ድለ

2019.03.28 ጠፈር 2019.03.28 ጠፈር 

`ኦ ጐይታ ካብ መንፈስካ አበይ እሞ ክሃድም እየ! ኣብ ሰማይ እንተዓርግኩ አብኡ አሎኻ! (መዝ 138)

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ 'ነፍስና ንኣኻ ክሳብ እትረክብን ብኣኻን እንተዘይኰይኑ ዕረፍቲ የብላን' ከምዝበሎ ወዲሰብ ንእግዚአብሔር ክረክብ ካብ ዘካይዶም ብዙሕ ጻዕርታት ሃሰሳ ምክያድ ኰይኑ ኣብ መበል 20 መፋርቅ ዝሓለፈ ዘመንና ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈጸመ ዘብል ጒዕዞን ምህዞን ወዲሰብ ናብ ጠፈር ኣብ መንጎ ከዋኽብቲ እናዞርካ ነቲ ዘድንቅ ፍጥረት ኣምላኽ እናተዓዘብካ ናብ ኣምላኽ ምብጻሕ ብዘመልክት ጋጋሪን ዝበሃል ሶቬታዊ ጠፈርተኛ ንዝገበሮ ቀዳማይ ጒዕዞ ጠፈር ናይ ሎሚ 60 ዓመት ብምዝካር ናይ ሽዑ ሊቀ ጳጳሳት ሚላኖ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ዝበልዎ ሎሚ ኣብ ወግዓዊ ጋዜጣ ቅድስት መንበር ሎኦሰርቫቶረ ሮማኖ ‘ስፍሓት ጠፈር ነቲ ክብጻሕን ክርዳእን ዘይከኣል ዕብየት እግዚአብሔር ከም እነስተማቅር ይገብረና’ ምስ በሉ ነቲ በዓል ጋጋሪን ዝገበርዎ ከኣ ‘ኣብ መንጎ ከዋኽብቲ ንእግዚአብሔር ክትረክብ ዝግበር ጒዕዞ’ እንክብሎ ሰፊሕ ዓንቀጽ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ነቶም ድሕር ኢሎም ዝተወልዱን ታሪኽ ቤተክርስትስያን ዝሕድሶምን እዞም ኣብ ሱሳታት ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበሩ እንብሎም ዘሎና ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ዝበልናዮም ሎሚ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኢልና እንጽውዖም ንቤተክርስትያን ኣብቲ ቀውጢ ዝኾነ ግዜ ንክመርሑ ር.ሊ.ጳ ክኾኑ ዝተመርጹን ጳውሎስ ሻድሻይ ዝብል ስም መሪጾም ካብ ዕለት 30 ሰነ 1963 ዓም ክሳፍ ዕለት 6 ነሐሰ 1978 ዓም ዝመርሑ እዮም።

ናይ ሎሚ 60 ዓመት ይገብር ብዕለት 12 ሚያዝያ 1961 ዓም ኣብዚ ብዝሑል ኲናት ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ውድድርን ካልእ ጒዳያትን ዩሪ ጋጋሪን ዝበሃል ሶቭየታዊ ኮስሞናውት ቮስቶክ ኤስት ብእትብሃል ናብ ህዋ እትውንጨፍ መጋበሪት ገሩ ናብ ህዋ ተወንጪፉ ን89 ደቃይቅ ዝኸውን ካብ ስሕበት መሬት ወጺኡ ኣብ መንጎ ከዋኽብቲ ኰይኑ ንዓለም ዘሩ ብደሓነ ሰላም ምስ ተመልሰ ዓለም ምሉእ ኣድናቆቱ ገሊጹ።

ብፁዕነቶም እውን ሕጽር ብዝበለ ‘ብዛዕባ ህዋ እንገብሮ ኣስተንትኖ ይዓቢ ኣሎ። ብኡ መጠን ከኣ ተስፋ ዓለምና ይሰፍሕ ኣሎ። እዚ ኩሉ ከኣ ናብቲ ዓቢ ምሥጢር ዝኾነ ወትሩ እናዓበየን እናዓመቆን ናብኡ ንኩሉ ፍጥረት እናሰሓበን ዝነብር ትርጉም ሃሰስ ንምባል እዩ። ብዛዕባ እዚ ብጣዕሚ ሰፊሕ ዝኾነ ህዋ ወይውን ጠፈር እንመሃሮ እንተልዩ ብጣዕሚ ቀረባና ከምዝኾነን ብሓድነትን ነንሕድሕዱ ከመይ ቢሉ ተኣሳሲሩ ከምዘሎን ንዕዘብ። ናይዚ ሓዲስ ተረኽቦን ስፍሓት ህዋን ናብ መሠረታዊ ምኽንያት ህላዌና ይወስደና እዚ ከኣ ኣብ እምነታዊ ምኽንያት ህላዌና ማለት እዩ። እዚ እምነት እዚ ናብ ምሥጢርን ትርጉምን ዓለምናን ህላዌናን ገጹ ይደፋፍኣና። ነቲ ክንበጽሖን ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦን ዘይኽእል ዕቤት እግዚአብሔር ዝገልጽ ዓቢ መቃልሕ የጋውሓልና’ ኢሎም ጸሓፉ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከኣ ኣብ ሃገረ ጣልያን ብዝርከቡ ቀንዲ ጋዜጣታት ተጋውሐት።

ዓለምና ኣብቲ ግዜ እቲ ብሞደርኒዝም ዝፍለጥ ናብ ክሕደት ገጹ ዘዘምብል ሃሰሳን ብኮሚኒዝም ዝጋዋሕ ዝነበረ ሳይንሳዊ ሓቂ ብዝብል ኣልቦ እግዚአብሔር ብዝበለዓለ ሓይሊ ዝቃለሰሉን ዘመን ኰይኑ ብሕልፊ ድሕሪ 1961 ዓም ክፍጸም ዝነበሮ ድሮ ብ1917 ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ፋጢማ ነቶም ሠለስተ ጓሶት ገሊጻቶ ከምዝነበረት ብርቱዕ ክሕደትን ዛሕሊ እምነትን ምሳኡ እውን ንስሓን ምህልላን እንተዘይተገሩ ምናዳ ሩስያ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ክትውፈ ዝሓትት መልእኽቲ ዝነበሮ እዩ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ሕንፍሽፍሽ ግዜ እዩ እምበር ካርዲናል ሞንቲኒ ዝግ ንበል ናብ ልብና ንመለስ እዚ ኩሉ ዝግበር ጻዕርን ሃሰሳን ሓደ መሠረታዊ ጉዳይ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲሰብ ኣብ ውሽጢ ልቡ ወትሩ ዝመላለስ ሃሰሳ ኣሎ። እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌ መጽናዕትን ናብ ህዋ ምምንጣቅን ንወዲሰብ ናብዚ ዕላማ ህላዌኡ ክንብሎ እንኽል ግልጸት እግዚአብሔር ገጹ ዝወስድ ኣተባባዕን ተስፋ ዘለዎን መንገዲ እዩ ኢሎም። ከመይ እቲ ውህበት ጐይታ ዝኾነ ሳይንስን ተክኖሎጅን ሓዲስ ፍልጠት ብምስፋሕ ወዲሰብ ነቲ ከቢቡና ዘሎ ዓለም ምናዳ ኸኣ ጠፈር ሒዝዎ ንዘሎ ምስጢራት ብዝበለጸ ንምፍላጥን ጒዕዞ ፍልጠት ዘመደ ኣዳም ናብ ሓቂ ገጹ ንምቅራብን ይድግፍ።

ቀቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ዳርጋ ምሳኡ ብዝራኸብ መንገዲ ክትብሎ ብዘድፍር ካርዲናል ሞንቲኒ ብዕለት 6 ጥሪ 1958 ዓም በዓለ ግልጸት ወይ ኤጲፋኒ ብዛዕባ ሰብኣ ሰገልን እቲ ዝመርሖም ዝነበረ ኮኸብን ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ፡ እዞም ጥበበኛታት ሰባት እዚኦም ንኮኸብ እናተኸተሉ ይጐዓዙ እዚ ፍልጠት እዚ ኣስትሮኖሚ እንብሎ ሥነፈለክ ከዋኽብቲ ፊዚክስ እንብሎ መጽናዕቲ ምንቅስቃሳትን ሳይንስ እንብሎ ምርምርን ፈተነን ተኸቲሎም ከምዝፈጸምዎ ከምዚ እንክብሉ ሰቢኾም ነበሩ።

ቅድሚ ዝኣገረ እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ሓደ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ እዮም ነቂሎም። እዚ መጽናዕቲ እዚ ከም ዕላማ ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነን ዝምርምር እንታይ ደኣ ናብ ካልእ ዝምርመር ጉዳይ ወሲዱ ብዛዕባ ንክተጽንዕ እምበር ስለምጽናዕ ኢልካ ዝግበር መጽናዕቲ ኣይኮነን። ርግጽ እዚ ጉዳይ እዚኣ ከኣ ካብኡ ንላዕልን ካባኡ ዝበልጽን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ክንዮኡ ዝኾነ ኣድላይን ልዑልን ዝበልናዮ ጉዳይ ከኣ ንኣእምሮ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ምንቅስቃሳትካ ይውንን። ሰብአ ሰገል እውን ብኣእምሮ ምምርማር ጥራይ ዘይኮነ ነተን ብተኣማንነትን ብትብዓትን ዝገብርዎን ዝነበሩ መንፈሳዊ ንግደት ዝገብራ ዝነበራ ስጒምታቶም እውን ነዚ ምርምር እዚ ከምዝኽተላ ገሮም’ ኢሎም ነበሩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ዘመኑ ወዲሰብ ብብዙሕ ንእምነት ዘድክም ካብ ኣልቦ እግዚአብሔር ዝብል ክሳብ ብሳይንስ ንኩሉ ዝብል ዘመነ ክሕደት ብምንባሩ ካርዲናል ሞንቲኒ ናይ ዝዓበየ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሃገረ ጣልያንን ብኢንዱስትሪ ዓቢ ለውጢ ዝገብር ዝነበረ ሎምባርድያ ዝበሃል ኣከባብን ከምኡ እውን ማሕበር ሠራሕተኛታት ዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንሰብ ካብ እምነት ብምርሓቅ ሳይንስ እውን ኣሉታዊ ግደ ስለዝነበሮ ከም ጓሳ መጠን ናብ እምነት ይጽውዑ ነበሩ። ንኣብነት ብዕለት 17 ሚያዝያ 1960 ዓም ‘ንሕና ሎሚ ተመራመርቲ ኰና ያኢ ብመጽናዕቲ ሳይንስን ሃሰሳን ሰኺርና ናብ ካልእ ክንዲ ምዝባል ናብ እምነትና ንመለስ እሞ ጣዕሙ ክነስተማቅር ኢና’ ኢሎም ነበሩ። ከምኡ ብዕለት 15 ሚያዝያ 1962 ዓም ‘ሎሚ ከም ሎሚ ርግጸኛታት ኰና ክንብሎ እንኽእል እንተደኣ እዚ ሰልጢነ ዝብል ዘመናዊ ወይ ስልጡን ሰብ እንብሎ ዘመደ ኣዳም ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኣእምሮ ብሓቂ ክሳነን ክጠብቅን እንተኾኑ ናብ እምነቱ ይመለስ’ እንክብሉ ነቲ ዝነበረ ፋሉልነት እምነት ብግህዶ ይቃወሙን ሓቀኛ መንገዲ ይምህሩን ነበሩ።

ነዚ እንክብሉ ግን ነቲ ዝነበረ ምዕባሌ ፍልጠት ዋጋ ኣይህብዎን ነሩ ማለት ኣይኮነን እኳ ደኣ ተገዳስነቶምን ኣድናቆቶምን ወትሩ ምስ ገለጹ ነበሩ። ናይቲ ናይ እግዚአብሔር ዝዓበየ ትዕድልቲ ዝኾነ ኣእምሮ ደቂሰባት ውጽኢት ዝኾነ ማንም ዓውዲ ፍልጠት ብቤተክርስትያን ክጒሰ የብሉን ብማለት ንኩሉ ክምርምሩ ነቲ ሠናይ ክስዕቡ ይምህሩ ነበሩ። ኣብቲ ዘመን እቲ ነበሩ ምስ ዝበሃሉ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ከም እኒ በዓል ኤንሪኮ መዲ ዝበሃሉ ናይቲ ዘመን እቲ ብፊዚክስ ውሃ ዘበለ ሊቅ ኤንሪኮ ፈርሚ ተመሃራ ዝነበረ ጥቡቅ ርክብ ከምዝነበሮምን ይግለጽ።

ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ኰይኖም ምስ ተመርጹ እውን ንጉዳይ ጠፈርን ሃሰሳን ምምጣቅ ናብ ህዋን ክሳብ ኣፖሎ 11 ኣብ ወርሒ ምብጻሕ ንኩሉ ተኸታተልዎን ኣብ ኣስተምህሮታቶም እውን ዕብየት እግዚአብሔር በዚ ዓቢ ምርምር ገለጹ። ንኣብነት ዕለት 2 ነሓሰ 1964 ዓም ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብቲ ዓመት ብዕለት 28 ሓምለ ብኣመሪካውያን ናብ ጠፈር ዝተላእከ ረንጀር 7 ዝበሃል ናብ ወርሒ ዝተላእከን ካብኡ ልዕሊ 4000 ስእለታት ንዝሰደደን ኣመልኪቶም ‘እዚ ንመጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ህዋ ንምድህሳስ እንገብሮ መጽናዕቲ በቲ ሓደ ወገን ወዲሰብ ክሳብ ክንደይ ደቂቅ ከምዝኾነ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዕብየትና ይገልጽ። ወዲሰብከስ ንፍጥረት መጠን ዝፈለጠሉ ንክብርን ዕብየትን እግዚአብሔር ሓዲስ ማህሌት ንክደርስ ምኽንያት ይኾኖ’ ኢሎም ነሮም።

ኣብ ዝተፈለለየ ግዝያት ንዝተፈላለየ ሊቃውንቲ ብዓለምለኸ ደረጃስ ይኹን ብሃገረ ጣልያን ደረጃ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉን ዓበይቲ ማእከላት ኣብ ዝበጽሑሉን ነዚ መስመር እዚ ይገልጹ ነበሩ።

ብ1968 ዓም ዕለት 24 ታሕሳስ ምሸት ንሶም ቅዳሴ ልደት ኣብ ኢታልሲሳር ናይ ታራንቶ እንከዕርጉ ዓለም ብዓለማ ግን ብካልእ ጉዳይ ተዋሒጣ ነበረት ካብ ዕለት 21-27 ታሕሳስ 1968 ወዲሰብ ኣብ ወርሒ እግሩ ዘንበረለን ነበራ። ናይዛ እንነብረላ ዓለም ምስሊ እውን ካብ ወርሒ ዝተሳእለ ንመጀመርያ ግዜ ሽዑ ምሸት ብተለቪዥናት ተዘርገሔ እንተኾነ ቅዱስነቶም ብዕለት 22 ሰንበትን ብዕለት 23 ናይ በዓለ ልደት ሠናይ ምንዮት ንካርዲናላቶም እንክገልጹን ‘ንክዕዘብን ንከስተንትንን ኣእምሮ ዝተዓደሎ ዘመደ ኣዳም ሓዲስ ማህሌት ምስጋና ንኣምላኽ የቅርብ’ ኢሎም ነበሩ።

እዚ ኩሉ እንክኸውን ግን ናይቲ ግዜ እቲ ዓለም ካብ ዝሑል ኲናት ጀሚርካ ብዙሕ ዘይዝረበሎም እንተኾነ ህልቂት ዘስዕቡ ዝነበሩ ውግኣት ከምዘለው ብምዝኽኻር ‘ኣብ ቬትናምን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ሳልቫዶርን ሆንድራስን ብውግእ ሰብ ይሃልቅ ኣሎ። እዚ ህልቂት እዚ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ምዕባሌ ወዲሰብ ኣበይ ኣሎ!’ እንክብሉ ሕልና ኩሉ ይኩሕኩሑ ነበረ። ነዚ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ውድብ ኅቡራት ሃገራት እውን ደገምዎ።

ብዕለት 21 ሓምለ 1969 ዓም ናብ ወርሒ ዝተላእከት መንኰርኰር ቁሩብ ደቃይቅ ቅድሚ ምዕላባ ቅዱስነቶም ‘ካብዚ ኣብ ጥቃ ሮማ ዝርከብ መዔዘቢ ጠፈር ካስተል ጋንደልፎ ንዓኹም ንጠፈርተኛታት ዝዛረብ ዘሎ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ እየ። ክብርን ሰላምታን ቡርኬን ንዓኹም ንበጻሕቲ ወርሒ ይኹን ድምቅቲ ብርሃን ለይታትናን ሕልምታትናን ናብ ዝኾነት ወርሒ እትበጽሑ ይኹን። ምሳኹም ድምጺ መንፈስን ማህሌት ምስጋንን ናይ ኣቦናን ፈጠሪናን እግዚአብሔር ኣብጽሑለይ። ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰላምታይ አቅርበልኩም’ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነበሩ። ነቶም ጠፈርተኛታት ማለት ናይል ኣርምስትሮንግን ኤድዊን ኣልድሪንን ሚካኤል ኮሊንስ ቅዱስነቶም ካብ መዝሙረ ዳዊት 8 ሓደ መልእኽቲ ብቋንቋ ላቲን ኣብ ወርሒ ክገድፉ ሓደራ በልዎም። ብዕለት 16 ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ኣብ ቫቲካን ተቀቢሎሞም ከኣ አምሳል እቶም ሰለስተ ነገሥታት ሰብኣ ሰገል ከምዝኾኑ ሓቢሮም ትርጉሙ ገለጹሎም።

በዚከምዚኸስ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ነዚ ብዝምልከት ኩሉ ፍልጠትን ምርምርን ናብ ዕብየት እግዚአብሔር ከምዘብጸሓናን ነፍሲወከፍ ሓዳስ ርኽበት ከኣ ሓዲስ ቅኔ ማህሌት ምስጋናን ውዳሴን ናብ ኣምላኽናን ፈጣሪንን ንምቅራብ ከምዝሕገዝና መሃሩ። ዝሰዓብዎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ነዚ መስመር እዚ ብምኽታል ነቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 18 ‘ሰማያት ይነግራ ስብሐተ እግዚአብሔር፡ ወግብረ እደዊሁ ያየድዓ’ ሰማያት ክብሪ እግዚአብሔር ይነግራ ግብሪ ኣእዳው ከኣ የረድኣ’ ዝብሎም ወዲሰብ ኣብ ጠፈር ብዝገብሮ ምርምርን ሃሰሳን ኣብ መንጎ ከዋኽቲ ኰይኑ ንክብሩ ይደሊ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

13 April 2021, 11:46