ናይ ቃል (ድምጻዊ) ጸሎት ብኢድና ኣታትዩ ናብ እግዚአብሔር የብጽሓና! ር.ሊ.ጳ

‘ኦ እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ። ጐይታየ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ። ኦ እግዚኣብሄር፣ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፣ ጐይታየ፣ መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ። ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።’ (መዝ 129,1-5)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ጸሎት ማለት ምስ እግዚአብሔር ምውሳእ እዩ። ብመጠኑ እውን ኩሉ ፍጡር ምስ እግዚአብሔር ይዋሳእ ክንብል ንኽእል። ኣብ ፍጥረት ወዲሰብ ግን እዛ ጸሎት እዚኣ ቃል ትኸውን ምህለላ ትኸውን ዜማ ትኸውን ቅኔ ትኸውን። መለኮታዊ ቃል ኣምላኽ ሥጋ ኮነ ኣብ ሥጋ ነፍሲወከፍ ሰብ ከኣ እዚ ቃል እዚ ጸሎት ኰይኑ ናብ እግዚአብሔር ይምለስ።

ቃላት ፈጠራ ናትና እየን እንተኾነ ተመሊሰን ስለ ብመጠኑ ስለዝሃንጻና ከኣ ኣደታትና እየን እውን ክንብለን ንኽእል። ቃላት ናይ ሓንቲ ጸሎት ንጸልማት ገደል ብዘይፍርሃት ከም እንሳገር ይገብራና ናብቲ ልሙዕ ሻኻ ዓይኒ ማያት ዘለዎ ይመርሓና። በዚ ከምዚ ከኣ ከምቲ እግዚአብሔር ጓሳይ እዩ እቲ መዝ 23 ዝብሎ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ ጸላእታና ኣብ መዓዲ ከም እንቅመጥ ይገብራና። ርግጽ ቃላት ካብ ስምዒታትና ይውለዳ እንተኾነ ኣንጻራዊ ጒዕዞ እውን ኣሎ ማለት ቃላትና ንስምዒታትና ዝጸልዋሉ ግዜ እውን ኣሎ። ቅዱስ መጽሓፍ ኩሉ ኣብ ልብና ዘሎ ብቃላት ናብ ጋህዲ ብርሃን ከምዝመጽእ ይምህረና። በዚ ከኣ ምንም ቃል ክሕባእ ወይውን ቁጽጽር ክግበረሉ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ቃንዛ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ተዓቢዒቡ ተሓቢኡ እንተተረፈ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ውሽጥና ተዓቢጡ ዝተርፍ እሞኸኣ ክንገጾ ወይውን ክነውጽኦ እንተዘይክኢልና ሓደገኛ እዩ። ንነፍስና ስለዝምርዝ ቀታሊ እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ወትሩ ክንጽሊ እኳ ደኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ድፍረት ብዝመልኦ ትብዓት ከይተረፍ ክንጽሊ ዝምህረና። ቅዱሳን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ወዲሰብ ዘይኮነ ክነግሩና ኣይደልዩን ከመይ ኣብ ልቢ ወዲሰብ ብዙሕ ዘይሃንጹ ስምዒታት ጽልኢ ከይተረፈ ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም። ማንም ካባና ፍጹም ቅዱስ ኰይኑ ዝውለድ የለን። ሕማቅ ስምዒታት ኣብ ማዕጾ ልብና ክኩሕኩሑ እንከለው ብጸሎትን ብቃል እግዚአብሔርን ክነበርዕኖም ክንክእል ኣሎና። ኣብ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ንጸላእቲ ብዝምልከት ተረርቲ መግለጺታት ተጻይ ጸላእቲ ንረክብ። ነዘን መግለጺታት እዚአን መንፈሳውያን መማህራን ነቲ ጥንተ ጸላኢ ዲያብሎስ ከምኡ እውን ንሓጢኣት እየን ዝምልከታ ይብሉና። ከምኡ እውን እንተኾነ ግን ኣብ ኩነት ሰብ ዝርከባ ክፍሉ ስለ ዝኾና ከኣ ኣብ መረበት ቅዱስ መጽሓፍ ሰፊረን ንረኽበን።  ንወዲሰብ ዓመጽ እንከጓንፎ እዘን ቃላት እዚኤን ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎና ሕማቅ ስምዒታት ንምቅሃምን ዳግም ንከይሕስርዎን ናብ ካልእ መንገዲ ንምትሓዞም ከምዝከኣል ንምምስካር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ይርከባ። እንተዘየሎ ዓለምና ብምሉኡ ምቀሃመ ነይሩ።

ቀዳመይቲ ጸሎት ወዲሰብ ኩሉ ግዜ እታ ብቃል እትድገም ጸሎት እያ። ወትሩ ከናፍር እየን ኣቀዲመን ዝንቀሳቀሳ። ሽሕ’ኳ ምጽላይ ማለት ቃላት ምድጋም ከምዝኮነ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እንተኾነ ብቃል ዝድገም ጸሎት ከም እንጽሊ ርግጽነት ዝህበናን ብዝቀለለ ክንገብሮ እንኽእል ጉዳይን እዩ። እንተ ስምዒታትና በቲ ዘለዎም ክብሪ ወትሩ ምስ ተጠራጠሩ እዮም ሓንሳብ ይኸዱ ሓንሳብ ይመጹ። ገዲፎምና ዕዝር ይብሉ እሞ ጽንሕ ኢሎም ከኣ ይምለሱና። እዚ ጥራይ ከይኣክል ከኣ እቲ ጸጋታት ጸሎት ክትግምቶ ኣይትኽእልን ሓንሳእ ሓንሳእ ምጽንናዕ ዝበሃል ህልም ይብል ይብል ምናዳ ኣብቲ ዝጸልመተ ዕለታት ኩሉ ዝበነነ ይመስል። ብልቢ ዝግበር ጸሎት ብጣዕሚ ምሥጢራዊ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ሓው ኢሉ ይጠፍእ። እንተ ናይ ከናፍር ጸሎት ብግልስ ይኹን ምስ ማሕበር ወትሩ ኣብኡ ኣሎ። ልክዕ ብልማድ ብኢድና ከም እንሰርሖ ጉዳያት እዩ። ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ቊ. 2701 ‘ድምጻዊ ጸሎት ናይ ሕይወት ክርስትና ኣገዳስን ኣድላዪን ወገን እዩ። ብናይ መምህሮም ስቕተይና ጸሎት ንዝተገረሙ ተመሃርቱ፤ ኢየሱስ ነቲ “ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር” ዚብል ድምጻዊ ጸሎት መሃሮም። ወንጌል ከምዘዘንትዎ ድማ፣ ንሱ ባዕሉ ነቲ ናይ ምኵራብ-ኣይሁድ ሊጡርግያዊ ጸሎታት ዓው ኢሉ ምጽላይ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብታሕጓስ ተመሊኡ ነቦኡ ካብ ዝባረኸሉ ኣትሒዝካ፤ ክሳብ’ቲ ናይ ጌተሰማኒ ሥቓይ፤ ውልቃዊ ጸሎቱ ንምግላጽ ድምጹ ኣልዒሉ እዩ’ እንክብል ይገልጾ። እዚ ከኣ እቶም ሓዋርያት ጸሎት እንዶ ግዳ መሃረና ምስበልዎ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ናይ ቃል ጸሎት ይምህሮም። ‘አቦና ኣብ ሰማይ እትነብር’ ኢሉ ይምህሮም። ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ኩሉ ኣሎ።

ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ እንርከበሉ ግዜ ብዙሓት ሽማግለታት በቲ ካብ ሕጻንነቶም ዝተማህርዎ ናይ ቃል ጸሎት እዝኖም እውን ቁሩብ ስለዝጸናንዖም ዓው ኢሎም ብምጽላይ ነቲ ውሽጢ ቤተክርስትያን ብደርጓዕጓዕ ቃላቶም እንክመልኦ ንሕና ኩልና ትሕትና ለበስና ክንዕገሶም ኣሎና። እቲ ጸሎት እቲ ከም ዝመስለና ንጸጥታ ኣይርብሽን እኳ ደኣ ንመዋእሎም ምሉእ ምንም ከየጒደሉ ዝፍጽምዎ ጒዳይ ኰይኑ ወትሩ ክትጽሊ ከምዘሎካ ዝገልጽ ዓቢይ ምስክርነት ተኣማንነት እዩ። እዚኦም ከምዚ ዚኣመሰሉ እሙና ጸለይቲ ብታ ትሕትና ዝመልኣ ጸሎቶም ናይ ቊምስናታትና ዓበይቲ ኣማለድቲ እዮም። ከምተን ወትሩ ጽላለን እናኣስፍሓ ንብዙሓት ጽላል ክኾና ዝውፈያ ዓበይቲ ዳዕሮታት ለሰ እዮም። ምስቲ ዝደግምዎ ጸሎት ልቦን መኣስን ክንደይ ግዜን ይወሃሃድ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ዝፈልጥ፣ ርግጽ እዩ እዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ጸልማት ግዜን ባዶሽን ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ብቃል ንዝድገም ጸሎት ወትሩ እሙናት ኰና ክነዘውትር ኣሎና። እዚ ጸሎት እዚ ከም መልህቅ እዩ! ዝመጸ ይምጻእ ነዛ ገመድ እዚኣ ኣጽኒዕካ ምሓዝ የድሊ።

ኣብ ዝንገር ታሪኽ መነኮሳትን መናንያን ባሕታውያንን ሓደ ሩስያዊ ነታ ጐይታ ወትሩ ጸልዩ እናበለ ዝተማሕጸነና ኣብ ግብሪ ንምውዓል ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ንኣይ ንሓጢኣተኛ ራሕራሐለይ’ እትብል ጸሎት እናደገመ ዝውዕሎን ዝሓድሮን ዝነበረ ንሕና እውን ኣብ ጸሎት ጽንዓት ንክህልወና ካብኡ ንመሃር። እዚ ሰብ እዚ ነዛ ጸሎት እዚኣ ጥራይ ይደግም ነበረ። ኣብ ሕይወት እዚ ሰብ እዚ ጸጋታት እንተዘነቡ ንኣና እውን እዛ ጸሎት እዚኣ ብጣዕሚ ዋዕዊዓ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኣምላኽ ከምዝወረደ ኰይኑ ክስቈረና እንተጀመረ ትርኢት እዚ ሰብ እዚ ከም ናይ ሓደ ሕጻን ከንጸባርቅ እንተጀመረ ከመይን ስለምንታይን ንእትብል ሕቶ ዝኸውን መልሲ ኣብዛ ገርሀይና ጸሎት ክርስትያን ምድጋም ስለዘየባተኸ እዩ። እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ መወዳእታ ሕይወቱ መዋዳእታ እስትንፋሱ ኮነት። ናይዚ መንፈሳዊ ነጋዲ ሩስያ ዝበሃል መነኮስ ወይውን ባሕታዊ ታሪኽ ብጣዕሚ ሃናጺ እዩ። ኩሎም ክገዝእዎ ዝኽእሉ መጽሓፍ እዩ። ንክተንብብዎ እመኽረኩም። በዚ ከምዚ ከኣ ኣድላይነት ምድጋም ጸሎት ንምርዳእ ይሕግዘኩም።

ስለዚኸስ ጸሎት ብቃል ዓው ኢልካ ምድጋም ክነስተናዕቆ የብልናን። ምናልባት ገለ ገለ ሰባት ‘እዝስ ጉዳይ ሕጻናት ምንም ንዘይርዳእ ሰባትን እዩ። ኣነ ብሓሳብ ዝግበር ጸሎትን ኣስተንትኖን ብምግባር ኣብቲ ባዶ ዝኾነ ውሽጣዊ ሕይወተይ እግዚአብሔር ክመጽእ ክጽዕር ኣሎኒ` ዝብል ኣይሰኣኑን። በጃኻትኩም ብቃል ንዝድገም ጸሎት ብምስትንዓቅ ኣብ ከምዚ ዓይነት ትዕቢት ኣይትውደቁ። ናይ ቃል ጸሎት ናይ ገርሀይናታት ጸሎት እዩ። ኢየሱስ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ክብል ዝመሃራ ጸሎት እያ። እተን ብኣፍና እንደግመን ቃላት ብኢድና የታትያና ሓንሳእ ሓንሳእ ጠፊኡ ንዝነበረ ሸውሃት ጸሎት ይመልሳልና ንዝደረቀ ልብታት የረስርሳ ካብ ኣእምሮና ህልም ኢሉ ጠፊኡ ዝንበረ ሠናይ ስምዒታት ይመልሳልና ኣብ መወዳእታ ኣታትየን ንፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ምስትምቃር የብጽሓና። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነተን እግዚአብሔር ክሰምዐን ዝብህገና ሕቶታትና ርግጸኛ ብዝኾነ መንገዲ ኣንፈት ዘትሕዛ እንኮ መጋበሪ እየን።  ኢየሱስ ኣብ ደበንገረ ደበና ኣይሓድገናን እዩ። ‘ክትጽልዩ እንከሎኹም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ’ (ማቴ 6,9) ኢሉና። ጸሎተ ኣቡነ ዘበሳማያት ከኣ ምሂሩና።  እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

21 April 2021, 11:45
ንኩሉ ኣንብብ >