ዒራቕ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትጽበይ ዒራቕ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትጽበይ 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ፥ ሰላምን ተስፋን ናብታ ብውግእ ዝደመየት ሃገር

እቲ ብስቓይን መከራን ሞትን ማህሰይትን ምኵር ዝኾነ ምስ ዝኾነ ሕዝቢ ንኽራኸቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ዒራቕ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ክብገሱ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ክሳብ ዕለት ሸሞንተ መጋቢት ዝቕጽል ኣብታ በርባዕተ ውግእ ኣብ ዝደመየት ሃገረ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ከምዝጅምርዎን እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሰላምን ተስፋን ዝሰነቐ ክኸውን እንከሎ፥ እቶም ኣርባዕተ ውግኣት ይብሉ ኣብ ኢጣሊያ ሞደናን ኣብ ረጆ ኤሚሊያን ኣብ ዝርከባ መናብርተ ጥበብን ናይ እዋናዊ ታሪኽ መምህር ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ጃኒ ላ በላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ብዘካየድዎ መቃበለት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 1980 ዓ.ም. እቲ መብረቕ ብዝብል ስርሒታዊ መጸውዕ ዝፍለጥ ንዓሰረተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእን ደሓር እውን ንሰላሳ ዓመት ዝቐጸለ ብውግእ ውሽመጥት ዝፍለጥን ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ዘብቀዔን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2003 ዓ.ም. ናይ ሳዳም ሑሴን ስርዓት ከብቅዕ ዝገበረ ውግእን ተተሓሒዙ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘተኣታተውዎ ዓሰርተ ዓመት ዘቑጸረን ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣብ ሰንፈላል ዘትረፈ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ዕጡቓት ሓይልታት ዘካይድዎ ሕድሕዳዊ ውግእን ዝብሉ ጠቒሶም፥

ዒራቕን ዒራንን

ዒራቕ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝዝተፈላለየ መዓትን መድመይትን ውድመትን ብዘውረዱላ ውግኣት ዝተሓመሰት ሃገረ እያ፡ እቲ ቀዳማይ ውግእ ኣስታት ሸሞንተ ዓመት ዘቑጸረ ኣብ መንጐ ሱናዊ ዒራቕን ሺዓዊ ኢራንን ዝተኻየደን ብምሊዮናት ዝቑጸሩ ዘድመየን ንማህሰይትን ሞት ዘቓልዔን፥

እቲ ካልኣይ ግጭት

ቀጺሉ እውን እቲ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዝተባረዔ ምስ ምዕራብ ዓለም እውን ዘሰሓሓበን ንፈለማ ግዜ እቲ ዝተባርከ እስላማዊ መሬት ተባሂሉ ዝንገረሉ ስፍራ ብኣመሪካውያን ወተሃደራት ተበጻሒ ኮይኑን እዚ ውግእ እዚ እውን ዓቢይ ባህላውን ትእምርታውን ስብራት ዘሕደረ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ተስዓታት ብሓደ መዳይ ንዋታዊ ዕንወትን ብኻልእ ሸነኽ እውን ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብድኹም ኡራኒዩም ብዝተሰርሑ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ እውን ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝተፈላለየ ሕማም ዘስዓበነ ብዙሓት ሕጻናት ዝርከብዎም ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝተደንገገ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ ነታ ሃገርን ሕዝባን ናብ ዝከፍኤ ድኽነት ከተብል ከምዝዳረገ ዲ በላ ይሕብሩ።  

ናይ 2003 ዓ.ም. ውግእ

21 ክፍለ ዘመን ንዒራቕ ምስ ምዝዛም ስርዓት ሳዳም ሑሴን ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ኣብ ዒራቕ ሕዝቢ ዝርፍርፍ ሓደገይና ኣጽዋር ኣሎ ብዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ መሰረት ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመርሔ ውግእ ኣብ ሎዕሊ ዒራቕ ተኣዊጁን እዚ ውግእ እዚ እቲ መንግስቲ ሳዳም ሑሴን ንምእላይ ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበሮ ከምዝኾነን እዚ ውግእ እዚ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መንግስቲ ሳዳም ሑስየንን ተኻይዱን እዚ ውጥረት’ዚ ኣብ መንጐ ዓረብ ሃገራትን ምዕራብ ዓለምን ብዙሕ ምቕሕሓር ዝፈጠረ ኮይኑን ክሳብ እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተባርዔ ውግእ ዘሰነየ ውጥረት ዝወለደ እውን ምዃኑ ላ በላ የብርሁ።

ሽብርተይናነት

እቲ ካብ 2003 ክሳብ 2014 ዓ.ም. ዝቕጽል ሕድሕዳዊ ግጭት ኣብ ዒራቕ ከቢድ ድኽነትን ዓለም ሓቆፍ ተነጽሎ ዘስዓበላን ውሽጣዊ ምስሕሓብ እናጓሃሃረ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ታሪኽ ከም ኣብነት ዝግለጽ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሰላምዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝህውኽ እቲ ኣብ መንጐ ኩርዳውያንን ሺዓውያንን ሱናውያንን ዝነበረ ስሙር ናይ ሓባር ናብራ ዘናወጸን ዒራቓውያን ከምቲ ቅድም ክብል ምስ ወጻኢ ሓይልታት ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ ሕድሕዳዊ ውግእ ኣለዓዒሉን ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣቡ ባካር ኣል ባግዳዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ካሊፋዊ ግዝኣት ከቕውም ዝፈተነሉን እዚ ጅሃዳዊ ፖለቲካዊ ህልዩ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ከቢድ ህልቂት ዘስዓበ እዩ። እዚ ሕድሕዳዊ ውግእ ካብ 2014 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ዝቐጸለ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዒራቕ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ምስልምናን ኣባይቲ መዘክርን መጥቓዕቲ ዘለዓዓለን ብሓፍሻኡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሰብኣውነት ዝሓክኽ ኩነት ዝፈጠረ እውን ምዃኑ የብርሁ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መግሻ ናብ ዒራቕ

እቲ ብስቓይን መከራን ሞትን ማህሰይትን ምኵር ዝኾነ ምስ ዝኾነ ሕዝቢ ንኽራኸቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ዒራቕ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ክብገሱ እዮም፡ ምስ እዚ ሕዝቢ እዚ እዮም ዝዝትዩ፡ ኣብታ ኣብርሃማዊት መሬት ኣብ ከለዳዊ ዑር ክበጽሑን እዚ ምብጻሕ ኩለን ሃይማኖታት ንዝኾነ ይዅን ዓይነት ውግእ ኣይፋል ክብላን ምስ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውግእ ከይሓብራን ዘተባብዕን ኣይፋል ንውግእ ንኽብላን ዝዕድም እዩ፥ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ታሪኽ እቲ ዓቢይ ጦብላሕታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ምዕራፍ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 March 2021, 16:07