ድለ

ቅዱሳን ካብ ሰማይ ወትሩ ይድግፉናን የሰንዩናን! ር.ሊ.ጳ

‘ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ’ (ዕብ 12.1-3)።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ጸሎትን ሱታፌ ቅዱሳንን ዘሎ ርክብ ክነስተንትን ምመረጽኩ። ከም ሓቁ እኳ ክንጽሊ እንከሎና በይንና ኣይኮናን እንገብሮ! እንታይ ደአ ሽሕ’ኳ ዘይነስተውዕሎ እንተዀና ቀዲሙን ድሒሩን ብዝኸበና ውሕጅ ምሕጽንታ ተኸቢብና ኢና እንፍጽሞል። እቲ ኣብ ሥርዓታተ ኣምልኾ እንጥቀመሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘጓንፉና ጸሎታት እንተስ ብዛዕባ ዘደንቅ ሓርነት ይኹን እንተስ ኣብ ስደትን መከራን ዝቀርቡ ሓዘን ዝመልኦም ጸሎታት ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ዘድንቅ ፍጥረት ኣምላኽ ዝቀርቡ ጸሎታት ምስጋናን ክብርን ዝቀርቡ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ንረኽቦም። በዚ ከምዚ ዝበለ አገባብ ከኣ እዚ ድምጺ ገዓርን ልመናን እዚ ብቀጻሊ ዋሕዚ እንተስ ከም ግላዊ ምሕጽንታ እንተስ ከም ናይ ሓደ ሕዝብን መላእ ዘመደ ኣዳምን ልመና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ንዕዘብ። ካብ ታሪኽ ገዛእ ርእሱን ካብዚ ነዚ ልማድ እዝን ነዚ ውርሻ እዝን ሒዙ ዝጐዓዝ ባህሊ ዝሓዘ ታሪኽ ሕዝቡን ማንም ክፍለ ኣይክእልን።   ብዙሕ ግዜ ኣብ ጸሎት ምስጋናን ውዳሴን እዚ ካብ ልቢ ትሑታትን ሕጻናትን ዝውሕዝ ጸሎት ውዳሴ ነቱይ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ዘመዳ ኤልሳቤጥ ዝደገመቶ ጸሎት ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ዳግም የጋውሕ። ወይ እውን ነቲ ሽማግለ ስምዕን ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕቊፉ ሒዙ ይእዜ ትስዕሮ ለገብርከ ማለት ‘ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ’ (ሉቃ 2.29) ክብል ዝጸለዮ ጸሎት ምዝካር ይከአል።

ኩሉ ጸሎታት ምናዳ ከኣ ሠናይ ትሕዝቶ ዘሎዎ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀጻሊ ይመሓላለፍ! እዚ ከኣ ከምዚ ሎሚ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ከይተጠቀምካ እዩ። ካብቲ ስቃይ ሓደ ስቃይ ኩሉ ዝኾነሉ ብሱቊታ እትሳቀየሉ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ደስታ ሓደ ሰብ ደስታ ካልኦት ዝኾነሉ ቅርዓት መዕቆቢ ሕሙማን ከም ዝጋዋሕ ስምዒት እዩ። ቃንዛን ሓጐስን ናይ ሓደ ታሪኽ ክፍሊ እዮም። ኣብ ግላዊ ታሪኽ ሕይወት ዝምስረት ታሪኽ እዮም። ንታሪኽካ ብተመሳሳሊ ቃላት ዳግም ትነብሮ እንተ እቲ ተመኲሮ ግን ስፍሓቱ ክንዮኡ እዩ።

እንተኾነ ኣእዳውና ኣጣሚርና ልብና ንጐይታ ከፊትና እንክንምሕጸን ጸሎታት ወትሩ ዳግም ይውለዳ ብዙሓት እንፈልጦምን ዘይፈንልጦምን ቅዱሳን ቅድመና ነዚ ንሕና እንሓልፎ ዘሎና ሕይወት ብዓወት ዝሰገሩ ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን የሰንዩና። ኣብ ቤተክርስትያን በይንኻ ዝሕዘን ሓዘን ብከንቱ እትነጥብ ንብዓት የላን ከመይ ኩሎም ብሓባር ሓደ ዓይነት ጸጋ ስለዝሳተፉ።  ኣብ ናይ ጥንቲ ኣብያተ ክርስትያን መቃብራት ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ምርካቦም ብሃሰሰ ለባም ዝተግብረ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ከምቲ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ብሓባር እንሳተፎ ነቲ ቤተመቅደሱ ብሓባር ምስቶም ዝቀደሙ ንምኽባብ ዝግበር ነበረ። ኣብቲ መቃብር ወለድና ኣብሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ኣቦልገታትናን እኖልገታናን መማሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ካልኦት መማህራንን ኣለው። እዛ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሓላለፈት ንሕና ዝተረከብናያ እምነት ምሳኣ ኣገባብ ጸሎትን ጸሎት ንባዕሉን ሒዛ እያ መጺኣትና።

ቅዱሳን ካባና ዝረሓቁ ከይመስለና ገና ኣብ ማእከልና ኣለው! ኣብ ምጅማር ትምህርትና ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ዕብራውያን እዞም ቅዱሳን እዚኦም ኣብ ቤተክርስትያናትና ምህልዎም ከም መሰኻኽር ደመና ኰይኖም ከቢቦምና ይነብሩ (ዕብ 12.1)ይብል። ብዙሕ ግዜ ነዞም መሰኻኽር ዝኾኑ ቅዱሳን እዚኦም ኣይኮነን ክብሪ እንህብ ወይ እነምልኽ እንታይ ደኣ ናብቲ ንሶም ዝሕብርዎ ወይውን ዘመልክትዎ እንኮ መድሓንን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ደቂሰባትን ጠበቃን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝመርሑና ንኣታቶም እውን ብብዙሕ መገዲ ነኽብሮም ኢና። ናብ ኢየሱስ ዘየብጽሓካ ቅዱስ ቅዱስ ኣይኮነን ወረ ብሱሩ ክርስትያን ኣይኮነን። ቅዱስሲ ነቲ ንሱ ከም ክርስትያን ዘሕለፎ ጒዕዞ ብምምልካት ንኢየሱስ ክርስቶስ የዘኻኽረካ። እዚኦም ቅዱሳን እዚኦም ንኣና እውን ሽሕ’ዃድኹምን ሓጢኣት ዝመልኦን ሕይወት ንውንን እንተኾና ናብ ቅድስና ክንበጽሕ ከም እንኽእል የዘኻኽሩና። ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና ቀዳማይ ቅድስናኡ ዝተኣወጀ እቲ ኣብ የማን ኢየሱስ ዝነበረ ሰራቂ እዩ። ነዚ ኣዋጅ እዚ ግን ሓደ ር.ሊ.ጳ ኣይኮነን ዝኣወጆ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ኣዊጅዎ። ቅድስናኸስ ንውሑን ምሕጻሩን ብዘየግድስ ምስ ኢየሱስ ተራኺብካ ዝግበር ጒዕዞ ሕይወት እዩ። ወላ ከምቲ ናይ ሰራቂ ንቋሕሰም ክኸውን ይኽእል እንተኾነ ወትሩ ምስክርነት እዩ። ሓደ ቅዱስ ክንብል እንከሎ ምስክርነት ናይ ሓደ ሰብ ማለት ሰብኣይ ወይውን ሰበይቲ ንኢየሱስ ዝረኸበን ክሳብ መወዳእታ ንኢየሱስ ዝተኸተለን ምስክርነት እዩ። ናብቲ ሕያዋይን ብፍቅሪ ዓቢይን ዝኾነ ጐይታ ንምምላስ ፈጺምካ ደንጒኻ ዝበሃል እዋን የለን ወትሩ ግዜ ኣሎና (መዝ 102.8)።

ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ነዙይ እንክገልጽ ኣብ ቊ.2683 ‘ቀዲሞምና መንግሥተ-ሰማያት ዝኣተዉ ብፍላይ ከኣ እቶም ቤተክርስትያን ቅድስናኦም ዝፈለጠትሎም ኵሎም፣ በቲ ኣብነታዊ ሕይወቶምን፣ በቲ ናይ ጽሑፍ ውርሻኦምን፤ በቲ ሕጂ ዜዕርግዎ ጸሎቶምን ኣብ’ቲ ሕያው ትውፊት-ጸሎት ተሳተፍቲ ይኾኑ። ንሳ’ቶም ንእግዚኣብሔር ይጥምቱ የስተንትኑ፥ ይውድስዎ፤ ነቶም ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ዝገደፍዎም ድማ ቀጺሎም የሓስቡዎምን የሓልዩሎምን። ኣብ’ቲ ታሕጓስ-ጐይትኦም ምስኣተዉ፣ “ኣብ ብዙሕ ተሠይሞም እዮም”፥ ኣማልድነቶም ድማ ኣብ መደብ-ኣምላኽ ዚቐርብ እቲ ዝለዓለ ኣገልግሎት እዩ። ምእንታናን ምእንቲ መላእ ዓለምን ከማልዱ ክንልምኖም ንኽእል፤ ይግበኣና እውን እዩ’ እንክብል ይገልጾ። ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እዞም ነጋድያን ዝኾናን ናብ ንየዋይ ዓለም ዝሓልፉ ብዛዕባና ዝሓልዩ ኣብ ሰማያት ዘለው ፍትዋት መወቲ ኣዝማድናን ምሥጢራዊ ምድግጋፍ ኣሎ። ንሶም ስለና ይጽልዩ ንሕና ከአ ስለኦም ምሳኦም ሓቢርና ንጽሊ።

እዚ ኣብ መንጎናን መንጎ ቅዱሳንን ዘሎ ምትእስሳር ጸሎት እዚ ማለት ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ፍጽምና ሕይወት ዝበጽሑ ከማና ሰባትን ምትእስሳር ጸሎት ኣሎ ማለት እንክኾን ነዚ ምትእስሳር እዚ ገና ኣብዚ ምድርዚ እንከሎና ነስተማቅሮ ኢና፡ ስለሕድሕድ ንጽሊ ጸሎት ንሓትት ጸሎት ከኣ ነወፊ። እቲ ቀዳማይ ኣገባብ ጸሎት ስለ ሓደ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ምዕላል እዩ። ነዙይ ኣዘውቲርና ዕለት ዕለት ንገብሮ እንተዀና ልብና ኣይዕጾን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክፉት ይኸውን። ስለ ካልኦት ምጽላይከስ ቀዳማይ ምልክት ፍቅሪ እዩ ጭቡጥ ብዝኾ ነ መንገዲ ክንቀርቦም ከኣ ይደፋፍኣና። ኣብ ግዜ ግጭት እውን እንተኾነ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ወይውን ንምልስላስ ስለ እቲ ምሳኡ ዝተጋጮኻዮ ሰብ ጸሎት ምግባር የድሊ። ብርግጽ ብጸሎት ገለ ነገር ይልወጥ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ንልበይን ንኣተሓሳስባይን ዝቅይር ቀዳማይ ነገር እዩ። ምስቲ መጻልእተይ ንክራኸብ ገኡይታ ንኩሉ ለዊጡ ሓዲስ መንገዲ ይፈጥር በዚ ከኣ ነቲ ግጭት ኣልዩ ካብ መወዳእታ ኣልቦ ውግእ የድሕነኒ።

ሕጽረት ዝኾነ ነገር እንከጋጥመካ ቀዳማይ ኣገባብ ንኣሕዋትካ ምሕታት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቅዱሳን ስለኻ ክጽልዩ ምሕታት እዩ። ኣብ ጥምቀት ዝወሃበና ስም ቅዱሳን ንማለቱ ንምቅንጃው ዝወሃብ ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ወይውን ናይ ሓደ ቅዱስ ሓንቲ ቅድስቲ ስም እንክወሃበና ኣብ ሕይወትና ንክድግፉና ካብ እግዚአብሔር ዘድልየና ጸጋ ንከውህቡና እዩ ዝወሃበና። ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ፈተናታት ንሰላምና እንተዘይዘሪጎም ገና እውን ብጽንዓት ክንቅጽል እንተኽኢልና ኣብ ብርቱዕ ጸገም እንከሎና ተጻዊርና ብተኣማንነት ንቅድሚት እንክንግስግስ እዚ ጸጋ እዚ ብጻዕርና ዘይኮነ ስለና ካብ ዘማልዱ ቅዱሳን ገሊኦም ኣብ ሰማይ ገሊኦም ከኣ ኣብዚ ምድሪ እዚ መንፈሳዊ ንግደቶም ዝፍጽሙ እሞ ዝከላኸሉልናን ዘሰንዩናን ዓስቢ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኣብዚ ምድሪ እዚ ብቅድስና ዝነብሩ ብዙሓት ቅዱሳት ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ከምዘለው ኩልና ንፈልጥ ኢና። ንሳቶም ኣይፈልጥዎን እዮም ንሕና ግን ንፈልጦም ኢና ስለዚ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ኣለው ናይ ዕለት ዕለት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ኰይኖም ተሓቢኦም ዘለው ከምቲ ወትሩ ዝብሎ ኣብ ጐረቤትና ዝርከብ ቤት ዝነብሩ ቅዱሳን እዮም። እዚኦም ቅዱሳን እዚኦም ምሳና ይነብሩ ምሳና ይሰርሑ እንተኾነ ሕይወት ቅድስና ይነብሩ።

 እቲ እንኮ መድሓኒ ዓለምና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስዞም ኣብ ዓለምና ብስፍሓት ዝርከቡን ሕይወቶም ንክብሪ እግዚአብሔር ዘወፈዩ ኣእላፍ ዕምባባታት ቅዱሳኑ ይባረኽ። ከምቲ ቅዱስ ባስልዮስ ዝብሎ ‘ሓደ ቅዱስ ምቹእ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ በዚ ከኣ ምስ እግዚአብሔር ይነብር ቤተመቅደሱ ከኣ ይበሃል’ እዩ ጉዳይ ቅዱሳንን ቅዱሳትን እንክብሉ ትምህርቶም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 April 2021, 20:28
ንኩሉ ኣንብብ >