መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። (ዮሓ 14,26)

‘ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። . . . ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።’ (ዮሓ 14,25-26፣ 16,12-15)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ እታ ኣስተንትኖ እትበሃል ክፍሊ ጸሎት ክንዛረብ ኢና።  ንሓደ ክርስትያን ምስትንታን ማለት ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ኣብ እቲ ዘደንቅ ዓቢይ ግልጸት ንምቅራብ ምፍታንን ብምልኡ ናትካ ክትገብሮ ምጽዓርን እዩ። ክርስትያንከስ ቃል እግዚአብሔር ምስ ሰምዔ ኣብ ውሽጢ ዓጽዩ ኣይኮነን ዝሕዛ ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ ትምህርተ ክርስቶስ ቊ. 2706 ዝብሎ እታ ቃል እቲኣ ምስ ካልእ መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ሕይወት ክትራኸብ ኣለዋ። ንቃል ኣምላኽ እናክነስተንትን እንገብሮኸስ እዚ እዩ።

ኣብዚ ዘመንና ኣስትንትኖ ዓቢይ ኣተኲሮ ዝረኸበ ይመስል። ብዛዕባኣ ክርስትያን ጥራይ ኣይኮኑን ዝዛረቡ። ኣብ ኩለን እምነታት ዓለምና ትዝውተር እያ። እንተኾነ ኣብ መንጎ እቶም ምንም እምነት ዘይብሎም እውን ትዝውተር እያ። ኩልና ክነስተንትን ክንሓስብ ክነደይብ ክነውርድ የድልየና እዩ። እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ረኺብካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስትንታን ተግባር ወዲሰብ እዩ። ምናዳ ኣብዚ ብብዙሕ ወጥሪ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራባዊ ዓለም ካብቲ ዕለታዊ ጸቅጢ ናብራን ኣብ ውሽጥኻ ዝስማዕ ባዶሽን ንምሽናፍ ብግዲ የድሊ።   እነሆ እምበኣር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን ኣዕይንቶም ኣርኒቦም ብሱቊታ ኰፍ ኢሎም ከስተንትኑ ዝረኣዩሉ። እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ እዮም ዝገብሩ ኢልና ክንሓትት ንኽእል። እቲ መልሲ የስተንትኑ እዩ። ክንጥቀመሉ ዘሎና ኣገባብ ሕይወት እዩ። ከመይ ንሕና ወትሩ ክንጐዪ ክነብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ክንዓግቶ ዘይንኽእል ሓንሳእ እስከ ደው ኢልካ ሕሰብ ዝብል ድፍኢት ኣሎ። ምስትንታንከስ ግድነት ናይ ኩሉ እዩ። ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ ኣስተንትኖ ማለት ኣብ ሕይወትካ ሓንሳእ ደው ቢልካ ምስትንፋስ ደው ምባል እዩ።

እንተኾነ እዛ ቃል እዚኣ ኣብ ናብራ ክርስትያን ምስ ኣተወት ክትሓኮ ዘይከኣል ካልእ ፍሉይ ትርጉም ትለብስ። ርግጽ ኣስተንትኖ ኣድላዪ ዝኾነ ሰብኣዊ ተግባር እዩ እንተኾነ ኣስትንትኖ ኣብ ክርስትና ክንዮ እዚ እዩ። እዛ ኩነት እዚ ብምንም ተኣምር ክንድምስሶ ኣይንኽእልን። ዳግም ንምዝኽኻር ዚኣክል ናይ ነፍሲወከፍ ዝተጠመቀ ሰብ ጸሎት ዝሓልፈሉ ዓቢ ማዕጾ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንክርስትያንከስ ኣስተንትኖ በዛ ማዕጾ እዚኣ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዚሓልፍ። ማለት ኣስተንትኖ እውን ኣሰር ጸሎት እዩ ዝስዕብ። ሓደ ክርስትያን ክጽሊ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ኣብ ሕልናኡ ኣይኮነን ሃሰስ ዝብል። ርግጽ እዚ ኣገባብ እዚ እውን ፍቁድ እዩ እንተኾነ ክርስትያን ክንዮ እዚ ካልእ ጉዳይ እዩ ሃሰስ ዝብል። ጸሎት ክርስትያን ምስ ካልእ ምርኻብ ማለት ክንዮኡ ካልእ ዘየሎ ዝዓበየ ካልእ እዩ። ምስቲ ክንዮ ኩለንትናና ዝኾነ እግዚአብሔር ምርኻብ እዩ። ጸሎት ውሳጣዊ ሰላም ዝህበና ወይውን ምልከት ርእስና ወይውን ክንገብሮ ንዘሎና ጒዕዞ ዘብርሃልና እንተኾነ እዚ ፍረ ጸጋ ጸሎት ማለት ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸብካ ዝርከብ ጐድናዊ ሳዕቤን እዩ። ኣስተንትኖኸ እንተበልና ከኣ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸብካ ብቃል ኣምላኽ ተመሪሕካ ኣብ ውሽጥኻ ምስ ኢየሱስ ተዕልል ማለት እዩ። እቲ ናይ ጸሎት ርክብ ኣብ እንካ ሃባ ሰጊሩ ብጸሎት ናትካ ምስ በልካ ብኣስተንትኖ ከኣ ንኢየሱስ ጽን ትብል በቲ ቃሉ ከኣ የብርሃልካ።

እዛ ኣስተንትኖ ትብል ቃል ኣብ ጒዕዞ ታሪኽ ዝተፈላለየ ትርጉማት ተዋሂብዋ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ክርስትና እውን ከይተረፈ ብዝተፈላለየ ተመኲሮ መንፈሳውነት ተገሊጻ ንረኽባ። ኣብዚ ጒዕዞ መሠረታዊ ምምስሳል ዘለዎም ሓባራዊ መምርሒታት ክርከብ ይከኣል። ነዚ ንምርዳእ ትምህርቲ ክርስቶስ ክሕግዘና ስለዝኽእል ኣብ ቊ. 2707 ዝብሎ ንመልከት። ‘ናይ መንፈሳዊ ሕይወት መምህራንን ማእምራንን ክንድ ዘለዉዎ መጠን፤ ልክዕ ክንድኦም ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣስተንትኖ ኣሎ። ኣብ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን ንዘሎ፤ ቀዳማይ ሠለስተ ዓይነት መሬት ዚመስሉ ምእንቲ ከይኮኑ፤ ክርስትያን ሥሩዕ ዝኾነ ኣስተንትኖ ናይ ምምዕባል ሃረርታ ኪህልዎም ይግባእ። እቲ ብልኃት ወይ ኣገባብ ግን መምርሒ ጥራሕ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፤ እንተደኣ ምስ መንፈስቅዱስ ሠሚርካ፤ በቲ ሓደ መንገዲ-ጸሎት፤ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስጓም እዩ’ ይብል። ኣብዚ ሓደ መሰነይታ ጒዕዞ ከምዘሎ ዝመርሓና መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ የመልክት። ኣስተንትኖ ክርስትናኸስ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ፈጺምካ ዘይከውን እዩ። ንኢየሱስ ንክንረክብ ዝመርሓና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ‘መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ። ንሱ ክምህረኩምን ክመርሓኩምን እዩ’ እናበለ የጠንቅቀና። ኣብ ኣስተንትኖ ኣውን ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ ንቅድሚት ንምስጓም ዝሕግዝ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

በዚ ከምዚኸስ ብዙሕ ኣገባባት ኣስተንትኖ ክርስትና ኣለው። ገሊኦም ሓፈሻዊ ገሊኦም ከኣ ፍልይ ዝበሉ! ገሊኡ ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ዘስተንትን ዘተኲር ገሊኡ ከኣ ኣብ ዝንባሌን ስምዒት ምቊጽጻርን ዘድህብ ኣሎ። እዚ ኣገባባት እዩ። ኩሎም ኣድለይቲ እዮም ክሳብ ዝሕግዙና ከኣ ኩሎም ክንጥቀመሎም ይግባእ። እንታይ ይሕግዙና ቢልና እንተሓተትና ተመኲሮ እምነትና ናይ ምሉእ መንነትና ሥራሕ ንምዃን ይሕግዙና። ማለት ብኣእምሮ ብሓሳብ ጥራይ ኣይኮናን እንጽሊ እንታይ ደኣ ምሉእ ሰብ ብምልኣት እምበር ብስምዒት ጥራይ እውን ኣይጽለን። ብምልኣት ብኩለንትናና ኢና እንጽሊ። ኣብ ጥንቲ ናይ ጸሎት ኣካል ልቢ እዩ ዝብል ብሂል ስለዝነበሮም ንወዲሰብ ክገልጹ እንከለው ካብቲ ማእከል ኢሎም ዚኣምንዎ ብምጅማር ኣብ ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዝራኸብ ካብ ልቢ ጀሚርካ ኩለንትናና እዩ ይብሉ  ነበሩ። እንተኾነ ኣገባብ ሓደ መንገዲ እምበር እቲ ክትበጽሖ ዘሎና ዕላማ ከምዘይኮነ ምዝካር የድሊ። ዝኾነ ኣገባብ ጸሎትከስ ናይ ክርስትያን ክኸውን እንተተደልዩ ነታ ሕመረት እምነትና ዝኾነት ማለት ንክርስቶስ ምስዓብ ክኸውን ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣስተንትኖኸስ ንኢየሱስ ንምርካብ ዝሕግዙ መንገድታት እዮም እንተኾነ ኣብ መንገዲ ደው እንተቢልካ ክንዲ ንኢየሱስ ምርካብ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ክትሓስብ ጸሓይ ትዓርበካ። ኣምላኺ መንገዲ ኰንካ ትተርፍ። ዝጽበየካ ግን ጣዖት መንገዲ ዘይኮነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ መንገድስ ናብ ኢየሱስ ንምብጻሕ እዩ ቀንዲ ሥራሑ እምበር ካልእ ቊምነገር የብሉን። ኣብዚ እውን ትምህርተ ክርስቶስ ቊ. 2708 ‘ኣስተንትኖ ኪበሃል ከሎ፤ ሓሳባትን፣ ናይ ኣእምሮ ክእለትን፤ ስምዒትን፣ ድልየትን የጠቓልል። ናይ እምነት ርድኢትና ከነዕምቝ፤ ናይ ልብና ንስሓ ከነለዓዕል፤ ክርስቶስ ንምኽታል ዘሎና ድልየት ንኸነበራትዕ፤ ናይ’ቲ ኩሉ ክእለታትና ምንቅስቓስ ኣድላዪ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ጸሎተ-ክርስትና ከምቲ ኣብ (መንፈሳዊ) መለኮታዊ ንባብን (Lectio Divina) መቝጸርያን፤ ንምሥጢራት-ክርስቶስ ከስተንትን ይጽዕር። ከም’ዚ ዝበለ ጸሎት ዝዓዘዞ ኣስተንትኖ ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ እዩ፤ እንተኾነ ጸሎተ-ክርስትና ክንየዉ ኪስጕም ኣለዎ፤ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ፍቕሩ ናብ ምፍላጥን፤ ምስኡ ናብ ምውህሃድን ከብጽሕ ኣለዎ’ እንክብል የነጽሮ።

እነሆ እምበኣር ጸጋ ጸሎት ክርስትና እዚ እዩ። ኢየሱስ ርሑቅ ኣይኮነን ወትሩ ምሳና ምስ ተራኸበ እዩ። ካብቲ መለኮታውን ሰብኣውን ዝኾነ ኣካሉ ንዓና ቦታ ድሕነትን ሓጐስን ዘይከውን ዋላ ሓንቲ የለን። ነፍሲወከፍ ሁመት ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ብጸጋ ጸሎት ንዓና እውን ምሳና ህልው ክኸውን ይኽእል እዚ ከኣ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ። ንምዃኑ ነዚ ትፈልጡዶ! ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክጽለ ከምዘይከኣል ትፈልጡዶ። ንሱ እዩ ዝመርሓና። ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይኹኖ ኢየሱስ ንክጥመቅ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክወርድ እንከሎ ንሕና እውን ኣብኡ ኣሎና። ኣብ መርዓ ቃናዘገሊላ እውን ኢየሱስ ንሓጐስ መርዓውቲ ወይኒ ክዕድል እንከሎ ዕዱማት ኢና። እዚ ማለት መንፈስ ቅዱስ ምስ ምሥጢረ ሕይወት ኢየሱስ የተኣሳስርና እዚ ከኣ ኣብ ኣስተንትኖ ንተመኲሮ ጸሎት ኢየሱስ ነስተማቅር በዚ ከኣ ምሳኡ ኣጸቢቅና ንሕወስ። ከምኡ እውን ኣብቲ ቈጺርካ ዘይውዳእ ተኣምራታት ምሕዋይ ብዓቢ ኣድናቆት ንጽንበር። እንተዘይኣመንኩም ወንጌል ውሰዱ እሞ ብጸሎት ነዚ ምሥጢረ ሕይወት ኢየሱስ ኣንቢብኩም ኣስተንትኑ ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ከም ትህልው ክገብረኩም እዩ። ኣብ ጸሎትከስ ማለት ክንጽሊ እንከሎና ንሕና ኩልና ከምቲ ዝነጽሐ ለምጻም! ከምቲ ዓይኑ ዝበርሀ ባርጠሜዎስ ከምቲ ካብ መቃብር ዝተንሠኤ ኣልኣዛር ኢና። ንሕና ኣውን ክንጽሊ እንከሎና ከምዞም ሰባት እዚኦም ንሓዊ ዳግም ካብ ሞት ንትንሥእ። ምኽንያቱ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ምሥጢረ ሕይወት ክርስቶስ ዳግም ከምእንነብሮን ንኢየሱስ ረኺብና ከምቲ ዕውር ዝበሎ ‘ጐይታይ ራሕርሓለይ! ራሕርሓለይ’ ክንብሎ ኢና። ንሱ ከኣ ‘እንታይ ትደሊ’ ክብለና እዩ ንሕና ከኣ ‘ክርኢ’ እናበልና ኣብ ሕያው ዘተ ንኣቱ። ኣስተንትኖ ክርስትናኸስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ኣብዚ ዘተ ምስ ኢየሱስ ተብጽሓና። ኣብ ምሉእ ወንጌል ንዓና ዘይትምልከት ገጽ የላን። ንዓና ንክርስትያንከስ ኣስተንትኖ ወትሩ ምስ ኢየሱስ እንራኸበሉ ሓደ ኣገባብ እዩ። በዚ ከምዚ ጥራሕ ከኣ ኢና ንገዛእ ርእስና ክንረክብ እንኽእል። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ዕሚም እንብለሉን እነልቅሰሉን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ናብ ኢየሱስ ከድካ ንኢየሱስ ረኺብካ ብኣኡ ተመሊስካ ንገዛእ ርእስኻ እትረኽበሉ እዩ። ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸብካ ኸኣ ምስጋና ንኣኡ ይኹን ንገዛእ ርእስኻ ዝሓወየ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ዝሓየለ ኰይኑ ትረኽቦ። እዚ እዩ እምበኣር ነቲ መድሓኒ ኩሉን መድሓኒየይን ዝኾነ ክርስቶስ ምርኻብ። እዚ ከኣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ይኹን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 April 2021, 22:13
ንኩሉ ኣንብብ >