ድለ

በርጐሊዮ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ በርጐሊዮ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ብዅር ከይኸውን

ኣባ ኾሰ ማሪያ ዲ ፓውላ ብምኽንያት ዕለት 13 መጋቢት ዝኽሪ ሻምናይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣርጀንቲና ዝፈልጦም ዘበለ ኩሉ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዓዲሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ ሻምናይ ዓመት ሕርየቶም ዕለት 13 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ጳጳሳትን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከምዝበጸሖም ክዝከር እንከሎ ኣብ ኣርጀንቲና ኣባ ፐፐ ብዘሰናደውዎ መደብ ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኵም መልእኽቲ ከምዝበጸሖም ቅዱስነቶም ብወገኖም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም፥ ካብ ናይ ፖለቲካን ኤቅለሳውያንን ካህናትን ናይ ስነ ጥበብ ኣካላትን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ናይ ስፖርት ኣካላትን ካብ ናይ ስልጣን ማእከልን ክሳብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ዘጠቓልል ዝበጸሖም ናይ እንቋዕ ሓጐሰኵም መልእኽቲ ማእለያ ዘይብሉን ካብ ኣርጀንቲና ካብ ኵሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ዞባ ድኻታትን ዝተናዕቁን ካህን ኣባ ፐፐ ቅዱስነቶም ናብ ዝነብርሉ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ክበጽሕ ክምዝገበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስጋና ቃል፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ብዅር ከይኸውን

ዘይተጸበኽዎ እዩ ዘጋጠመኒ ምእንቲ’ዚ ከመስግን እደልይ፡ እቶም መልእኽቲ ዘመሓላለፉለይ ዘይፋለጡ ክነሶም ሚሳላዊ ጉጅለ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ “ወለዶ ፍራንቸስኮ” ቢልኵም ኣብ እትገልጽዎ ጽቡቕ ትምኒት ዝጸንዔ ክኸውን ተስፋ እገብር፥ እቲ ዝብሎን ዝፍጽሞን ኩሉ ዝከታተልን ጽቡቐይ ዝደልን ዘይጸልኣንን ብዛዕባ ሕማቕ ዘይዛረብን እቲ ዝብሎ ኣብ ግብርን ሰናይን ከውዕል ዝፍትን ወለዶ፡

ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ቅድም ኣቢሎም እቲ “ትውልዲ ፍራንቸስኮ” ዝብል መጸውዕ ብሓቂ፥ ናይ ምርኻብ ባህልን እዚ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ናይ ሕይወት ምርጫ ብምግባር ዝምስክር ክኸውን ከምእተላበዉን፡ ኣባ ኾሰ ማሪያ ዲ ፓውላ ብምኽንያት ዕለት 13 መጋቢት ዝኽሪ ሻምናይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣርጀንቲና ዝፈልጦም ዘበለ ኩሉ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዓዲሞምን በዚ መደብ’ዚ መሰረት እውን ልዕሊ 100 ሽሕ መልእኽታት ናብ ቅዱስነቶም ክበጽሕ ከምዝገበሩን፥ ቅዱነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥

ብዙሕ እዋን ንሕዝቢ ከየማኸርካ ምውሳን ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ይመስል፡ ኣብ ሕይወት ድዩ ኣብ ቁስምናታትንን (. . . ) ኣብ ሕይወት ከተማታትን ዞባታትን እውን መንግስታት ንሕዝቢ ከየማኸሩ ክውስኑ ይረአይ፡ ኣብ ሰበኻታት እውን ጳጳሳት ንሕቦም ዘየማኽሩ እንተድኣ ኮይኖም፡ ኣብ ሃገር እውን ስልጣናት ንሕዝቦም ዘየማኽሩን ኣገደስቲ ሕግታት ኣብ ምጽዳቕን፥ ሕዝቢ ዘይምምኻር ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብሕዝብን ካብ ሕዝብን፥ ሕዝቢ እዩ ሉኣላዊ፥ ስልጣን ከኣ ሕዝቢ ይዅንታ ዝብሎ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ህዝቢ ልቢ ዝዛረቡን ካብ ኣጽናፍ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም እውን ብዙሓት ንሰናይ ተግባር ዘነቓቕሑን ዘተባብዑን ሓላይ ሕዝቢ እዮም፥

ንሕዝቢ ኣማኺርካ እትፍጽሞ ዘበለ ኵሉ ኣብ ስርዓትን ሕግን ይኹን ኣብ መነባብሮ እውን ካብ ጌጋ የድሕነካ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ነቲ እምነት ብናይ ከባቢኡ ላህጃ ኣቢሉ ንቕድሚት ዘሰጉም (ዞባዊ ናይ መራኸቢ ቋንቋ) ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣማኺርካ እተሳልጦ ኵሉ ካብ ጌጋ እዩ ዘድሕነካ (. . .)

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

02 Apr 2021, 15:51