“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም”፡ ከም ቃሎም ኮይኖም ዝርከቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም፡ እቲ ተዓቂቡን ልሙድ ኮይኑ ክቕጽል ዝጸንሔ ኣገባብ ርክባት ብኣገባብ ሕይወቶም ኣቢሎም ዝቐየሩ እዮም፡ ብዙሕ እዋን ብተደጋጋሚ ብዛዕባኦም ሰነዳዊ ፊልም ክድረስን ንምርኢት ኽቐርብን ዝብል ሕቶ ክቐርበሎም ጸኒሑን

ጳጳሳዊ  ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ምኽትል ጠቕላሊ ሓላፊ የኔታ ኣባ ዳሪዮ ቪጋኖ፡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ተለቪዥንን ራዲዮ ጣቢያ ብዝጠቓለል ራይ ኡኖ ብእተሰምየ ናይ ተልቪዥን መደብር ቀዳማይ ክፍሊ ዕለት 2 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት (ብላቲን ስርዓት) “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ከም ቃሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ሰነዳዊ ምርኢት ክመሓላለፍ ምዃኑ ሓቢሮም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እትትርኾ እምበር እትሓስቦ ግዜ የሎን”፡ ግዜ ዝህሉ ታሪኽ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ጀርመናዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ወንደርስ ኣብ 2018 ዓ.ም. “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ከም ቃሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደርሰ ንመጀመሪያ ግዜ ብናይ ኢጣሊያ ራይ ኡኖ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ዓርቢ ስቕለት ንምርኢት ክቐርብ እዩ፡ ከምቲ ፓውል ሪኩር ዝብሎ፥ ግዜ ክዕቀብ መታን ዝንገር ታሪኽ ይኹን ከምዝብሎ።

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም”፡ ከም ቃሎም ኮይኖም ዝርከቡ
“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም”፡ ከም ቃሎም ኮይኖም ዝርከቡ

ታሪኻዊ ኣበጋግሳ እቲ ፊልም፥ 2013 ዓ.ም.

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም፡ እቲ ተዓቂቡን ልሙድ ኮይኑ ክቕጽል ዝጸንሔ ኣገባብ ርክባት ብኣገባብ ሕይወቶም ኣቢሎም ዝቐየሩ እዮም፡ ብዙሕ እዋን ብተደጋጋሚ ብዛዕባኦም ሰነዳዊ ፊልም ክድረስን ንምርኢት ኽቐርብን ዝብል ሕቶ ክቐርበሎም ጸኒሑን “ኣነ ተዋሳኢ” ኣይኮንኵን ብዝብል መልሲ ዝደምደምዎ ኮይኑ ጸኒሑን፡ እዚ መልሲ እዚ ግና ኣናበሰለ ምስ ግዜ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሕይወትን ኣገልግሎትን መዓልታዊ ሕይወቶምን ዝትርኽ ነቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብርዎ ዘለዉ ግዜ-ሕይወት ዝትረኽ እምበር ዘይሕሰብ ግዜ ከይኸውን ብዝብል መርትዖ ርድኢት ረኺቦም እነሆ ተደሪሱን ተቐሪጹን ንምርኢት እውን ይቐርብ ኣሎ።

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም”፡ ከም ቃሎም ኮይኖም ዝርከቡ

እቲ ፊልም ንምቕራጽ ቀዳማይ ርክብ

ቅድም ቀዳድም እቲ መደብ ከምቲ ንኻልኦት ፊልም ንምቕራጽ ዝወጽእ ብዙሕ ሃብቲ ገንዘብ ዘይሓትት ክኸውን ከምዘለዎን እዚ ኸኣ ነቲ ከም ካህንን ደሓር እውን ከም ጳጳስን ዝነብርዎ ዝነበረ ቁጥብነት መርሕ ዝገብረ ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም እውን ዝነብርዎን ዘንጸባርቕዎን ዓይነት ኣነብብራ ብምዃኑ እዩ፡

እዚ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ከም ቃሎም” ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ቅድም ክብል ኣብቲ መበል 71 ዓለም ሃቆፍ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ካን ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ሓጺር ቅድመ ምርኢት ቀሪቡን ስዒቡ እውን ዕለት 18 ግንቦት ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ ምራኢት ተዘርጊሑን ስዒቡ እውን ኣብ ስዊዘርላንድ ጀርመንን ኦስትሪያን ከምዝቐረበን ዕለት 4 ጥቅምቲ ብምኽንያት ዓመትዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ 350 ኣባይቲ ምርኢት ከምእተዘርገሐን እውን የነታ ኣባ ቪጋኖ የመላኽቱ።

ኣብ ሃቫናን ኣብ ኢጣሊያ ኣብቲ ናይ ሱታፌን ሓርነትን ማሕበረሰብ ዓውደ ጉባኤ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ንምርኢት ቀሪቡ እዩ፡ እነሆ ዕለት 2 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ራይ ኡኖ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ የሕብሩ።

01 April 2021, 22:00