ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት፡ ር.ሊ.ጳ.፥ “ስጉምቲ እንወስደሉ እዋን እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኵሉ እቲ ካብ ለብዒ ኣትሒዙ ክሳዕ ለውጢ ኩነታታ ኣየር ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ምስ ኵሉ መዳይ ህይወት ማሕበራውን ቍጠባውን ስነ ምግባራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዚተሓሓዘ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ጠርዚ ከምዝበጽሔ ዘመላኽት ብምዃኑ ብዘይ ወዓል ሕደር ስጉምቲ እንወስደሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ገሊጾም፡ መራሕቲ ዓለም ኣብዚ መዳይ ብትብዓትን ብሓቅን ክዓዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ዝተወደበ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናብ ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ እውን ሰላምታኦም ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ደጊም እንጽበዮ ጊዜ የብልናን፥ እዚ ኸኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዘረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ብቋንቋ ስፓንሽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ከምቲ ቅድሚ ቅልውላው ዝነበርካዮ ኲይንካ ኣይትረፍን፥ ዝሓሸ ወይ ዝኸፍአ እዩ እቲ ምዃን ቢሎም፡ ፍትረጥ ንምክልኻል ናብ ተግባር ንኽንሰጋገር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ናብ ርእሰ ዕንወት ካብ ዘሰንይ መገዲ ወጺእና ብትብዓትን ብሓድነትን “ብማሓድሮኣዊ ኣረኣእያ ቅኑዕን ማዕረን ውሑስን ዝኾነ መሬት ንኸነቕውም ብትብዓትን ብሓድነትን ክንዓዪ ኣሎና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብሓባር ዚግበር ጉዕዞ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን እተወደበ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናብ ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ እናሓሰቡ፡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ እቲ ተበግሶ ብሓባር ኪንጓዕዝ ዚገብር እዩ፡ ናብቲ ኣብ ግላስጎው ንኽካየድ ዝተወሰነ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናብ ዝዝትይ ዋዕላ እውን ዘሰንይ እዩ ቢሎም፥ “እቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ንኽንከናኸን ዝዕድምን ብግቡእን ብማዕርነትን ብኣኽብሮትን ንኽንጥቀመሉ ዘተባብዕ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ . . . ብፍላይ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣዚዩ ኣገዳስ ዝኾነ ብድሆ እዩ፥ ወይ ምሕዋይ እዩ ወይ ከኣ ምጥፋእ እዩ፥ ካልኣ ኣማራጺ የልቦን፡ . . . ተፈጥሮ ክከናኸነና መታን ንኸናኸኖ ይግባእ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ምርሳዕ ሓደጋ

ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ እቲ ተፈጥሮ ንኽንከናኸን ብዝተፈላለይየ መዳይ ዝቐርብ ምሕጽንታ ናይ ምርሳዑ ሓደጋ ከየጋጥም ብዝብል ለበዋ ኣንቂሎም፥ ተፍጥሮ ዑቕባን ክንክንን ከምዝጠልብ ካብ ርሑቕ እዋን ከነስተውዕሎ ጸኒሕና ኢና፡ ከመይሲ ደቂ ሰብ ምስቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ብዝሓ-ሕይወት በአቃልቦን ብኣኽብሮትን ርክብ ክህሉ ስለ ዘለዎ እዩ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘመሓላልፈልና ትምህርቲ

ብሰንኪ መንግስታት ብምኽንያ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥይዕና ዘውጽእዎ ቀይድታት ዓለም ፍጥነቱ ዝግ ከብል ገይሩን፥ እቲ ደው ምባል ንቑሩብ ኣዋርሕ እውን እንተነበረ፡ ኣብ ዓለም እንታይ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣስተውዒልና ኢና፥ እዚ ኸኣ እቲ ኣነባብራና ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ዘለዎ ማሕታ እንታይ ከምዝመስል ኣርእዩና እዩ፥ እዚ ኸኣ ግጒይ ኣይነት ኣገባብ ሕይወት ንስዕብ ምህላውና እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስጉምንቲ እንወስደሉ እዋን እዩ

እቲ ዘሎ ህልው ኵነታት እዋናውን ዝመዓራረዮን ይጽናሕ ዘይበሃሎ  ስጒምቲ ዚሓትት እዩ፡ . . . ብሓጺሩ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ሕድሕዳዊ ተማራዃስያን ምዃንና ኣመላኺቱና እዩ፥ ንሓድሕድናን ምስ ፍጥረትን ዘሎና ተማራዃስነት ብኣጽንዖት ዝሓበረ ኵነት እዩ፡ . . . ነቲ ምጥፋእና ንኽንኣልዮን ንኽንገጥሞን እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘሎና ዕቑር ሓይሊ ኣብሪሁልና እዩ፡ ስለዚ ኣብ ጠርዚ ስለ ዝበጻሕና ስጒምቲ እንወስደሉ እዋን ሕጂ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣምላኽ ይምሕር መሬት ግና ኣይተናሕስይን

. . . ኣምላኽ ወትሩ ይቕረ ይብል፥ ንሕና እውን ከም ሰብ ሓሓሊፍና ይቕረ ንብል ኢና፡ ተፈጥሮ ክቑጣዕ እንከሎ ግና ኣይምሕር . . . ኣየናሕስይን፡ ቍጣዔ ተፈጥሮ ዓጋቲ የብሉን፡ ግዜ እንከሎና ግዜ ኣይንጸበይ፡ ቢሎም ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብሉጻት ኰይናን ንኽንወጽእ እላበው፡ ካብ ዝኾነ ይዅን ቅልውላው ወይ ዝሓሹ ወይ ካብቲ ዝነበርናዮ ዝገደዱ ኮይንና ኢና እንወጽእ እሞ ብሉጻት ኮይንና ንውጻእ፥ ካብዚ ወጻኢ ርእሰ ዕንወት እዩ ሳዕቤኑ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም

ደቂ ሰብ ፍጥረት ክዕቅብን ከኽብርን መታን ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ንኽቕይር ዝከእሎ እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣነ እውን ምሳኹም ሓቢረ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ብትብዓትንን ብፍትሕን ክዓዩን ንሕዝቢ ሓቂ ክንገሩን ምኽንያቱ  ሕዝቢ  ካብ ርእሰ ዕንወት ገዛእ ርእሱ ከድሕንን ተፈጥሮ ካብ ዕንወት ክድሕንን መታን ምሕጽንታ አቕርብ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት

ዓለምሓቆፍ መዓልቲ መሬት ኣብ 1970 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዝተበገሰ ኮይኑ መሬት ምዕቃብን ምኽባርን ኣማራጺ ዘይኮነ ግዴታ ምዃኑ ዘተሓሳስብን፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምእላይን ኣብ ልዕሊ ብዝሓ-ሕይወት ዘጋጥሞ ሓደጋ ብምውጋድ ፍጥረትን ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዘነቓቕሕን እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ዓመት ዝበዓል እውን እንተነበረ ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ በቢ ዓመቱ ክበዓል ከምዝጀመረን እውን የዘኻኽር።

23 April 2021, 15:13