፍ። ምስ ካልኦት እንተዘይተሳቲፍና ምሥጢረ ሥጋዌ ኣይፍጸምን። ከምቲ ያዕ 2.17 ዝብሎ ሃይማኖት ዘእንበለ ግብር ምውቲ ይእቲ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን በዘን ሠለስተ ዓበይቲ ውህበታት ፋሲካ ሰላምን ሕድገት ሓጢኣን ቅንዋት መሓሪ ኢየሱስ ንክንትንሥእ ፍቃደኛታት ንኹን። መሰኻኽር መለኮታዊ ምሕረት ንክንከውን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። እምነትና በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እያ ህያው እትኸውን። ሓቀኛ ሕይወት ከኣ ትወሃሃድ እሞ ኩሉ ናይ ሓባር ይኸውን። በዚ ከምዚ ጥራይ ኢና ንወንጌል ክንሰብኮ እንኽእል። ወንጌል ከኣ ካልእ ኣይኮነን ወንጌል ምሕረት እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም ነቶም ኣብ መካነ ንግደት ደብረ መንፈስ ቅዱስ ዘሳስያ ዝተረኽቡ ኣለይቲ ሕሙማትን ደናግል መለኮታዊ ምሕረትን ወለተኛታት ኣገልገልትና ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ኣብኣቶም ብሓቂ ምሕረት ብጭብጢ ከም ትረኤን ብዘርእይዎ ቅርበትን ኣገልግሎት ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ብዘርእይዎ ቆላሕታን ከም እትግለጽ ምስ ሓበሩ ከም ሓዋርያት ተማሒሮም መሓርቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ወትሩ ክዝክሩ ብምልባው ክብረ በዓሉ ፈጸሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 April 2021, 18:35