ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ፍጥረት ዘሎና ርክብ ነሕውይ! ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ፍጥረት ዘሎና ርክብ ነሕውይ! 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ፍጥረት ዘሎና ርክብ ነሕውይ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ከባቢን - ማሓድሮን ቃሊ ኪዳን ምቛም ከምዘድሊ ይሕብሩን እዚ ከኣ “ምሉእ ኵለንተናዊ ማሓደሮ” ማለት ምዃኑ ኣብቲ ብኹሉ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ይሴባሕ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘመላኸትዎ እዩ

ዕለት 22 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ 2021 ዓ.ም.  “መሬት ናብ ንቡር ምምላስ” ብዝብል መርሕ ቃል ከምእተብዓለን፡ ናይዚ መርሕ ቃል ዕላማ እውን ምስ ፍጥረት ቀጻልን ቅቡልን ርክብ ዳግም ምቛም ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ ጐደና እዚ ይጓዓዝ ከምዘሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ በታ ይሴባሕን ደሓር እውን በታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ፍጥረት ክኽበርን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብዚ መዳይ’ዚ ክነጥፍ ዘለዎ ጸዋዕታን ሓላፍነትን ብጥልቂ ከምዘብርሁን ኣብ ዕለቱ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ምስ ፍጥረትን ብጻይን / ብጸይትን - ሓውን ሓብትን ንቡር ርክብ ምቛም ዝላበው መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስ ፈጣርን ምስ ካልኦት ኣምሳልናን - ሰባትን ምስ ካልኦት ፍጣረታትን ዝነበረና ማእሰር በቲኽናዮ፡ ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ኣካላት ሕይወትን ንምድጋፍ ኣገዳሲ ክነሱ ዝበተኽናዮን ዘፍረስናዮን ርክባትና ከነሕውይ ይግብኣና” ዝብል መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መሬት ዕለት 22 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉን ቅዱስነቶም በዛ ሓጻር መልእኽቲ እዚ ኣቢሎም ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ተፈጥሮ ዘለዎ ርክብን ኣብዚ ርክብ እዚ ዘለዎ ሓላፍነትን ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ፡ እዚ ዓባይን ክቡርን መዓልቲ መሬት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ መግለጽታት ተዘኪሩ ከምዝወዓለን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝወርድ መጉዳእቲ ብፍላይ በተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕለባላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዘካይድኦ ምዝመዛ ደው ከብላ ዝጠልብ ዝተፈላለየ ጻውዒት ዝቐረበሉ ዕለተ ምንባሩን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መንግስቲ እውን ብወገኑ ብዛዕባ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዝመክር ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ናይ ኣርብዓ ሃገራት መራሕቲ ዘሳተፈ ዕለት 23 ሚያዝያ ዝተዛዘመ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 22 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምዘሰናደወን ርእሰ ብሔር ባይደን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝብል ዕላማ ዘማእከለ ተበጺሑ ዝነበረን ዝተቐበለቶምን ደሓር ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ትራምፕ መንግስቲ ዝነጸጐ ስምምዕ ፓሪስ ዳግም ንኽትምለስ ዘለዎም ድላይ ከምዝገለጹን እዚ እውን እቲ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግላስጎው ዛዕባ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ናብ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣስተዋጽኦ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስ ፍጥረት እዚዩ ንፍጥረት ዘኽብር ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ከባቢን - ማሓድሮን ቃሊ ኪዳን ምቛም ከምዘድሊ ይሕብሩን እዚ ከኣ “ምሉእ ኵለንተናዊ ማሓደሮ” ማለት ምዃኑ ኣብቲ ብኹሉ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ይሴባሕ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘመላኸትዎ እዩ፡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ እውን ዳርጋ ብሙሉእ ሕዝቢ ዓለም ተፈላጥነት ካብ ምርካብ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ጉባኤታትን ምይይጥን መጽናዕትን ይግብረሉ እውን ከምዘሎ ዝርአይ ሓቂ እዩ.

ኵሉ እቲ ካብ ለብዒ ኣትሒዙ ክሳዕ ለውጢ ኩነታታ ኣየር ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ምስ ኵሉ መዳይ ህይወት ማሕበራውን ቍጠባውን ስነ ምግባራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዚተሓሓዝ እዩ፡ ቅዱስነቶም ምእንቲ እቶም ድኻታትን ተነቀፍትን ከምዚጽልዩ የረጋግጹ፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ንሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ሰናይን ማእከል ክኸውን ዘተባብዕን ሓባራውን ደገፍን ዘለዎ ክንክን ባህሊ ክኸውን ዝብል እውን እዩ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ደሕንነት ብኣካባቢያዊ ኣረኣእያ ክርአ ምግባር ንቅዱስነቶም ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

በካሊ ጋዝ ምንካይን ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ብምኽንያታዊ ኣገባብ ምጥቃሙን ነቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝወርድ መዓት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተተሓሒዞም ክኸዱ ዝግብኦም ተግባራት እያቶም። ቅዱስቲ መንበር ኣብ ምክንኻን ከባቢ ኣበርቲዓ ትዓይን ኣብ መላእ ዓለም እውን ትግቡር ክኸውን ተነቓቕሕን ዝተፈላለዩ መደባት እውን ተሳልጥ እዚ ኸው ማሓድርኣዎ ምልዋጥ ክህሉ ዝብልን ዘላቕን ቅቡልን መደብ ልምዓት መሰረት እቲ ዓለምና ዝኽተሎ ፍጥረት ዝሃስይ ዓይነት ኣጠቓቕማ ብምእላይ ንምጻኢ ወለዶ ብሩህ መጻኢኡ ምኽባር ከምዝግባእ ተተሓሳስብ።

23 April 2021, 14:55