ወዲሰብ ናብ ምድሪ ምስ ተመልሰ እምነትዶ ኮን ይረክብ! እንድዒኸ! (ሉቃ 18.8)

‘ጴጥሮስን ዮሓንስን ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ … ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ’ (ግሐ 4. 23-24,29-31)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ቤተክርስትያን ዓባይ ቤት ምህሮ ጸሎት እያ። ብዙሓት ካባና ነተን ናይ መጀመርያ ጸሎታትና ኣብ ብርኪ ወለድናን ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ኰና ተማሂርና። ምናልባት ቅድሚ ናብ ድቃስ ምኻድና ጸሎት ክንደግም ዝምህሩና ዝነበሩ ኣደ ወይውን ኣቦ ንዝክር ንኸውን። እተን ምሩጻት ናይ ጸሎት ግዝያት እቲኤን ወለዲ ካብ ደቆም ገለ ምስጢር ዝጸምዑሉ እሞ ቃል ወንጌል ተመርኲሶም ወለዲ ንደቆም ምኽሪ ዝህቡሉ ኣጋጣሚ እውን ይኾና። ደሓር ኣብ ጒዕዞ ምዕባይ ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ምትእምማን ምኽሪ ርክባት ምስ ካልኦት መሰኻኽርን መማህራንን ጸሎት ይግበር (ትምህርተ ክርስቶስ ቊ.2686-2687 ተመልከት)። እዚ ከምዚ ዓይነት ዓሚቚ ርክባት ምዝካሩ ጽቡቅ እዩ።

ናይ ሓንቲ ቊምስናን ዝኾነ ማሕበረ ክርስትያንን ናብራኸስ ብሓባር ብዝግበር ሥርዓተ ሊጡርጊያን ጉባኤ ጸሎትን ዝተመሥረተ እዩ። እቲ ብሕጻንነትና ብገርህነት ዝተቀበልናዮ ውህበት ጸሎትከስ ብሓቂ ዓቢ ውርሻ ሃብታም ውርሽእ ኰይኑ ወትሩ ክዝከርን ክህምብትምን ዘለዎ ተመኲሮ ጸሎት እዩ። ቀሚሽ እምነትከስ ዝበሊ ዝልወጥ ኣይኮነን ምሳና ይዓቢ። ደረቅ ኣይኮነን ወትሩ ምሳና ይዓቢ። ኣብ ግዜ ጸገምስ ይኹን ኣብ ግዜ ራህዋ እኳ ደኣ ብዘይ ቅልውላዋትን ጸገማትን ክዓቢ ኣይክእልን ከመይ ቅልውላውን ጸገምን ከም እንዓቢ ይገብረና። እስትንፋስ እምነትከስ ጸሎት እዩ። መጠን ክንጽሊ እንመሃረሉ መጠኑ ንዓቢ። ድሕሪ ገለ ጒዕዞ ሕይወት ብዘይ እምነት ኣብቲ ዘሎና ደረጃ ክንበጽሕ ዘይከኣል ምዃኑ ጸሎት ከኣ ቀንዲ ሓይልና ከምዝኾነ ንግንዘብ። ናይ ግልና ጸሎት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸሎት ከምኡ እውን እቲ ዘሰንየና ጸሎት ማሕበርናን ፈለጥትናን ምእንታና ክጽልዩ ናይ ዝተማሕጸናዮም ሰባት ጸሎትን የሰንየናን ይድግፈናን።

 በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ብቀጻሊ ጒጅለታትን ማሕበራትን ጸሎት ይዕምብቡ። ገለ ክርስትያን ጸሎት ቀዳምነት ዝወሃቦ ቀንዲ ዕለታዊ ጒዳይ ምዃኑ ከም ጸዋዕታ ዝቅበሎ ኣሎ። ኣብ ቤተክርስትያን ገዳማትን ማሕበራትን ናይ ብሕትውና ቦታትን ኣለው። ኣብዘን ቦታት እዚኤን ንእግዚአብሔር ዝተወፈዩ ሰባት ይነብሩ። ነናይ ዘመኑ ምንጪ መንፈሳውነት ኰይነን ከኣ ጩራ ብርሃነን ናብ ኩሉ ይዝርጋሓ። መንፈሳውነት ጸሎት ዘመንጭዋ ማእከላት ማሕበር ጸሎታት ኣለዋ። እዚኤን ናኣሽቱ ደሴታት ኣብ ምድረ በዳ ዝርከባ ልሙዓት ቦታት ኰይነን ዓሚቊ ጸሎት ብምክፋል ዕለት ንዕለት ንመካነ ሕውነታትን ሕውነትን ይሓንጻ። እዘን መካነ ሕውነታት እዚአን ምንጪ ሕይወት እየን። እዚ ግን ንጒዕዞ ሕይወት ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ነታ ዝርከቡላ ማሕበረሰብ እውን እዩ። ንኣብነት ምንኲስና ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ልደትን ዕብየትን ሥልጣኔ ኤውሮጳን ካልእ ባህልታትን ዘበርከቶ ዓቢ ግደ ምዝካር ይከኣል። ጸሎትን ሥራሕን ዝብል መሪሕ መነኮሳትከስ ብሕብረት ዝጽልን ዝሠርሕን ማሕበር ንዓለምና ንቅድሚ ዘሰጉም ሞቶር እዩ።

 ኣብ ቤተክርስትያን ኩሉ ጉዳይ ካብ ጸሎት ይውለድ ብጸሎት ከኣ ይዓቢ። እቲ ጸላኤ ሰናያት ጸላኢ ንቤተክርስትያን ክቃለሳ ምስ ደለየ ዝገብሮ ቀዳማይ ጒዳይ ነዚ ምንጪ እዚ ንምድራቅ ካብ ጸሎት ምብዃር እዩ። ንኣብነት ነዚ ኣብቶም ሕዳሴ ቤተክርስትያን ከተኣታትው ዝጅምሩ ጒጅለታት ንሕይወት ቤተክርስትያንን ኩሉ ተቊዋማታን ንምልዋጥ ዝጽዕሩ ዕለታዊ ዜና ኰይኖም ኩልና ንዕዘቦ እዩ። እንታይ ኰይኖም ገለ ለውጢ ዘይገብሩ እንተበልና ጸሎት የለን ኣይጽልዩን። ነዚ ክንልውጥ ኣሎና ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክንገብር ኣሎና ወዘተ እናበሉ የጽምሙ። እቲ ዘቅርብዎ ሓሳብ ብሓቂ ቅዱስ ሓሳብ ዘድሊ እውን እዩ። እንተኾነ ጸሎትከ ኢልካ ምስ እትሓትት! ዋይከ! ኣብ ዘተን ዕላልን ሃልኪ መራኸቢ ብዙሓንን ጥራይ ይተርፍ። ብዘይ ጸሎት ግን ምንም ክግበር ኣይከኣልን። ከመይ ንመንፈስ ቅዱስ ማዓጹ ልባትና ዝኸፍት ጸሎት እዩ። ንለውጢ ንስጒምታትን ዝደፍእ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ቤትክርስትያን ብዘይ ጸሎት ክግበሩ ዝፍተኑ ለውጥታትከስ ለውጥታት ቤተክርስትያን ኣይኮኑን። ናይ ጒጅለታት ለውጢ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ጸላኢ ንቤተክርስትያን ከዕንዋ ምስ ዘንቅድ ዝገብሮ ቀዳማይ ነገር ነዚ ምንጪ ጸጋ ዝኾነ ዓይኒ ንምድራቅ ካብ ጸሎት የባዂር ንዘተን ሓሳባት ለውጢ ንምቅራብን ከኣ የጐሃህር። ንቊሩብ ግዜ እውን ይኹን ጸሎት እንተበዂሩ ንግዜኡ ኩሉ ጽቡቅ ዝኸይድ ዘሎ ክመስል ይኽእል። ባዕሉዶ ይኸውን! ኣይፋሉን! እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እታ ቤተክርስትያን ባዶ በዓቲ ኰይና ቀንዲ መኣዝና ዘጥፈኤት ናይ ሓይላን ፍቅራን ምንጪ ዝሰኣነት ምዃና ይስቈራ።

 ኣብ ቅድስና ዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ካልኦት ዝቀለለ ሕይወት ኣይነበሮምን። እኳ ደኣ ዕለት ዕለት ዘጓንፍዎም ጸገማት ነርዎም። ከመይ ቀንዲ ጸላኢ ዝቃወም ንኣኦም ስለዝኾነ። እንተኾነ ሓይሎም ጸሎት እዩ። ብጸሎት ከኣ ካብቲ ዘይነጽፍ ዔላ ኣደ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዘድልዮም ጸጋ ይሓፍሱ። በዚ ከምዚ ከኣ ነታ ቀንዴል እምነቶም ዘድሊ ዘይቲ ብጸሎት ይሽምቱ። ብእምነትን ብተስፋን እናመረሹ ከኣ ንቅድሚ ገጾም ይጐዓዙ። ብዙሕ ግዜ ቅዱሳን ብዓይኒ ዓለም ዋጋ ኣይወሃቦን ከመይ ብሓይሊ ኣጽዋርን ሥልጣንን ወይውን ወግሔ ጸብሔ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ መራኸቢ ብዙሓን ኣይኮነን ዝድገፉ እንታይ ደኣ ብኣጽዋር ጸሎት እዮም ዝድገፉ።

ኣብ ወንጌለ ሉቃስ 18.8 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ዘይተደቅስ ሓያል ሕቶ የቅርብ። ‘ወዲሰብ ናብ ምድሪ እንክምለስ እምነትዶ ይረክብ ይኸውን!’ ይብል። ወይውን ክነብርሆ ወዲሰብ እንክምለስ ዝተፈላለዩ ተቊዋማትን ማሕበራትን ጒጅለ እምነት ሠራሕተኛታን ካልእን ብኩሉ ኩሉ ጽቡቅ ዝተቀናጀወ ብዙሕ ሓገዝ ዘወፊ ወዘተ ጥራይ ክረክብ እዩ ወይስ እምነት! ወዲሰብ ናብ ምድሪ እንክምለስ እምነትዶ ይረክብ ይኸውን! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዘቅረባ ኣብተን ቅድሚ እዛ ኁልቊ እዚኣ ዘለዋ 1-8 ከይተሓለልና ብጽንዓት ክንጽሊ ብምስላ ገሩ ምስ ተዛረበ እዩ ዘቅርባ። ስለዚኸስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ቀንዴል እምነት ብዘይቲ ጸሎት ምስ እንቅልባ ጥራሕ እዩ እትበርህ ኢልና ክንድምድም ንኽእል። ቀንደል ሓቀኛ እምነት ቤተክርስትያና እውን ዘይቲ ጸሎት ክሳብ ዘሎ እያ በሪሃ እትቅጽል። ንእምነት ንቅድሚት ዘሰጒም ነዛ ድኻን ድኽምትን ሓጢኣተኛን ሕይወትና ንቅድሚት ዘሰጒምከስ ጸሎት እዩ። ውሕስነት ብዝመልኦ ኣገባብ እዩ ንቅድሚት ዘሰጒማ። ኣብዚ ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ክነቅርባ ዘሎና ሕቶ ኣላ። እጽልዶ! ንጽልዶ! ከመይ ገቢረ እጽሊ! ከም ሕንጻይ ወይ ፓፓጋሎ ቃላት ጥራይዶ እደጋግም ወይስ ብልቢ እጽሊ! በየናይ መንፈስ እጽሊ! ብርግጽዶ ኣብ ቤተክርስትያንን ምስ ቤተክርስትያንን ኰይነ እጽሊ ወይስ ከም ሓሳባተይ ደሓር ከኣ እተን ሓሳባተይ ጸሎትይ ይኾና! ከምዚ እንተኾይኑ ማለት ብሓሳባተይ ዝጽሊ እንተኾይነ እዚ ጸሎተ ኣረሜን እዩ ክርስትያናዊ ጸሎት ኣይኮነን። እንደገና ክደግሞ፡ ኣብዚ ምድሪ እዚ ቀንዴል እምነት ክሳብ ዘይቲ ጸሎት ዘሎ ወትሩ ክትበርህ እያ።

ቀንዲ ውራይ ቀንዲ ዕዮ ገዛ ቤተክርስትያንከስ እዚ እዩ። ቤተክርስትያን ክትጽልን ንጸሎት ክትኲስኲስን ኣለዋ። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንቀንደል እምነት ምስ ዘይቲ ጸሎት ክተሰጋግር ኣለዋ። እታ እተብርህ ቀንደል እምነት ንነገራት ከከም ዘለዎ ብሓቂ ተመሓድር እንተኾነ ወትሩ ብዘይቲ ጸሎት እያ ንቅድሚ ክትግስግስ እትኽእል። እንተዘየሎ ግብ ኢላ ትጠፍእ። ብዘይ ብርሃን እዛ ቀንዴል እዚኣ ናይ ስብከተ ወንጌል ጐዳና ክንርእዮ ኣይንኽእልን። ከመይ ገቢርካ ሠናይ እምነት ከም እተዘውትር ንዝሕብር መንገዲ ኣውን ክርእዮ ኣይንኽእልን። ክንቀርቦምን ክነገልግሎምን ናይ ዝግበኣና ኣሕዋትን ኣሓትን ገጽ ክንርእን ክነለልን ኣይንኽእልን። ንማሕበርና ክንረኽበሉ ንእንኽእል ኣደራሽ ክነብርህ ኣይንኽእልን። ብዘይ እምነት ኩሉ ዓነውነው ይብል! ብዘይ ጸሎት ከኣ ቀንዴል እምነት ትጠፍእ። ስለዚኸስ እምነትን ጸሎትን ወትሩ ብሓንሳብ እየን ዝጐዓዛ። ኣይፈላለያን። ካልእ መንገዲ የለን። እታ ገዛን ቤትምህሮን ውህደትን ሕውነትን ዝኾነት ቤተክርስትያን ናይ እምነትን ጸሎትን ገዛን ቤትምህሮን ክትከውን ኣለዋ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
14 April 2021, 12:52
ንኩሉ ኣንብብ >